ሱዳን፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ

2019-01-25 09:58:08 Written by  ቢቢሲ/BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1686 times

 

ሓይልታት ፀጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም

 

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ምስቶም ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዓብይ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ተጓኒፆም።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ብምጥላብ ንዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም።

ብምሁራት ዶካትር፣ መሃንዲሳትን መማህራንን ዝምራሕ እዚ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ 50 ከባብታት ሱዳን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምንቁልቋል ቁጠባ ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ እዚ ናዕቢ፡ ሕዚ ኣንፈቱ ብምቕያር፡ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምውጋድ ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ዜነብ ሞሓመድ ሳሊሕ ንቢቢሲ ከምዝገለፀቶ፡ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ታሪኽ ሱዳን እቲ ዝዓበየ እዩ።

ፖሊስ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ካርቱም ዝነበረ ብዙሕ ናዕቢ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ከምዝተጠቐመ ድማ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ዛጊድ 26 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ክሕብሩ እንከለዉ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ እዮም ዝገልፁ።

ነዚ ናይ ተቓውሞ ናዕቢ ብምትሕብባር ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሱዳናውያን ዶካትር ድማ ቀንዲ ዕላማ ኣካላት ፀጥታ እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣካላት ፀጥታ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንሓደ ወዲ 16 ዓመት ሰገንን ሓደ ዶክተርን ቀቲሎም እዮም።

ገለ ናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍፃመታት ንከይፅብፅቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራሕ፡ ንኣልጀዚራ፣ ንናይ ቱርኪ ማእኸል ዜና ኣናዶሉ፣ ከምኡ እውን ንተሌቬዥን ኣልዓረብያን ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብታ ሃገር ንከይፅብፅቡ ፍቓድ ስራሕ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-46997704

Last modified on Friday, 25 January 2019 11:03