ዘሔጉስ ሓብሬታ

2018-11-15 20:46:01 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1613 times

ኣብቲ ብዕለት 10-11-2018 ኣብ Huhngasse 45 PLZ 50676 ከተማ ኮለን ሃገረ ጀርመን ብማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን፣ ብምሉእ ምትሕብባር ማሕበረ ሰብ ኮለን ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ንምሕጋዝ ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 19.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሃገረ ጀርመንን ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብን ተረኺቦም ብህሉው ኩነታት መደበር ክሰላን ኣቋም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብቃልን ብተንቀሳቐሲ ስእሊን ንዕዱማት ገሊጾም።

ብድሕሪዚ ብውሑዳትን ግዱሳትን ዓበይቲ ሰብ ንያትን ዝዀኑ ዕድመኛታት ዝተወፈየ ገንዘብ 910.00 (ትሸዓተ ሚእትን ዓሰርተን ) ኤውሮ ተዋጺኡ።

እዚ ዝተገብረ ኣዝዩ ብርኩት ሓገዝ ንውጉኣት ሓርነት ድራርን ዓቢ ሞራልን ክኸውን እንኰሎ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ነቶም ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ገዱሳት ኤትራውያን ኣሕዋት: ዓቢ ንያት ምዃኑ ርኡይ ሞያ ኢዩ። ብዘይካዚ በቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት እቶም ኣብዚ ብግዜ ምሕጻር ዘይተረኽቡ ብባንክ ኣቢሎም ክሰዱ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን

ማሕበረ ሰብ ከሎንን ቦንን ከባቢኡን

Last modified on Thursday, 15 November 2018 21:57