8 መጋቢት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

2019-03-09 16:32:01 Written by  ኣፈወርቂ ኣባይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1741 times

ሾሞንተ መጋቢት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከተራጋግጽን ክትጣበቕን ዝተወሰነት መዓልቲ ምዃና ኩሉ ዝፈልጣን ዝቃላሓላን ዘላ መዓልቲ ኢያ። እዛ ኣገዳሲትን ዓባይን መዓልቲ ብሕብረተሰብኣዊን፤ ቁጠባውን፤ ባህላዊን፤ ፖለቲካዊን ፍጻሜ ዘካተተት ፍርቂ ሕብረተሰብ ዓለም ዝወነነት ክብርቲ መዓልቲ ኢያ።

ብዝዀነ መንግስትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን፡ ዓበይቲ ትካላትን ኣካዳሚያዊ ማዕከንን ዘይውንኖ ብርቱዕን ነጻን ዝዀነ ጾታዊ ሓይሊ ምንቅስቓስ ድማ ኢዩ። ኣዚ ኣገዳሲን ዓቢን ዓለምለኻዊ መዓልቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ሓይሊ ቅድሚ ሓደ ዘመን (ልዕሊ 100 ዓመት ) ጥራይ ዝቖመ ወይ ዝተመሰረተ ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤእዋኑ ዝጀመረሉን ዝተመስረተሉን ሓደ ብሓደ ዘርዚረ ክጽሕፎ ዝከኣል ይኹን እምበር ብኽፋሉ ክጠቅስ ኢየ። ኣብ 1908 ዓ.ም. 15.000 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ንዮርክ ኣመሪካ ንክብርን ፍትሕን ኢለን ዝመረሸኦ ነልዕል። ንዮርክ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንሒደት ሰዓታትን ኣገልጊልካ ርቡሕ ደሞዝን መሰል ምድማጽን ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቕ ምልዕዓልን ምንባሩ ይግለጽ። ኣብ 1975 ዓምለኸ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ከቢሩ ከም ዝወዓለ። ኣብ 2011 ናይ 100 ዓመቱ ዓለምለኻዊ በዓል ኣብ ኣውስትርያ ደኒማርክን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ሓቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣኽቢሩ ውዒሉ። ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኢውሮጳን ካልእን እንዳቀጸለ ዓበይቲ ኣኼባታትን እንዳተገብረ ሸትኡ ከመዝግብ ክኢሉ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እዋን ምንቅስቓስ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ከባቢ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ዝነበረሉ እዋን ምንባሩ ክጥቀስ እንከሎ ንምፍጻሙ ጸገማት ከም ዝነበሮ እውን ግሉጽ ነገር ነይሩ ክብሃል ይከኣል።

እንተኾነ ንመሰልካን ግቡእካን ብምሉእ ድሌትን ግደታ ንነፍሰ ረብሓኻን ክትምክትን ክትቃለስን ከቢድ መስዋእትን ፈተነታትን ኣሕሊፍካ ክትዕወት ዓቢ ታሪኻዊ ተልእኾ ፈጺምካ ንዘልኣለም ተሓጊሽካ ትነብረሉ ፍጻሜ ተራእዩ። ምልስ ኢለ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ እዚ ፍጻመታት እዚ ብመንጽር ሃገርና ኤርትራ ፍልይ ዝበለ ብክቡራት ኣቦሓጎታት ዝቘመን ዝተሓስበን ብተግባር ዝተተርጐመን ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ በቢኣውራጅኡን ቀበሊኡን ቅድሚ 525 ዓመታት በብቛንቁኡን ዝተጻሕፈን፡ ኣብ ኣእምሮ ዓበይቲ ሽማግለታት ዓዲን ዝተዓቀበን ፤ሕጊ እንዳባ ድሕሩ ድማ ብግቡእ ተጻሒፉ ብመጽሓፍ ተዘርጊሑ ንመዋእል ዓመታት ከገልግል ዝጸንሔ ቅዋም ሕጊታት ኣሎና። እዚ ከኣ ስርዓት ኣድግና ተገልባ ኣድከመ ምልጋእ ስርዓት ሎጎጭዋን፡ ሕጊ ሰዓርትን ላምዛን ወቐርትን፡ስርዓት ሃብስሉስ፡ ናይ ደቀዳሽምን፡ ስርዓት ካርነሽም፡ዋዕላ ሸውዓተ ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ፡ ክልኤ መንሳዕን ድግም ወፍትሕ ወዓድታትን፡ ይርከቦ። እዚ ሕጊዚ ብጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ብማዕረ ዝሕለቕ ገይሩ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብምኽንያት ባህልን ሃይማኖትን ፍልልያት ክርከቦ ይኽእል እምበር ዳርጋ ኩሉ ሓደ ዓይነት መሰል ዝሓለወ ኢዩ። ኣብዚ ምስዞም ዝጠቐስክዎም ሃገራት ከወዳድሮም ኰለኹ ኣመጻጽእኦምን ኣገባብ ኣቀራርብኦምን ፍልይ ዝበለ እዩ። መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ብወለዲ ኣቦታትና ተሓሲቡን ተገዲሱን ዝቘመን ክኸውን እንኰሎ፤ ኣብ ካልእ ዓለምና ግን ደቂ ኣንስትዮ ብገዛእ ርእሰን ዘበገስኦን ተቓሊሰን ዘምጽኤኦን ምዃኑን ኢዩ። ካልኣይ ድማ ኣቦታትና ክሳዕ ክንደይ ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን፡ ሰብኣዊ ሕልናን፡ መንፈሳዊ ስምዒትን ኣብ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብጸይቶምን ስነ ኣእምሮ ዓቕሞም ልዑል ምንባሩ የተሓሳስበካ። ሳልሳይ በደራጃ መዋእል ምስረታ ጊዜኡን፡ ኣተሓሳስብኡን፡ እንተተመልከትና ሓመሽተ ጊዜ ዘመን ቅድመ ዓለምለኸ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ካልእ እኹል ትሩፍ ከነባብሮምን፡ ክቕይዶም ዝኽእል ደሞክራስያዊ ቅዋም ምንዳፎምን ንሕና ዘይኰናስ ንምዕራባውያን ሃገራት ዘደነቐን ዘተሓሳሰበን ሕጊ ኣብ ኣፍሪቃ ምፍጣሩ ንዓና ኤርትርውያን ንሕበነሉን ንዀርዓሉን ሃብታም ታሪኻዊ ውርሻ ኣሎና። ካብዚ ብምብጋስ ኣሰርን ልምድን ህዝብና ተደሪኽና ብስምምዕ ጓልናን ደቅናን ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ሓቢርና ተቓሊስናን ተዋዲቕናን ነጻነትና ኣምጺእና ኢና።

ሃገርና ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ገዛእቲ በብጊዜኡ ትውረርን ትግዛእን ምንባራ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።ትገዛእ እምበር ንሕግታትናን ያታናን ዝደፈሮ ገዛኢ ኣይነበረን። ብግምጣሉ ግን ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ጽቡቕን ቅዋምን ዘባህርሮ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍ ንባህልናን ቅዋማትናን ያታናን ዝምድምሳስ ብምምጽኡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዓቢ ፖለትካዊ ወጥሪ ወዲቓ ትርከብ።

እዚ ከኣ ብኣግኡ ፈሊጥናዮን ኣለልናዮን ክንስና ብድኽመትና ከም ዝሻደነን ዝዓብለለን ሓሶት ዘይብሃሎ ሓቂ ኢዩ። እንተኾነ ብሕጽር ዝበለ በዚ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ውጡን ምንዮትናን ዕላማናን ኣብ ማይ ክኣቱ ኰሎ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኰነስ ብዓንደርእሱ ሃገርናን ህዝብናን ፍጡር ክርኽቦ ዘይግመት ንምግላጹ ዘሸግር ኵነታት ወዲቑ ይርከብ። ይኹን እምበር ኣብዚ ኣረሜናዊ መግዛእቲዚ ካብ ሕብረተ-ስብና እተን ብዝያዳ ኣሎ ዝብሃል ሕሰምን፡ ግህሰትን፡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ጸይቂ ፍጻሜን፡ ዝረኸበት ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራዊት ምዃና ዓለም ዝዛረበሉ ዘሎ ተረኽቦ ኢዩ። ስለዚ ኩልና ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ቦትኡ ይሃሉምበር ነዚ ሕሰምን በደልን ንምብዳህ ቀዳማይ ንዓለምና ምቅላሕ፡ ከምኡውን ነተን ብፍላጥ ድየን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኰይነን ናይ ኤርትርውያን ኣሕዋተን ወጽዓ ዘይተረድኤን ኤርትራውያን ኣሓትና፡ ኣብ ልበን ክምለሳ ምኽሕኳሕን፡ምቅላስን ግደታ፡ስለ ዝኾነ ከምኡውን ንኹለን ወጹዓት መጻኢ ወለዶ ኤርትርውያን ደቅናን፡ ደቂ ደቅናን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርካ ክተጽንሓለን ምቅላስ ኣድላዪ ምኻኑ ከስምረሉ እፈቱ።

ክቡራትን ክቡራንን ህሉው ኵነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ቃልሲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ ተረዲእና ብጾትና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝገብርኦ ጻዕርታትን ቃልስታተን ሓቢረን ክምክተኦ፡ ከም ዘለወን ናትና ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብጾተን ምኽርን ምሉእ ምትሕብባርን ክህልወና እላቦ።

ቃልስና ሓቀኛን ፍትሓውን ስለ ዝዀነ ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ሰማእታትና ዝወደቕሉ መኺኑ ክተርፍ ከምዘይክእል ብምትእምማን፤ ንሕና ኩላትና ኤርትርውያን ኣሓትን፡ ኣሕዋትን ሓድነትና ኣረጋጊጽና ብምቅላስ ዓወትና ህያው ምዃኑ ኣይጠራጠርን።

ዓወት ንቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር
8 መጋቢት ዘንተ ዓመት ትኽበር
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

 

                                                                                                           

Last modified on Saturday, 09 March 2019 17:39