ጨንፈር ሰዲህኤ ቁ.2 ሃገር ሽወደን 7ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

2019-07-25 05:25:20 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1661 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ቁ.2 ብዕለት 23/07/2019 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ምሉኣት ኣባላት ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ብሰላምታ ከፊቱ ዝቀረባ 3ተ ኣጀንዳታት  ኣርጊኡ፡ ህልዊ ጨንፈርን ንጥፈታቱን ብጉዳይ ንብረትን ብብሩህ ሓቢሩ።

 2ይ. ኣጀንዳ  ከኣ ኮንፈረንስ ሰዲህኤ ብዕለት 20ን 21 07/2019 ሓያሎ ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ክልተ መዓልታት ዕዉት ከም ዝነበረ ፡  ናይ 4ተ ዓመታት ጸብጻብ ስራሓት 9 ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማገለ  ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ብቀደም ተኸተል ቀሪቡ። እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርኸቡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ዓሚቅ ክትዓትን ርእይቶን ለወባን ሂቦም ከም ዝዛዘምዎ ሓቢሩ። ብምቅጻል ካብ ተመክሮና ናይ ስምረትን ምምርኳስን ከኣ ህልዊ ኩነታት ዝጠልቦ ብንቅሓት እሩም ዝኾነ ኣቃራርባን ኣኽብሮት ሓዘል ሃነጽቲ ዝኾኑ ልዝብ ክዋስኡ ነዚ ንምእዋጁ ተዳልዩ ዘሎ ዕዉት 3ይ ሓድነታዊ ጉባኤ ሰዲህኤን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድርን  ንወከልቲ ጉባኤ ተላብዮም። ህልዊ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክልን ዝኸዶ ዘሎ ናህርን ብትብባዕን፡ ከኣ ኣብ ገለ ንዉድባት ዘግለለ ኮይኑ ይንህር ስለ ዘሎ ብጥንቁቅ ኣገባብ ክጽናዕን ስጡም ሓባራዊ ክኸውንን፡  ማለት ንሕና ካብ ንግሆ ይኣክልን ዝበልና ንብል ዘሎናን ስለ ዝኾና  ናይ ሎሚ ተባዓት መንእሰያት ቀጸልቲ ድኣ እምበር  ጀመርቲ ወይ መስረቲ ከም ዘይኮኑ ከነረድኦም ኣሎና ኢሎም።  ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ ጉዳይ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ዝኣወጆ እማመ መሰረት ተሰማዕነት እናረኸበ ይመጽእ ብምህላው ብዕቱብ ክቕጽሎን መሪሕ ግደ ንሓድነት ክህልዎን መሪሕነት ሰልፊ ቀዳምነት ሂቡ ንምዕዋቱ ክጽዕር ምሉኣት ኣባላት ኣስሚሮምሉ። ኣብ መደምደምታ ንናይቲ ዓመት ዓመት ዝካየድ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ኣሳናዳኢ ሽማገለ ድሮ ምድላዋታ ወዲኣ ብምህላዋ ኩሉም  ኣባላት ከኣ ንምዕዋቱ  ዕጥቆም ክድርቡ ምኳኖም ቃል ኣትዮም ኣኼባኦም ዛዚሞም።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!

ዉድቀት ዕንወትን ንዉልቀ መራሒ ህግደፍ።

23 / 07 / 2019

Last modified on Thursday, 25 July 2019 07:31