ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2019-07-08 07:09:10 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1662 times

ብዕለት 07.07.2017 እዚ ጨንፈር‘ዚ ብኣቦመንበር ጨንፈር ኣኼባ ምስ ተኸፈተ ኣብቲ ኣጀንዳታት ተኣትዩ ዘድሊ ምርድዳእ ተኻይዱሉ። ዝነበሩ ኣጀንዳታት ድማ፡ 1) ውሽጣዉ ጉዳይ ጨንፈር፡ 2) ጉዳይ ናይ 2 ዓመታዊ ጉባአ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ 3) ጉዳይ ፈስቲቫል 2019፡ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 3 ኣዋርሕ ኣኼባታትና፡ ጨንፈርና ነቲ ብሰልፊ ዝካየድ ዝነበረ ናብ ሓድነታዊ ጉባአ ዝቐርብ ናይ  ቅዋምን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ንድፍታት ንምጽራይን፡ ንመሪሕነት ሰልፊ ንዝሕጸዩን፡ ንጉባአ ዝውክሉን ኣጻርዩ ንምልኣኽመሰሉ ስራሓት ተጸሚዱ ጸኑሑ‘ዩ።

ሎሚ ድማ ኣኼበኛ ኣብ ኣኼባኡ ነዞም ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሱ 3 ኣጀንዳታት ኣልዒሉ ብምርድዳእ ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዱ። ኣብ ዕለት 22.06.2019 ዝነበረ ጉባአ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ጉባአኛ ኩሉ ጉዳያቱ ምስ ኣጻፈፈ ንንኡስ ዞባ ን2 ዓመት ዝመርሑ ሕጹያት ረቚሑ፡ ንዝበዝሐ ተሳትፎ ኣባላት ንኡስ ዞባ ኣብ ምርጫ ንምርግጋጽ ኣስማት ሕጹያት ናብ ጨናፍር ወሪዱ፡ ጨንፈርና‘ውን ኣድሚጹሉ። እዚ ንዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ናይ ኣባላት ኣብ ጉባአታት ዝግበር ንምስፍሑ ተባሂሉ ዝተገብረ ኣገባብ ድማ፡ ኩሉ ኣባል ተቐቢሉዎ ድምጽታቱ‘ውን ሂቡሉ።

20190519 164133 fffffffffff

ብድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ፈስቲቫል ተኣትዩ። ኣባላት ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ድማ ነቲ ዓመታዊ ፈስቲቫላትና “ ካባናን ብኣናን ” ዝብል ጭርሖኡ ሒዙ፡ ነዚ ፈስቲቫል ናይ 2019 እውን ከም ወትሩ ገንዘብናን ጉልበትናን ንብረትናን ኣወፊና ዕዉት ንምግባሩ ክንዕጠቕ ኢና ብምባል ኩሉ ወፈያታት ከከም ዓቕሙ ከበርክት ተመባጺዑ። ዓመታዊ ፈስቲቫላትና ድማ ግሉጽነታዊ ኣሰራርሓና ንህዝብና እነርእየሉን፡ ንህዝብናን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራትን ውድባትን ኣራኺብና ብጉዳይ ሃገርናን ኩነታት ህዝብናን ንምዝታይ እነአንግደሉን ስለ ዝኾነ፡ ዓዳሚኳ ውሱን ኣካል ይኹን‘ምበር፡ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ወይ ማሕበር ጥራሕ ጌርካ ዝውሰድ ከም ዘይኮነ ንኩላትና ብሩህ ክኸውን ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ጉባአኛ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ፈስቲቫልና ናይ 2019 የራኽበና ብምባል ኣኼባ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ዛዚሙ።

  

Last modified on Monday, 08 July 2019 09:16