ምስንዳእ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019

2019-06-14 16:21:18 Written by    ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1729 times

ኣሰናዳኢ ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 02 - 04 ነሓሰ 2019 ኣብ ፍራንክፎርት ክጋባእ ኣብ ምድላው ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ብዕለት 08.06.2019 ሳልሳይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ሽማግለ ክሳብቲ ዕለት ዘሰላሰለቶም ምድላዋትን ገና ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ክዕመሙ ዘለዎም ጉዳያት ብግቡእ ገምጊሙ።

ናይዚ ዓመት ፈስቲቫል 2019 ኣብ ሓደ ውዕዉዕ መደረኽ፡ ወጊድ ንመላካዊ ስርዓት፡ ወጊድ ንምፍልላይ፡ መርሓባ ንምጥርናፍ፤ መርሓባ ንሓቢርካ ምድማጽን ሓቢርካ ንምውዳቕ መላኺ ስርዓትን ዝብል ናህሪ ዝመላኦ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝቃላሓሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ምህላዉ፡ ሓደ ካብቲ ፍሉይን ኣገዳስን ዝገብሮ መራከቢ መኣዲ ምዃኑውን ርእዩ።

ብዘይካዚ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ካብቶም ናይ ነዊሕ ዓመታት መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩን ገና እውን ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጉን ብሕሰሙ ዝሓሙን ሽወደናውያን ወይዘሮ ክርስቲና ቢዮርክን ኣቶ ቡ ቡቨልስታምን ክሳተፍዎ ብምዃኖም ሓደ ካብቲ ተወሳኺ ኣገዳሲ ዝገብሮ ፈስቲቫል ከምዝኮነ ኣብቲ ኣኼባ ተራእዩ።

ወይዘሮ ክርስቲና The land by the see ዝብል ኣብ ሜዳ፡ ገለ ካብቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታትን ግደ ተጋደልቲ ሓርነትን ብጭቡጥ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ፊልም ኣዳልያ፡ ሕጂውን ንኤርትራ ዝምልከት መጽሓፍ ጽሒፋ ምህላዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣሰናዳኢ ሽማግለ ነዚ  ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንዝሰፍሐ ተሳትፎ ዘረጋግጽ  ምድላዋት ተታሓሒዝዎ ኣሎ። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ነዚ ኣብ መላእ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ናይ „ይኣክል“ ምትእኽኻባት ዘሐይል ኮይኑ ንኽወጽእ፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዘሳትፍ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ኮይኑ ክወጽእ ኣብዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፡ ብተግባር ንምስናዩ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብእኩብ ይኹን ብውልቀ ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ክሳተፎ ሽማግለ ደጊሙ ይጽውዕ።

                                                                                                                                                                                                                                                                            

Last modified on Friday, 14 June 2019 18:24