ሱዳን፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ
2019-01-25 09:58:08 Written by ቢቢሲ/BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1686 times
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ምስቶም ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዓብይ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ተጓኒፆም።
እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ብምጥላብ ንዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም።
ብምሁራት ዶካትር፣ መሃንዲሳትን መማህራንን ዝምራሕ እዚ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ 50 ከባብታት ሱዳን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምንቁልቋል ቁጠባ ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ እዚ ናዕቢ፡ ሕዚ ኣንፈቱ ብምቕያር፡ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምውጋድ ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ኣሎ።
ጋዜጠኛ ዜነብ ሞሓመድ ሳሊሕ ንቢቢሲ ከምዝገለፀቶ፡ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ታሪኽ ሱዳን እቲ ዝዓበየ እዩ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ካርቱም ዝነበረ ብዙሕ ናዕቢ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ከምዝተጠቐመ ድማ ተገሊፁ።
- ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብገበነኛታት ይጋፍዑ
- ኣብ ሱዳን ጎነጽ ዝተሓወሶ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ
- ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንሰልፈኛታት ይቐትሉን ይኣስሩን ኣለዉ
ኣብታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ዛጊድ 26 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ክሕብሩ እንከለዉ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ እዮም ዝገልፁ።
ነዚ ናይ ተቓውሞ ናዕቢ ብምትሕብባር ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሱዳናውያን ዶካትር ድማ ቀንዲ ዕላማ ኣካላት ፀጥታ እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣካላት ፀጥታ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንሓደ ወዲ 16 ዓመት ሰገንን ሓደ ዶክተርን ቀቲሎም እዮም።
ገለ ናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍፃመታት ንከይፅብፅቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራሕ፡ ንኣልጀዚራ፣ ንናይ ቱርኪ ማእኸል ዜና ኣናዶሉ፣ ከምኡ እውን ንተሌቬዥን ኣልዓረብያን ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብታ ሃገር ንከይፅብፅቡ ፍቓድ ስራሕ ተኸልኪሎም ኣለዉ።