ሕጂ ሕራይ

2019-05-25 20:58:41 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1921 times

ሕጂ ሕራይ ወገነይ ሕጂ ሕራይ

ኣለኹ ምባልካ ጭቆና ንምእላይ

ኩልኻ ብሓባር ብዘይኣፈላላይ

ባርነት ክንቀብር ከይደግሰና ዳሕራይ

ሓቢርና ክንጽንብል ናይ ሓርነት ውራይ።

   ሕጂ ሕራይ‘ወ ከብቅዕ ባርነት

   ብዙሕ ተጸሚምና ኣብ ዘይንቡር ሂወት

   እምብዛ ኣኽቢርናዮስ ሰኺሩ ብንዕቀት

   መመሊሱ ይዓብድ ካብ ዕለት ናብ ዕለት

   ክዳሎ ንገርዎ ንግብኣተ-መሬት።

ክንደይ ዘይጸየቕካ ግሩሃት ከሎና

ብፍትሒ ክትመርሕ ብዙሕ ተጸቢና

ኣምላኽ ሰሚናካ ጉድካ ከይፈለጥና

ሃገር ኣባዲምካ በቲንካ ደቅና

ጸብጺብካ ዘይውዳእ'ዩ ገበንካ ኣብ ሂወትና።

   ጀጋኑ ክስውኡ ንስኻ ትሰክር

   ምሁራት ንምሕቃቕ ብጸላም ትመክር

   ተንኰል ኣጻዊድካ ኣድራሻ ትቕይር

   ሰይጣን ዓዲሃሎ ሃዋርያ ዕግርግር

   ንስኻ ከሎኻ መን ሰላም ክነብር።

ህዝቢ ንምህውታት ስምካ ህግደፍ

መሰል ደቂ ሃገር ብምልኣት ትገፍፍ

ጀጋኑ ሰብ ሕድሪ ብቓጻ ትቐዝፍ

ፈታዊ ጸላኢ ብሓባር ትስይፍ

ህዝቢ ተላዒሉ ሞትካ ከቀላጥፍ።

   ነዚ ሓላል ህዝቢ ብዙሕ ዘኽብረካ

   ድላይካ ክትገብር ዓገብ ዘይበለካ

   ኢሱ ኢሱ ምባል ኣብ ጽሉል ለዊጡካ

   ብመንነትና ክትጻወት ፍጹም ከይሓፈርካ

   ተኣለ በል ሎምስ ተኸሽሑ ጉድካ።

ሕጂ ሕራይ እወ ሕራይ

ብሓደ ነቒሉ ኩሉ ብዓል ውራይ

ጸሪጉ ክጕሕፎም ነዞም እራይ-ምራይ

ነጋዳይ ክነግድ ክሓርስ ሓረስታይ

ኤርትራ ክትከውን ዓዲ መዓር ጠስሚ ዓዲ ስርናይ ደምሃይ።

   ይኣክል ሰሚዐ ድምጺ ጥዑም ወረ

   መሊሰ ከዳምጽ እዝነይ ኩር ኣቢለ

   መንፈሰይ ተሓዲሱ ብሞራል ሃጢረ

   ኣስላማይ ክስታናይ ብሓደ ምስ መኸረ

   ኣይወስደልናን ግዜ ጉዳይና ክዕረ።

ተሓጒሰ ሎምስ ከመይ ዘይሕጐስ

ዝተዘርገ ባህልና ኣብ ንቡር ክምለስ

ንፍርሒ ሰንጢቕና ኣብ ቃልሲ ክንሕወስ

ከዳዕ ህግደፍ ካብ ሱሩ ክምንቈስ

ሽዑኮዩ ሕማምና ፈጺሙ ዝፍወስ።

   ሳጥናኤል ኢሳያስ በዓል ክፉእ ኣመል

   ምሕረት ዘይፈልጥ ትርፎ ተኵስ ቅተል

   ደም ንጹሃት ሰቲኻስ ካብ ህዝቢ ክትክወል

   እዋኑ ቀሪቡ‘ዩ ኣብ ኣደባባይ ክትስቀል

   ምልቃቕ ናይ እሱራት ሽዑ‘ዩ ዝብሰር ዝዕለል።

ሊቀ ምድንጋር ቁሩብ ዘይትሓፍር

ኣማኢት ኣሲርካስ ብፍትሒ ትግዕር

ብሂወት ከሎናስ ሃገርና ክትድምር

ስኺርካ ትውስን ፍጹም ዘይትምርምር

ባዕልኻ ፍሒርካ ትኣትዋ መቓብር።

   ኣይከሰርናን ኢልካ ሓሶታት ትብትን

   ከሲርና‘ባ ጀጋኑን በላሕትን

   ከሲርና‘ምበር መርዓውን መርዓትን

   ከሲርና‘ምበር ጐራዙን ኣጕባዝን

   ከሲርና‘ምበር ቀያሕትን ጸለምትን

   ንዓካ ግን ሓንዳ‘ዮም ካርታን ጠላዕ መጻወትን።

መቐለ ዘሊልካ ሽዋ ምስ ኣቶኻ

እንተስ ተጸሊልካ ወይስ ተገዚእካ

ኣሕሊፍካ ክትዕድል ሃገር እንዳማትካ

መልኣኽካ ኣልጊሱ መላገጺ ኴንካ

ዘይናትና ምዃንካስ ባዕልኻ ገሊጽካ።

   ተኣለ በል ሕጅስ ሓጥያትካ በዚሑ

   ብኣኻ ዝኣምን ኣምላኹ ረሲዑ

   ባህርኻ ፈሊጡ ሓፊሩ ሰኪሑ

   ይኣክል ባርነት ኣብ ምባል በጺሑ

   ምስ ህዝቡ ወጊኑ ፍጹም ተናሲሑ።

ሓይልታት ምክልኻል ትሰምዑዶ ኣለኹም

ሃገርኩም ክትሽየጥ ብሂወት ከሎኹም

ትርጉሙ ክሃስስ ታሪኽ ጀግንነትኩም

ከንቱ ንከይከውን ፍረ ሰማእታትኩም

ኢሳያስ ንምእላይ ወሳኒ‘ዩ ግዴኹም።

   ኤርትራዊት ኣደ ኣቲ ጅግና ዋዕሮ

   ሰውራና ዘጽለለት ለምለም ዓባይ ዳዕሮ

   ሕሉፍ ቅያታትኪ መንሞ ዘይዝክሮ

   ድገምዮ ሎሚ ኣብ‘ዚ ርሱን ውዕሎ

   ነዚ ጋኒን ስርዓት ቀቲልና ክንቀብሮ።

ኣሎኻዶ መንእሰይ ዋልታ ሃገር

ውረሶ ታሪኽ ተንስእ ተበራበር

ሕድሪ ሰማእታትና ብግቡእ ክትግበር

ድኽነት ከብቅዕ ካብዛ ለምለም ሃገር

ኣባያ ኣልጊስካ ብሰላም ክትነብር።

   ኵልኻ ኤርትራዊ/ት ኣብ ዘሎኻ ሃሉ

   መቓልሕ ይኣክል ግብሪ ወስኸሉ

   ካብ ሱሩ ክምንቈስ ስርዓት ናይ ዓዋሉ

   ይለዓል ይበገስ ጎዞሙኡ ኣልዒሉ

   ሃገርና ክንውንን ወደቦ ዘይብሉ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!

Last modified on Saturday, 25 May 2019 23:15