ወግዕታትና ምኽባር፡ መሰረት ህንጸት ባህሊ ማሕብረሰብ እዩ

2019-07-06 09:47:03 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1706 times

ከምቲ ልቃውንቲ ዝብልዎ፡”ማሕበራዊ ወግዕታት ወይ ክብርታት ናይ  ማሕበረሰብ ባህሊ ዝቐርጸሉ ወሳኒ ኣካል  እዩ። እዞም ማሕበራዊ ወግዕታት ወይ ክብርታት  ንኣጠቓላሊ መምርሕታት ዘቕርቡ እዮም። ገለ ካብዞም ክብርታት ወይ ወግዕታት፥ መሰረታዊ መሰላት፥ ሓርበኝነት፥ ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብሪ፥ ቅንዕና፥ መስዋእትነት፥ ዲሞክራሲ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ንባህርያትና ብዝተፍፈላለየ መንገዲ ወይ ኣገባብ ዝመርሑ ወይ ዝሕብሩ እዮም።”

ሓደ ማሕበረሰብ እምበኣር፡ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣምር  እንተተገናዚቡ ንሓድሕዱ ክናበብ፡ ክረዳዳእን ክተኣማመንን እወንታዊ ስምዒታት ክፈጥረሉ ይኽእል። እዚ ኣውንታዊ ስምዒታት እዚ ቅንዕና፥ ዲሞክራስን፥ ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብርን ምስዝህልዎ፥ ሓቢርካ ንምንባር ዘማዕብል እዩ። ካብዚ ነቒሉ ኣብታ ብሓባር ዝነብረላ ሃገር ሃይማኖት ይኹን ወገን ወይ ብሄር ከይፈላለየ ሃገራዊ ሓላፍነት ክስከምን ሃገርን ህዝባን ዝከላኸልን፥  ሰሚሩ ታሪኽ ዝሰርሓሉን ክሳብ ናይ መወዳእታ መስዋእትነት ንክኸፍል ድልው ይኸውን። እዚ ዝኽፈል ወጋ ድማ እዩ ነቲ ሃገራዊ ጥምረትን ሃገረይ ዝብል ስምዒትን ዘደልድል።

እዚ መስዋእትነት እዚ ሓደ ካብቶም ክብርታት ወይ ወግዕታት ዝኾነሉ ምኽንያት፥ ነታ ሃገር ኣብ ምክልኻልን፥ ንህዝባ’ውን ኣብ ምድሓንን ዝተበጀወ ጥራይ ዘይኮነ፥ እንታይ ነታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ብምልቓቕ፥ ሃገራዊ ምትእስሳርን፥ ሃገራዊ መንነትን ዘውሕስ ብምዃኑ እዩ። እዚ መስዋእትነት እዚ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን እውን እዩ።  ሃገርን ህዝብን ካሳብ ብህይወት ካብ ተወፈኻላ፥ ብህይወትካ እንከለኻ ከምኡ ኣተሓሳስባ ክህልወካ እውን ዝፈጥሮ ባህሪ ኣለዎ። ንሱ ድማ እቲ ሓርበኝነት ካብቲ እቶም ቀዳሞት ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ክብሉ ዘጥረይዎ ባህሪ፡ ነታ ሃገር ኣብ ምክልኻልን ምምዕባልን ሓላፍነት ናይ ምስካም ካብ ውሉድ ወለዶ እናተዘከሩ ኣሰሮም ክንክተል ዝሕግዘና ታሪኽን ተመኩሮን እዩ።

እዚ ወግዕታት ወይ ክብርታት’ዚ ኣብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣልዎ። ኣብ ፖለቲካዊ በዓላት፡ ከም መዓልቲ ናጽነት፥ መዓልቲ ስውኣት፥ ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ በዓላት  ልደት ፋሲካ፥ ዒድ ኣልፈጥር፥ ዒድ ኣልኣድሓ ክጥቀስ ይከኣል። እዞም ፖለትካውን ሃይማኖታውን ክብርታት እዚኦም ዝፈጠርዎ ባህሊ፥ እቲ ፖለቲካዊ በዓላት ናይ ሓባር ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ግና ናይ ግሊ ዘመልክት ይኹን እምበር፡ ሃገራውያን ባዓላት ብምዃኖም ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ሓድሕድ ዘከባብርን፥ ዘተኣሳስርን ግደ ኣለዎ። በዚ መሰረት እቲ ዕለተ ናጽነት ይኹን ነቲ ናጽነት ክውን ንምግባር ተበጅዮም ታሪኽ ገይሮም ዘውረሱና ሃገራዊ መንነት ቀንዲ ወግዕናን ክብርናን ኮይኑ፡ ነቲ ባህሊ ሓቢርካ ናይ ምዝካሮምን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝፈጥሮ ናይ ሓርበኝነትን መስዋእትነትን ስምዒት ዘለዓዕል እዩ።

ስለዚ ነቶም ዝለዓለ ምስዋእትነት ዝኸፈላን ዝኸፈሉን ክብሮም ወይ ወግዖም ገፊፍና ክንፍሕቆ ዘይከኣል እዩ። ንሰማእታት ካብቲ ናይ መስዋእትነት ክብሪ ወይ ወግዒ ክንፍሕቆ፥ ማለት ንሕሉፍ ታሪኽ ዘይምርዳእን፥ ነቲ ሃገራዊ ጅግንነትን ተመኩሮን ምኽሓድ ነቲ ዝጠምረና ሃገራዊ ስምዒት ዘቕህም እዩ። ነቲ ሰማእታትና ምእንቲ ናጽነት ዝፈጸምዎ ታሪኽና፥ ብኸመይ ከም ከምዝተመስረተን፥ እንታይ ጸገማት ወይ ሽግራት ተጻዊሩ ከም ዝሓለፈን እንድሕሪ ዘይተረዲእና፡ ነቲ ከሕብረናን ከተኣሳስረናን ዝኽእል ታሪኽ ዘመራስሕን ነቲ ኣብ ሎሚ ኰይና ጽባሕ ክንበጽሖ እንደሊ ሸቶ ዝዕንቅፍ ኢዩ ከኽውን።

ልክዕ እዩ እቲ ከቢድ መስዋእትን ነዊሕ ግዜን ዝተኸፍሎ ናጽነት ተረጋጊጹ እዩ። ነቲ ክቡር ናጽነት ዘንጸባርቕ ሰላም ቅሳነት፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ስለዘይተራእየ፡ ኣነኣኢስካ ንክረአ ግደ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ምሕዳር ግና ፈጺሙ ግጉይ እዩ። ምኽንያቱ ስውኣት  ነቲ ካብ መግዛእቲ ምልቓቕና ዝተገብረ ቃልሲ ግቡኦም ፈጺሞም ኢዮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ዋጋ መስዋእቶም ዝኾነ ሓርነት ኣይረኸብናዮን። እምበኣር ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ናጽነት ኣይኮንካ ተነኣእስ። እንታይ ደኣ ነቲ ሓርነትና መንዚዑና ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ተቓሊስካ ከተወግ ኢኻ እጽዕት። ስለዚ፥ መስዋትነት ሓደ ካብቶም ንማሕበራዊ ባህሊ ዝቐርጹን ንባህሪያትና ዝመርሑን  ወግዕታት ወይ ክብርታት ዘንጊዕካ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይከኣልን እዩ።

Last modified on Saturday, 06 July 2019 11:49