ምውዳብ’ሞ ዘይስገር እዩ

2019-05-25 07:15:10 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1833 times

ውድብ ናይ ሓባር ዕማም ዘለዎም ሰባት ናይ ሓባር ዕማሞም ንምዕዋት ዓቕሞም ንምትርናዕ ዝፈጥርዎ ናይ ሓባር መድረኽ እዩ። ውድብ ናብቲ እትብህጎ ዓወት ዘብጽሕ መሳርሒ እምበር ንገዛእ ርእሱ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣይኮነን። ኣወዳድባ ዝተፈላለየ መልከዓት ክሕዝ ይኽእል። ፖለቲካዊ ውደባ ወይ ሲቪላዊ ማሕበር ካብቶም ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ኣገባብ ውደባ እዮም። እቲ ፍልልይ ኣብቲ መልከዖም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ከዕውትዎ ዝደልዩ ዕላማን ክበጽሕዎ ዝደልዩ ርሕቀት እውን ይፈላለ። ፖለቲካዊ ውድባት ንጹር ከዕውቶ ዝደሊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወኒኑ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምውድዳር ሕሳብ ኣለዎ። ሲቪላዊ ማሕበር ድማ ነቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብቲ ዝተሰለፈሉ መስመር ወጺኡ መሰል ህዝቢ ከይግህስ ዝጓስን ዝድርኽን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ክሕዝን ዓቕሚ ክድልብን ዝድርኽ ኣብ ስልጣን ናይ ምውድዳር ጠመተ ዘየብሉ እዩ። ኩሎም ፖለቲካዊ ውድቦም ይኹን ሲቪላዊ ማሕበሮም ብዘይካቲ ከዕውትዎ ዝሕዝዕላማ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝቕየድልዩ ሕግን ስርዓትን፡ ፈትዮም ቆጽሊ ዘውደቕሉ መሪሕ ኣካልን ክህልዎም ናይ ግድን እዩ። እዚ መሪሕነት ዝምዘዘሉ ሕጋዊ መድረኽን ዝመርሓሉ መትከላትን ፖሊስታትን ድማ ይህልዎ። ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ማዕዶ ንማዕዶ ዝጠማመቱ ዘይኮኑ፡ ነንሕድሕዶም ዝደጋገፉን ዝመላልኡን እዮም።

ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሲቪላዊ ማሕበር ናይቶም ፈትዮም ናታቶም ኣባላት ክኾኑ ዝወሰኑ ኣካላት ውክልና ጥራይ እዩ ዘለዎ። እዚ ውድባታት ምእንቲ ክዓብን ክሰፍሕን  ዕላማኡ ሒዙ ኣብቲ ዘይተወደበ ሓፋሽ ክንቀሳቐስ መሰሉን ቀንዲ ዕላምኡን እዩ። ከከም ዝሓዞ ዕላማን ዝተንቀሳቐሶን ከኣ ሰዓቢኡ ክበዝሕን ክውሕድን ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ሓንሰብ ስለ ዝተወደ ጥራይ ሓያልን ተዓዋትን ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ዕዉት ምእንቲ ክኸውን ነቲ ንድሌት  ህዝቢ ብግቡእ ዘንጸባርቕ ዕላማኡ ሒዙ በብግዜኡ ምስ ዝፍጠሩ ምዕባለታት ክጐዓዝን ነብሱ ከሕድስን ይግበኦ።

ሓደ ውድብ ምስተወደበ ገዝኡ ዓጽዩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ምስቲ ከምኡ ውድባትን ማሕበራትን ዝምድና ክፈጥርን ኣብቲ ብሓደ ዘስርሕ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ እንተዘይበቒዑ መድረኽ ገዲፍዎ ከይዱ ካብ መድረኽ ክወጽእ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ውድቀት እቲ ዘዛርብን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱን፡ መሰረታዊ ኣድላይነት ውደባ ዘይኮነ፡ ነቲ ውድብ ከምቲ ዝድለ ክትመርሖ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ሓደ ውድብ ብሰንኪ ዘርኣዮ ድኽመት ንመሰረታዊ ኣድላይነትን ወሳንነት ውደባ ሓጢጥካ ምኹናን ግና ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን።

ናይ ውድባት ምህላው ንህዝባዊ ምልዕዓላት ዘዕንቅፍ ዘይኮነስ እኳደኣ ዘተባብዕን ኣካሉ ኮይኑ ዝሰርሕን እዩ። ኣብ ርእሲዚ ውደባ ነቲ ዘይተወደበ ኣካል ንክውደብ ዘተባብዕን መንግዲ ዝጸርግን እምበር  ጅሆ ዝሕዝ ኣይኮነን። “ውድባት ኣካይደአን ምስ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራውያን ንርእዮ ዘለና ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ከም ዘሳኒ ክገብረኦ ይግበኣን” ዝብል ግና ቅቡል እዩ። መሰረታዊ ሕመረት ውደባ ሓደ ዓይነት ዕላማ እንዳሃለዎ በበይኑ ዝወፍር ዓቕሚ ኣብ ሓደ ኣራኺብካ ዘተኣማምን ዓቕሚ ምፍጣር ካብ ኮነ፡ ኣድላይነቱ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና መስርሕ ለውጢ ወሳኒ እዩ። እቲ ሓሓሊፉ ለውጢ እንዳበሃገስ መሰረታዊ ናይ ለውጢ መሳርሒ ንዝኾነ ውደባን ውድባትን ዘይቅበል፡ ሳሕቲ ከኣ ንቁልቁል ዝኣፉ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝብል ስምዒታት ምናልባት ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል፡ በተን ክሳብ ሕጂ ማዕረ ድሌት ህዝብናኳ ክኾና እንተዘይከኣላ ካብ ቃልሲ ግና ዘይበኾራ ውድባትና ሕጉስ ዘይምዃን ዘስዓቦ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ይከኣል። ብዝኾነ ምኽንያት እምበኣር እቲ መደምደምታ ከምኡ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ጸገም ኣብ ኣድላይነት ውደባ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣድማዕነትን ኣካይዳን ናይተን ውድባት ምዃኑ ኣነጺርካ ምርዳእ የድሊ። ድሕሪኡ ከኣ “ኣነኸ ነተን ውድባት ካብቲ ዝጸንሓኦን ዘለዋኦን ጸገም ክወጻ እንታይ ኣበርኪተ?” ኢልካ ንነብስኻ ምሕታት እውን ካብ ጌጋን ስምዒታውን መደምደምታ ዘድሕን እዩ ዝኸውን።

እቲ ናይ ሓደ ውድብ ጸገም ብመሰረቱ ካብቲ ዝመረጾ ኣገባብ ኣወዳድባ እንተኾይኑ እውን፡ ዝሓሸ ናትካ ኣገባብ ኣወዳድባ ሒዝካ ክትወዳደሮን ተወዳዲርካ ክትስዕሮን ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ውድባት ነቲ ተወዲብካ መቃለሲ ፖለቲካዊ ሜዳ ስለ ዘይሓዝእኦ ወይ ዘይብሕተኦ። ንቑልቁል ዝኣፉ “ኣይትወደቡ ወይ ውድብኩም ኣፍርሱ” ምባል ግና መሰል ምግሃስ እውን እዩ። ምኽንያቱ ምውዳብ ሓደ ካብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰላት እዩ። ንጉጅለ ህግዲፍ ካብ እንቃወመሉ ዘለና ብዙሕ ምኽንያታት ሓደ እውን ነዚ መሰረታዊ ናይ ምውዳብ መሰል ስለ ዘየፍቅድ እዩ።

መዓስ ኢኻ እትውደብ፡ በቶም ነቲ ናይ ውምዳብ ምርጫ ብዝወስዱ ኣካላት ዝውሰን እዩ። ውደባ ናይ ቃልሲ መሳርሒ እዩ ኢልና ኣለና። ብመንጽርዚ ኣብዚ ህግዲፍ ንምውጋድ እነካይዶ ዘለና ውዑይ ቃልሲ ውደባ ቀንዲ መሳርሒና እዩ። ስለዚ ሕጂ ዘሎ ውድባት ኣፍሪስና፡ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ንምለሶ ዘይኮነስ፡ ንህግዲፍ ኣብ ክንዲ ናብ ደቀቕቲ ውድባዊ ጉዳያት፡ ናብ ዓበይቲ ኤርትራዊ ዛዕባታት እንዳጠምትና፡ ብውዱብ ኣገባብ ኢና ከነወግዶ እንኽእል። ብርግጽ እዚ ዘለና ውድባት ነሕይሎ፡ ኣብ ክንዲ በበይኑ ዝወፍር ብሓባር ዝሰርሓሉ ባይታ ንፍጠረሉ ዝብሉ ሓሳባት ቅቡላትን እዋናውያንን እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ከኣ ንቕሎ “ይኣክል” ደፊኡ ምስመጸ በብኹርናዑ ነናይ ከባቢኻ ወከልቲ ናይ ምምራጽ ተበግሶ ንርኢ ኣለና። ነዚ ናብ ላዕለዋይ ንኹሉ ዘማእክል መሪሕነት ኣካል ናይ ምድያቡ መደብ ከም ዘሎ ከኣ ንርኢ። ደሓር ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምስ በጸሐከ እንታይ እዩ ክገብር’ኳ ምንጻር ዘድልዮ እንተኾነ፡ ንገዛእ ርእሱ ዲዕ ዝበለ ውደባ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ውደባ እንዳተኻየደ “ሕጂ ህሉዋት ውድባት ይፍረሳ ደሓር ህግዲፍ ምስ ወደቐ ይውደባ” ምባል እቲ ጸገም ምስ መትከላዊ ኣድላይነት ውደባ ድዩ ወይስ ምስ ህሉዋት ውድባት ዘብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ምናልባት እዘን ህሉዋት ውድባት እንተዘይ ዓጅበናኻ ከተዕሪ እንትኽእለሉ መንገዲ፡ ወይ ንዓኣተን ምትብባዕ ወይ ድማ ካብኣተን ዝሓሸ ተወዳዳሪ ውድብ ኮይንካ ብምቕራብ ጥራይ እዩ። እንተ ውደባን ውድባትን ኣብ  ክትቃሲ ኣንጻር ህግዲፍ ኮነ ብቑዕ መተካእታ ኮይንካ ንምቕራብ ዘይስገር እዩ።

Last modified on Saturday, 25 May 2019 09:24