“እቲ ይኣክል፡ ምስ ኣኸለኸ?”

2019-04-30 07:36:22 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2278 times

ብዛዕባ እዋናውነትን ህቡብነትን መኸተ “ይኣክል” ብዙሕ ተዛሪብና ጌናውን ንቕጽል ኣለና። ክሳብ ውጽኢቱ ንሓፍስ ከኣ ክንቅጽል ኢና። ብመጽርዚ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብዙሓት ብሓባር ናይ ምውፋር ፈተነታት’ኳ እንተካየድና ክንዲ “ይኣክል” ንኹልና ሓይልታት ለውጢ ዘበራበረናን ንጨቋኒ ህግደፍ ዘጻበበሉን ኣይተራእየን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናትና ብርታዐን ምብርባርን ጥራይ ኣይኮነን። ህግደፍ ክሕበኣሎምን ህዝቢ ከዕሽወሎምን ዝጸንሐ በዓትታት ምፍራሶም’ውን ናቱ ግደ ኣለዎ። ደጊም ህግዲፍ ካብዚ ብውጡ ዝህውጾ ዘሎ ምስሕሓብን ከቢብዎ ዘሎ ህዝባዊ ብድሆታትን ከምቲ ልማዱ ሓደስቲ መደንዘዝታት ምሂዙ ክድሕን ከምዘይክእል፡ ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ምልታት ንርኢ ኣሎና። በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ኮነ ወጻኢ ትዕግስቱ ኣብ ህግዲፍ ወዲኡ “ከምዚዶ መሲሉና እዩ” እናበለ ይሕንሕነሉ ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ግፍዕታትን ነውርታትን ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተቓሊዑ፡ ምስምሳቱ ሰማዒ እዝኒ ይስእኑ ኣለዉ። ኣብ መዳይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክሳብ ክንደይ ነቲ ቀይሕ መስመር ክሰግሮ ከም ዝጸንሐ ዓለም ትነግሮ ኣላ። እቲ ካብ ጐዳጉዲ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምጋሽ ከዕርዮ ወጢኑ ዝነበረ ናይ ሓሶት ምስሊ “ከም መጀመሪ ጽቡቕ ድሌት እንተዘይኮይኑ ምስቲ ትጥለቦ ዘለኻ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕማም እኹል ኣይኮነን” ይበሃሎ ኣሎ። በዚ ዝወሃቦ ዘሎ መጥንቀቕታ ክጥንቀቕ ከኣ ባህሪኡ ዘይፈቕደሉ እዩ።

“ይኣክል” ናብ ሓደ ወገን ጥራይ ዝቐንዐ ዘይኮነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ብልሑ ናብ ህግዲፍ ዝቐንዐ ኮይኑ፡ “ይኣክል ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ፡ ይኣክል ብኩራት ልዕልና ፍትሒ፡ ይኣክል ስደትን ግዱድ ዕስክርናን፡ ይኣክል ምስዋርን ብዘይፍርዲ ምእሳርን፡ ይኣክል ብጉዳይ ልኡላውነት ሃገርን ክብሪ ህዝብን ምጽዋት፡ ኮታ ይኣክል ጭቆና” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ከኣ ናብቶም ሓይልታት ለውጢ፡ “ይኣክል ግጉይ ኣተሓሕዛን ኣተረጓጉማን ብዙሕነት፡ ይኣክል ምዝብራቕ ቀዳምነታት፡ ይኣክል ዘይውዱብ ኣቀላልሳ፡ ይኣክል ምንጽጻግን ምግላልን ወዘተ” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ስለዚ መድረኽ ይኣክል በቲ ሓደ ወገን ህግዲፍ ነወግደሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣርሒቕካ ብምርእይ ንቐጻሊ ናይ ለውጥን ድሕሪ ለውጥን ነብስና እነመዓራርየሉ ንቕሎ እዩ። ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ከኣ ክንኮነ እንደሊ ኣይክንከውንን ኢና።

“ይኣክል” ከም ዝኣክል ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ቁጽሉ ሓሪሩ፡ ጉንዱ ምስ ነቐዘ ቦኽቦዀ ክወድቕ ነይነይ ይብል ከም ዘሎ  ኣረጊት ኦም ኣብ ዝምሰለሉ ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ። ናትና ናይ “ይኣክል” ንፋስ ድፍእ እንተቢልዎ ከኣ፡ እቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ቀልጢፉ ክገሃድ እዩ። እቲ እንዕዘቦ ዘለና ምልክታት ከኣ ነዚ ዘራጉድ እዩ። “ይኣክል” ብመንጽር ምቅርራብ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመታትካ ርኢኻ፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ብምድግጋፍን ብሓባር ዘስርሓካ ናይ ሓባር ባይታ  ምድህሳስን ተስፋ ዝህብ ኣንፈት ንሕዝ ኣለና። ኣብዚ ኣደልዲልካ ምርጋጽ ዘኽእል ቀጻሊ መንገዲ ናይ ምምድማድ መስርሕ ነቲ ዝጨበጥናዮ ልጓምን ዝረገጽናዮ ርኻብን ከነጽነዖ ይግበኣና። ኣብ ዝውሰድ ተበግሶታት ተመላላእቲ  እምበር፡ ንድሕሪት መለስቲ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

እቲ ካብ ሕጂ ጀሚሪና ክንሻቐለሉን ብሩህ መልክዕ ከነትሕዞ ዝግበናን ዕማምና እቲ “ይኣክል” ኣኺሉ ህግዲፍ ጸግዑ ምስ ሓዘ ብዛዕባ እንርከቦ ሓላፍነት እዩ። እዚ ሓላፍነትዚ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከምቲ “መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምንከ ኣይኽላእካ” ዝበሃል ካብ ናይዚ ቀረባ ተመኩሮ ጐረባብትና፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ የመን ሕጂ ድማ ሱዳን ክንመሃር ይግበኣና። ባዕሉ ዝዛረብ መምሃርታት እንዳሃለወና እንተዘይተማህርና ግና ቀንዲ መርኣያ ሕመቕና ኮይኑ ክምዝገብ እዩ። ምስ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣየናይ ኣውንታ ንወስድ ካበየናይ ኣሉታኽ ንጥንቀቕ ክንሓስብ ይግበኣና። ብሓፈሻ ከኣ ኣቐዲምካ ድሕሪ “ይኣክል” ክመጽእ ብዛዕባ ዝኽል ሳዕቤን ከይሓሰብካ ምጽናሕ ክሳብ ክንደይ ከምዘዋጥጥን እቲ ዝኣኽለ መልክዑ ለዊጡ ናይ ምምላስ ዕድል ከም ዘለዎን ኣብዚ ድርኩዂትና ሱዳን ዘሎ ኣብ ቀራና ቀንፈዘው ናይ ምባል ጉዳይ ናተይ ኢልና ክንመሃረሉ ይግበኣና። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብባህርያት ተልእኮኡ ዝሓሸ ውዳበ ዘለዎን ዝያዳ ኩልና ለውጢ ዝብህግን ኣካል ሓይልታት ምክልዃል እውን ነዚ ኩነታት ብግቡእ ክቓንዮ ዘገድዶ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። ህግደፍ ግና ብዘይካ ኢድካ ምሃብ ካብዚ ናይ ለውጢ ነበልባል ከበባ መህደሚ የብሉን።

ስለዚ ንጨቋኒ ህግደፍ በስቢሱ ዓነው ኢሉ ዝወድቀሉ መዓልቲ ከም ዝጽበ ኦም ካብ መሰልናዮ፡ ኣብቲ ብምብርቋቑ ዝፍጠር ሃጓፍ ጉድጓድ ከምኡ መርዚ ዘፍሪ ዘይኮነ፡ ጽላሉ ዘጥልል ፍሪኡ ከኣ ዘዕንግል ፈልሲ ኦም ክንተክል ክንበቅዕ ኣይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪኡ ውን ቆጽሉ ቀይሩ ተመሳሳሊ መሪር ዘፍረ ዘፍሪ ፈልሲ እንተተኺልና ጭቖና ይቕጽል፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልስና ኮንቱ ኮይኑ፡ ንተካኢ ወለዶ ኣብ ክንዲ ራህዋ መከራ ነውርሶ ማለት እዩ። ካብ ንምድሓን እምበኣር “እቲ ይኣክል ምስ ኣኸለኸ?” ንዝብል ሕቶ ብግቡእ ከነቕልበሉ ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Tuesday, 30 April 2019 09:38