መን ድኣ ዩ ነቲ ሓቂ ዝፈልጥ?

2019-03-06 09:11:10 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1719 times

ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ተኸዲኑ ክበስል ዝጸንሓ ክሳብ ሕጂ ሓቀኛ ሕብሩ ዘይፍለጥ ዕርክነት ምግንፋሉ፡ በቲ ዲክታተር ብዙሓት ካብኡ ይወጹ ኣለዉ ኢልካ ክትኣምኖም ዘጸግሙ፡ ዘገርሙ፡ ዘሕዝኑን ኣዝዩ ፈኲስ ምዃኑ ዘቃልዕዎን፡ ኣበሃህላታት ክንሰምዕ ጸኒሕና። ካብኡ ናብኡ ድማ እታ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ እቶም ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ዝበላ ብዝያዳ ኣገራምነታ ተመዝጊባትሉ ኣላ። ኣፍልቡ ምውቃዕ ክውስኸላ እንከሎ ከኣ፡ ካብ ምግራም ሓሊፋ “ሰብኣይ ኣብ ጥዕናኡ ኣበር ገይሩ ኣሎ” ዘበለት እያ።

ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ካብ ናይቲ “ነታ ሓቂ ኣነ እየ ዝፈልጣ” በሃላይ ዲክታቶር፡ ኣበሃህላታት ጐሊሖም ዝረኣዩ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ንዶር ኣብይ ኣሕመድ ንኩልና ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት፡ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም፡ ሎሚ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዝያዳ 480 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ኢና እንሓስብ፡ ኣብቲ ከባቢ 20 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተሰውእሉ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሲብና እምበር ኣይከሰርናን፡” ዝብሉ ንረክብ።

ብኣንጻሩ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ሓላው ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝንቡዓትን ጠላማትን ኣበሃህላ ናይቲ ዲታተር ዘለዎ ሚዛን፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ብዘይካቲ ብጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኦም ዝጐራበቱ፡ ብባህሊ፡ ብቋንቋ፡ ብታሪኽ፡ ቁጠባውን ካለኦት ማሕበራዊ ዛዕባታትን ዝቀራረቡን ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝጠቓቐሙን ክልተ ህዝብታት እዮም፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብቃልሲ ህዝቢ ምስተወገደ ንኤርትራ ዝመርሓ፡ ብሕገማንግታዊ መስርሕ ልዕልና ህዝቢ ብዘውሕስ ኣገባብ ዝተመርጸ ኤርትራዊ እዩ፡ ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምትግባሩ፡ ንመጻኢ ውሑስ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ክትግበር ይግበኦ፡ ኣብቲ ብሰንክ’ቲ ቅድም ሕቡእ ዝመስል ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ዝያዳ ዝበርህ ዘሎ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ኣመሳሚስካ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመታት ዝያዳ 20 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበለዐ ውግእ ክሳራ ወሪዱና እዩ፡ ቅድሚ ምስ ህዝቢ ከባቢና ብሓባር እንሰርሕ፡ ዘቤታዊ ጸገማትና ፈቲሕና ከም ኤርትራ ብኹሉ መዳያት እግርና መሊእና ክንረግጽ ይግበኣና። ንኤርትራ ዝመርሕ ከኣ ቅድሚ ካብ ኤርትራዊ ጉዳያት ንምህዳም ሰማይ ሰማይ ምርኣይ ኣብዚ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ከድምዕ ይግበኦ። ድሕሪ እዚ ኤርትራን ህዝባን ናይ ከባቢና ሰከም ዘይኮነስ ብቑዓት ተዋሳእቲ ክኾኑ ይግበኦም”  ዝብል ይርከቦ።

ኣብዚ ኩነታት እዩ እምበር፡ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ፡ ወይ ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ”  ዝበሃል ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝድህስስ ናይ ህዝብና ብሱል ሚዛን ንምንእኣስን ንምፍርራሕን “ከምዚ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” እንዳበለ ዝባጭው ዘሎ። ኣብ ተመኩሮ ኢሳይያስ ምልስ ኢልና ምስ እንድህስስ እቲ ክምረሓሉ ዝጸንሐ ሜላ፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምርትታዕ  ዘይኮነ፡ ኣፈራሪሕካን ነቶም ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘቕርቡ ብምእላይን ተቐባልነት ናይ ምርካብ ጥበብ እዩ ነይሩ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣይወጸን። ናይቲ ኩሉ ከካይዶ ዝጸንሐ ቅንጸላታትን ምስዋርን ትርጉም እውን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን።  ብፍላይ እታ “ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም” ዝበላ መፈራርሒት መልእኽቲ፡ ምስቲ  ቅድም ባዕሉ “ዶብና ከይተሓንጸጸ፡ ልኡላዊ መሬትና ብወረርቲ ተታሒዙ እንከሎ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ንዛተ ማለት ሕልሚ እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ እሞ ደሓር ባዕሉ ተገልቢጡ ዘኽዞኽ ዝወሰኸሉ ኣረኣኢኻ ክሳብ ክንደይ ዘይጭበጥ ተበላጺ ፍጡር ምዃኑ ዘነጽር እዩ።

እንተኾነ ከምቲ “ከም ቀደም ይመስለክን እሞ ውሕጅ ይወስደክን” ዝበሃል፡ ኢሳይያስ ንዘለኣለም እንዳፈራርሐ ክነብር ከምዘይክእል ርኡይ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ካብ ቀደሙ “ዓገብ ንኣካይዳ ኢሳይያስ” ክብል ዝጸነሐ ነባር ኤርትራዊ በሃጊ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሎሚ ንነዊሕ ግዜ ናይቲ ዲክታቶር ዓንዲ ሕቘ ኮይኖም ኣሰዊዶም ኣብዚ ዘብጽሕዎ፡ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብንጹር ቃላት ምስ ነድሩ “ይኣክል፡ ነቲ ሓቂ ዘይትፈልጥስ ንስኻ ኢኻ” ይብልዎን ኣለዉ። እቲ ዝሓለፈስ ሓሊፉ እዩ። ዝፈሰሰ ማይ ከኣ ኣይሕፈስን እዩ። እንተ ድሕሪ ሕጂ ብኢሳይያስ ዝድህለልን ንናይ ኢሳይያስ “ናይ ሓሶት ሓቂ” ናተይ እውን እዩ ዝብልን ኤርትራዊ ኣይክህሉን እዩ።

Last modified on Wednesday, 06 March 2019 10:14