ብዛዕባ ጉዳይና ግዳ ዘይንዛረብ

2019-01-17 14:32:50 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1803 times

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኩሉ ዕላልና ፖለቲካ ኮይኑ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ቀደም ፖለቲካ ናይ ውሱናት ኣብ ከባቢ ፖለቲካውን መንግስታውን ስልጣን ዝርከቡ ወገናት ኣጀንዳ ጌርካ ይውሰድ ነይሩ። ሎሚ ግና ፖለቲካዊ ዛዕባን ዕላልን ካብ ሊቅ ክሳብ ደቂቅ ናይ ኩሉ ሰብ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እዚ  ብቀንዱ ናይ ኩሉ ወገን ህይወት ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ስግኣት ምህላዉ ዘመልክት ኮይኑ፡ ሳላ ዘበናዊ ስልጣነ ዝተፈጥረ ስሉጥ ዋሕዚ ሓበሬታ እውን ካልእ ምኽንያት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ህይወትና ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡ ፖለቲካ ብፖለቲካኡ ብዛዕባ ብቐጥታ ዝምልከተካ ምዝራቡ ጽቡቕ እዩ። እዚ ማለት ግና ብዛዕባ ናይ ካለኦት ክየልዓልካ ተሓጺርካ ምንበር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ከም ኤርትራውያን ጸገማትና ብዙሕ፡ እንጽበዮ መፍትሒ እውን ከምኡ ብዙሕ እናሃለወ፡ ብዛዕባ ፖለቲካና ምዝራብ ዝጽላእ ዘይኮነስ ዝተባባዕ እዩ፡ ምኽንያቱ ፍታሕ ካብ ቀጻሊ ልዝብን ምዝርራብን ስለ ዝመጽእ። ወዮ “እስኪ ንላዘብ ምኽሪ ንክርከብ” እኳ ዝበሃል።

ብዓለም ደረጃ ከይተረፈ፡ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ዝኾነ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ ብቐጥታ ዘይምልከተካ ምዝራብ ግና ዘይሩዘይሩ ነቲ እንተሃደምካሉ’ውን ዘይተርፈካ ሓላፍነት ፊትንፊት ካብ ምግጣም ምህዳም ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኮታ ከምቲ “መርዓ ጓለን ቀላቕል ምዓለን” ዝበሃል እዩ ክኸውን። ንኣብነት ህደግለነ ዘየብሉ ናይ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ኣብ ቅድሜኻ ተኾድጩ እናሃለወ፡ ብዛዕባ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝሓሸ ምምሕዳር ንዘለወን ሃገራትን መራሕተንን ከተነኣእስ ምውዓል ብቐሊሉ ዝረአ ሕማም ኣይኮነን።

ንስኻ ኣካሉ ዝኾንካሉ ህዝብን ሃገርን፡ ልዕልና ፍትሕን ሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ምሉእ ብምሉእ በዂርዎም እናሃለወ፡ ናይ ካለኦት ሃገራት ኣተገባብራ ሕገ-መንግስታት፡ ዘይምእኩል ምምሕዳራት፡  ኣወሃህባ ፍትሒ፡ መስርሕ ምርጫታት፡ ቁጠባዊ ፖሊስታት ’’’’’’’’ ወዘተ ከተነኣእስን ከተቆናጽብን ምውዓል ንበሃሊኡ ዘሕፍርን ኣብ ዓይኒ ተዓዘብቲ ዘውድቕን እዩ። ስርዓት ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ሕንኩ ዝቐንጠጠ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ዝዕብ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባቲ ኣብ መዝገበ ቃላቱ ዘየለ ምርጫን ካልእ መርኣያ ዲሞክራሲ ብዝኾኑ   ኣምራት እንተተወራዘየ መለክዒ ባህርያቱ ስለ ዝኾነ ኣየገርምን። እዚ ተግባሩ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ ናይ ንዕቀት መልእኽቲ ግና ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ንዓኣቶም ዝምልከት ዛዕባታት ዘንጊዖም፡ ብዛዕባ ህወሓት፡ ኢህወደግ፡ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኦሮሚያ፡ ቅማንት፡ ወልቃይትን ነጢሮም ከኣ ብዛዕባ ሰላም ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ክለዓል እንከሎ መልሓሶ ዝሰሓሉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ብዛዕባ እዚታት ምዝራብ ንውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ብቐጥታ ዝምልከተና ዘራጊቶ ተግባራት ህግደፍ ንዛረብ ክትብሎም እንከለኻ ግና ሚዛኖምን ቅሩብነቶምን ዝጐድል ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ናይ ጉርሒ ይኹን ናይ ገርሂ ደገፍቲ ህግደፍ እንተኾይኖም ኣብቲ ዘረባ ዘቐጽል ሕሩጭ ስለ ዘይህልዎም፡ እቲ ዝመርጽዎ ዘረባ ንዘይምጅማር ምጉብዕባዕ እዩ። ይፍተዉ ይጽልኡ ግና ጉዳይና ብምጉብዕባዕ ስለ ዘይውዳእ፡ ኣብ ኤርትራ ናብ ዘሎ ሓቂ ተገዲዶም ኢዶም ዝህብሉ ኩነታት ደፊኡ ይመጽእ ከምዘሎ ከስተብህሉ ይግበኦም።

እቲ ካልእ ካብ ጉዳይካ ናይ ምህዳም መልክዕ፡ ንካልእ ብምንኣስ ጐብለል ክትከውን ምፍታን እዩ። ንካልእ ሓሳዊ ብምባል ሓቀኛ፡ ንኻልእ ድኻ ብምባል ሃብታም፡ ንካልእ ግጉይ ብምባል ቅኑዕ፡ ዝኽወን ስለ ዝመስሎም ጸፍ ክብሉ ዝውዕሉን ዝሓድሩን እውን ምስቶም ጉዳያም ኣቐሚጦም ብዛዕባ እንዳማቶም ክመጻረዩ ዝውዕሉ ዝጽብጸቡ እዮም። እዚ ማልት ግና ንጉዳይካ ምስ ናይ ካለኦት ጉዳይ እንዳወዳደርካ ምዝራብ ነውሪ እዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ ናትካ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ እንዳማትካ ምዝራብ ካብቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምድንጋርን ተሓቚኑ ኣብ ዘይጽዒ ሸንኮለል ንምንባርን ዝህንድሶ ሜላታት ሓደ እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጥራይ መዓኮሩ፡ ብዘለዎም ዓቕሚ ህዝቦም ብምስታፍ ሃገራቶም ክመርሑ ሓርኮትኮት ንዝብሉ መራሕቲ ምንእኣስ ካብቲ ዝልለየሉን ብብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ከም ጽሉል ዝተገልጸሉን ተግባራቱ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዚ ኤርትራዊ ህልዊ ኩነታት ኣዝዩ ውዑይ ኣጀንዳ ዘለወሉ መድረኽ እውን ከይተረፈ “ ንሕና ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ 480 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ እዚ ዞባ ኢና እንሓስብ” ከም ዝበለና ኩልና ሰሚዕናዮ ኢና። ሰማይ ዝሃገርኩም ኣብዛ 5 ሚልዮን እሞ ተባዕ፡ ጻዕረኛን ትዕግስተኛን ዝህዝባን ብኣቀማምጣ ኮነ ብተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለትን ሃገር ዘየድመዐስ፡ 480 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለውዎ ተሓቋኒ ማዕበል ሓንቢሱ ክወጽእ ማለት ድዩ። እዚ ምናልባት ነቲ ኢሳይያስ “ኤርትራ ንኢሳትኒ” ዝብል ሕማም ኣለዎ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ዘራጉድ ይኸውን።

ሓደ ሰብ ከም ዝሓበረኒ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ኤውሮጳዊ ናይ ማሕበራዊ ሳይነስ ተመራማሪ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ዝያዳ ክልተ ሰዓታት ርክቦም ኢሳይያስ ዋላ ሓንሳብ ኤርትራ እትብል ቃል ከይጠቐሰ፡ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ዝብላ ሓረጋት እንዳቐያየረ ወግዑ ብምውዱኡ ከም ዝተገረም እቲ ሊቅ ዘጻወቶም ወገናት’ውን ተገሪሞም። እዚ ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ልቡ ኣውጺኡ ሰማይሰማይ ይሓስብ ከምዘሎ ዘረድእ ምስክርነት እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ  ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ “ብዛዕባ ጉዳይና ግዳ ዘይንዛረብ” ንብል ዘለና።

Last modified on Thursday, 17 January 2019 15:35