“ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ”

2018-11-15 12:27:06 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1950 times

ናይዚ ከም ኣርእስቲ መሪጸዮ ዘለኹ ኣበሃህላ ትርጉም፡ ኣብ ከባቢኻ ሓደ ምዕባለ ክፍጠር እንከሎ፡ ናባኻ ምምጻኡ ከምዘይተርፎ ተረዲእካ ሽዑ ሃንደበት ከይኮነካ ንኣገጣጥምኡ ዝምልከት ምቅርራብ ምግባር ኣድላይ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እቲ ዘጋጥም ምዕባለ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ውዘተ፡ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት እውን ምስቲ “ውጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ዘሳኒ ይመስለኒ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ናይ ቀረባን ብብዙሕ መምዘንታት እትመሳሰለናን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ናይ ለውጢ ምዕባለታት ይረአ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ምዕባለ መስርሕ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ዝጸውርን ተቓወምቲ ብናጻ ናብ ህዝቦም መማረጺ ርኢቶኦም ዘቕርብሉ ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ምፍጣር፡ ናይ መንግስቲ ኮነ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ናጽነት፥ ልዕልና ሕግን ነጻ ፍርዳዊ ኣካላትን ምስፋሕ፡ ዜጋታት ሃገሮም ኣብ ምህናጽ ዝሳተፍሉ ውሑስ ዕድል ምርካብ፡ ኣብ ምጥፍፋእ ሃብቲ ሃገር ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ፡ ምክያድ ዲሞክራስያዊ ምርጫ፡ ብዝያዳ ከኣ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ምኽባር ዝብሉ ዛዕባታት መድረኻውያን መዛረብቲ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለዉ። ኩልና ከም እንፈልጦም እዞም ዛዕባታት ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዓንጽቃጺ ባህርያት ህግደፍ፡ ዘይትግበሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕበኣቶም ምሕሳብ’ውን ነውርን ዘቕጽዕን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ዝጽበዮም፡ ዝሃርፎምን ክትግበርሉ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቃለሰሎምን እዮም። ኣብ ከባቢኡ ብኸምዚ ዝተገልጸ ኣጀንዳ ምዃኖምን ከኣ ንቃልሲ ህዝብና ሓጋዝን ጸላውን እዩ።

ኣብ ኤርትራ ነዞም ዝተጠቕሱ መሰላት ዓፊኑ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝእ ዘሎ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ኣብ ኤርትራ ክዝረብ ከፍቅድ ነዚኣቶም ዝሓዘ ንፋስ ናብ ኤርትራ ገጹ ከይነፍስ እንተዝኽእልስ ብመንደቕ መዓገቶ። እንተኾነ ሳላ ዘመናዊ ናይ መራኸቢ ዕቤት፡ ኣይኮነንዶ ካብ ጐረቤት ካብ ርሑቕ ዝመጽእ ምዕባለ እውን ኣይኮነንዶ ብኣዝዩ ድኹም ዓቕሚ ህግደፍ በተን ብዕቤተን ዝንየታ ሃገራት እውን ዝከኣል ኣይኮነን። እንተ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ህዝቢ ዝብህጎ መሰል፡ ሰላምን ራህዋን ከም ዝብህግ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እሞኸኣ ን30 ዓመታት ምእንቲ መሰል ተቓሊሱ ናጽነት ዘውሓሰ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሰላም፡ ንዲሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ከም ዝጽበን ከም ዝቃለሰሉን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ነታ መወዳድርቲ ዘየብላ፡ ብዘይካ ንኢሳይያስን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ምውዳስ ካልእ ዋኒን ዘየብላ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ናብ ድሕሪት ምምላስ ዝቐላ ኤሪ-ቲቪ ዓጽዩ፡ ምስተን ብቋንቋ እውን ዘየጸግመኦ መስመራት ተለቪዥን ኢትዮጵያ እዩ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ። እቲ ዝከታተሎ ከኣ እቲ ቅድም ዘልዓልናዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት እዩ። ኣብ ሕልንኡ ዘሰላስሎ ከኣ ብዛዕባቲ ዝነብረሉ ዘሎ ህይወት ጉዳይ ምስዋር እሱራት፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ዝመስለካ ዓው ኢልካ ዘይምዝራ፡ ብገዛእ ገንዘብካ ናይ ባንክ ናይ መቑነን ኣሰራርሓ፡ ተኸሲስካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነብስኻ ክትከላኸል ዘይምኽኣል፡ ዝመርሓካ ኣካል ዘይምምራጽ፡ ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይትመሓደር ሃገር ምንባር፡ ብሰንኪ ደረት ዘየብሉ ውትህድርናን ካልእ ብኩራትን ኣብ ጉዕዞ ስደት ይጠፍእ ዘሎ ህይወት መንእሰያት ወዘተ ዝምልከት እዩ። ባህጉ ከኣ ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታት ብመሰረቱ ክቕየረሉ እዩ። ብዘይካዚ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መገሻ መንገዲ ማይ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቲ ካብን ናብን ዝመላለስ ሃላኺ ኣቑሑት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ሓሳባት ስለ ዝኾነ ናይቲ ምዕባለታት ምስግጋር ዘጸግም ኣይኮነን። ከም ርዱእ ከኣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ትዕዝቢቲ፡ ድሕረትን ሕሱም ህይወት መነባብሮን እዩ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ከኣ ብቕንዕና ንዝመዘን ናይ ዝሓሸ ህይወትን መነባብሮን ትዕዝብቲ እዩ። ሓደ ሰብ ከም ዘዕለለኒ፡ ብናይ 5 ሺሕ ናቕፋ ወርሓዊ መቑነን ዝደንዘዙ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ መዛንኦም ኢትዮጵያውያን መንእሰያት፡ ባንክታት ኣብ ዝተዓጸወሉ ሰዓታት’ውን ዝደለይዎ ዓቐን ገንዘብ ብማሽናት ኤቲኤም (ATM) ከውጽኡ ርእዮም ኣዝዮም ተገሪሞም። ምስቲ ኣብ ኤርትራ መንበሪ ገዛ ክትሰርሕ ክልኩል ምዃኑ፡ ብውልቀሰብ ዝተሃንጸ ሰማይ ዝዓረገ ርሻናት ርእዮም ዝግረሙ ኤርትራውያን ገያሾ ናብ ኢትዮጵያ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። “ንኣስመራ ደኣ ዓዲ ግራት’ኳ በሊጻታ” ዝብሉ’ውን ብዙሓት እዮም። እዚ ኩሉ ኣበሃህላ መልእኽቱ ናብ ኩልና ኤርትራውያን ዘደቅስ ኣይኮነን።

እዚ ጸላዊ ምዕባለ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝልሑኽ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ናይ ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ናይዚ ቀረባ ግዜ መልእኽቲ ናይዚ ምልክት እዩ። እቲ ዘድሊ ነቲ ጽልዋ ምድላው ማለት ክትቅበሎ ጭሕምኻ ማይ ምልካይ እዩ። እቲ ጭሕምኻ ማይ ምልካይ፡ ንኹሎም ኤርትራዊ ኣካላት ዝምልከት እምበር ሓደ ወሃቢ ሓደ ተቐባሊ እንኾነሉ ዕማም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ ማዕበል ክዓግቶ እንተ ደለየ እውን ኣይክእልን እዩ። ኣሜን ኢሉ ክቕበሎ’ውን ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ምስኡ ዝነበሩ ካብ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ እንዳጣዐ ከፋንዎም እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተመሳሳሊ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኤርትራዊ ወገን ክቕበል ክዳሎ መተገብኡ። እንተኾነ ባህሪኡ ስለ ዘይፈቕደሉ ኣይክገብሮን እዩ። ዜና ኣብ ምጥፍፋእ ዝተሳተፉ ናብ ሕጊ ምቕራብ ክሰምዕ እንከሎ፡ ብዛዕባቶም ውሽጣዊ ኣካላት ወዲሰብ ከይተረፈ ሸይጦም ሃብቲሞም ዘህብተምዎ እሙናት ጀነራላቱ ክሓስብን ጭሕሙ ማይ ክለክን መተገብኦ ግና እንድዒ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ እሱራት ተፈቲሑም ክበሃል እንከሎ፡ ብዛዕባ ዒራዒሮን ካልኦት ልዕሊ 300 ግሁዳትን ስዉራትን ኣብያተ-ማእሰርቱ ክሓስብ ጭሕሙ ማይ ክለኪ መተገብኦ። እዚ እውን ዝስወጦ ኣይመስለንን። ኮታ ህግደፍ ጭሕሙ ማይ ክለኽየሎም ዝግበኦም ኣብ ቀረባ ግዜ ክገሃዱ ትጽቢት ዝግበረሎም ዛዕባታት ቆጺርካ ዝውደኡ ኣይኮኑን።

እቲ ጭሕሙ ክለኪ ዝግበኦ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ንኣተሓሕዛ’ቲ ዘይተርፍ ለውጢ ክቕረቡን ጭሕሞም ማይ ክለኽዩን ይግበኦም። ደጊም ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ህግደፍ ዝደለዮ ዓይነት መንደቕ ነዲቑ ጠጠው ከብሎ ኣይክእልን እዩ። ከምቲ “ዘይቐንእ ኣይወለድ” ዝበሃል ቅዱስ ናይ ለውጢ ቅንኢ ክሓድረና ግድን እዩ።

Last modified on Thursday, 15 November 2018 13:31