ዘሎናዮ  መድረኽ ምውድዳር ዘይኮነስ ሓቢርካ ምስራሕ እዩ

2019-07-13 21:54:14 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1689 times

ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ እትሰጋገር ሃገር፥ ዲሞክራሲያዊት ንኽትከውንን፥ ዲሞክራሲያዊ መደባታት ብግቡእ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ውሕስነት ዝረክብን፥ ሓያል ፖለቲካዊ ስልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን የድሊያ።  ብፍላይ ድማ ህላዌ  ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምቲ ኣብ ብዙሕ ፖለቲካዊ ጽሑፋት ዝብሎ፡ “ኣብ ዘመናዊ ውክልናዊ ዲሞክራሲ ዓቢ ግደ ክጻወታ ይኽእላ እየን።” ልክዕ እዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንመላእ ህዝቢ ኣይወከላ እምበር፥ ካብቲ ህዝቢ ዝመጽእ ርእይቶታት ይኹን ሓሳባት ወይ እውን ዝቐርብ ጠለባት ይኹን ጥርዓናት ኣዋህሊለን ንድሌትን ትጽቢትን ህዝቢ ንምምላስ ይማጎታን ይቃለሳን።

ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንስልጣን ጥራይ እየን ዝወዳደራ ብምባል ብዙሕ ብድሆታት እዩ ዘጋጥመን። መጀመርያ ከምዚ ናይ ኤርትራ ሰልፍታት ኣብ ደገ ብምህላወን ንሓድሕደን’ውን ምድምማጽ ይኹን ምስምማዕዕ የብለንን። ካልኣይ ነጥቢ ነቲ ክለሳ ሓሳባውን መትከላትን ኣተሓሕዛ ንድሕሪት  ገዲፈን፡ በቲ ናይ ጽባሕ ዝትግበር ግዜኡ ዘይሓለወ ናይ ስልጣን ውድድር ቁርቁስ ይኣትዋ። በዚ ዝኣክል ኣብ ነንሓድሕደን ክወቓቐሳን ክፈናጨላን ከይኣክል፡ ተጓነጽቲ ይኾና እሞ  ንረብሓ ዕድመ ስልጣን መላኺ  ስርዓት ይኸውን። ካልእ ኣጸቢቑ በዳሂ ዝኸውን እቲ ኣብ መንጎ ስቪል ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዘሎ ምትእትታው፥ ፖለቲካዊ ውዳቤ የዳኽሞ እዩ። ከምኡ እውን ንህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዝጻረር መልክዕ ጐስጓሳት ስለዝካየድ፥  ዘይምስታፍን ኣንጻር ሰልፊ ምኻድን የስዕብ። ህዝቢ እውን ኣብ ልዕሊ ሰልፍታት እምነት ከም ዝጉድል ይገብር። 

ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይብዝሓ ይውሓዳ ብዙሕ ዘጸገም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፥ ኣብ ነሓድሕደን ነቲ ዲሞክራሲዊ ለውጢ ብኸመይ ኣወሃሂደን ብሓባር ይሰርሓ እዩ እቲ ዘገድስ። ስለዚ ክዛተያን ሓቢርካ ብምስራሕ ብስልጡን ኣገባብ ክዋሳኣ ዘይምኽኣለን እዩ እቲ ዓብይ ጸገም።

ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ፡ ወጻኢ ካብ ሃገረን ምህላወን፥ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ብስለትን፥ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕን ክከታተልን ከተግብርን ተኽእሎ የለን። ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ፋይዳ ከምዘይብለን ገይሩ ይቖጽረን። እንተኾነ እዚ ሚዛንዚ ሕመቕ እምበር መንፈዓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ተሳታፍነት ዘይብሉ እንተኾይኑ፥ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ዝደልዮ ምሕደራ ክትትክእ ኣጸጋሚ ስለ ዝገብሮ።  

ስለዚ ህዝቢ ብፖለቲካዊ ስነሓሰብ ምስ ዝወዳደብን፥ ጽባሕ ክበጽሖ ንዝደልዮ መትከላት ምስዘነጽርን፡ ህዝቢ ረብሓኡን መሰላቱን የውሕሰለይ ኢሉ ዝኣምነሉ ምርጫ ክርክብ ዕድል ኣለዎ። እዚ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ግን፡ ነቲ ናይ ጽባሕ ዲሞክራሲያውን ግዝኣተ-ሕግን ዝነግሰሉ ባይታ ንምጥጣሕ ክኸውን ይግበኦ።

ሎሚ፡  ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ይኹና ሲቪላውያን ማሕበራት ንዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዘራጉዳን ዝጣበቓን እምበር ክሰሓሓባን ክካሰሳን ዝውዕላ ክኾና ቅኑዕ ኣይኮነን። እዚ ዘሎናዮ መድረኽ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር እዩ፡፡ እቲ ቀዳምነትና ነቲ ወጻዕን ጸረ ህዝብን ስርዓት ምውጋድ እዩ። ጎኒ ጎኑ ድማ ካብ ህልኽን ምውጣጥን ወጺካ ንዲሞክራሲ ብኸመይ ንርዳእን ኣብ ግብሪ ነውዕሎን ሓቢርና ንቃለስን  እንውስነሉ ኣገዳሲ መድረኽ እዩ።

Last modified on Saturday, 13 July 2019 23:58