ምስጋና

2019-01-11 12:57:17 Written by   ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1804 times

ፍሉይ ምስጋና

እዞም  ግዱሳት ሰብ  ሕልናን፡ ገበርቲ ሰናይን  ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ሎሚውን ከምቀደሞም ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ መደበር ከሰላ ሃገረ ሱዳን ዘወፍይዎ  ዘለዉ ብርኩትን ተደጋጋምን ኣስተዋጽኦም  ሎሚ ዓመት እውን፥ ዝተጸገሙ ኣሕዋቶም ንምሕጋዝን ኣብ ሕማቕ ከይወድቁን ብዘለዎም ሓልዮት ግዲኦም ብምብርካቶም፣ በዚ ኣጋጣሚ  ብፍሉዩነት ኣመስጊና ንኣመስገንቲ ክነበስር  ንደሊ።

ገበርቲ ሰናይ ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቂሱ ዘሎ ብርኩትን ግዙፍን ወፈያኦም እንሆ ድሮ $2.200.00-ዶላር ኣመሪካ ( ክልተ ሽሕን ክልተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ሰዲዶምስ ሎሚ ዕለት 10.01.2019 ኣብ ኢድ ምምሕዳር መደበር ከሰላ ከምዝበጽሔ  ምስ ምሉእ ምስጋና ንሕብር።

ነዞም  ብምሉእ እምነትን፡ ዕግበትን ተበጊሶም  ንውጉኣት ሓርነት ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብስም ምምሕዳርን ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ፡ ብስም’ቶም ንነዊሕ ዓመታት ብጽሓይን ደሮናን ምስ ኩሉ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማምን ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጾትን ኣሕዋትን ንኣስተዋጽኦም ክብ ዝበለ ፍሉይ ምስጋና ነቕርብ።

ሰላምን ጥዕናን  ሓጐስን ዘለዎ  ዓመት 2019 ይግብረልና።

 ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

Last modified on Friday, 11 January 2019 14:05