ሃየ ተባራበር ወዲ ሃገር !!

2018-11-10 18:31:58 Written by  ፍረወይኒ ባይረ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1985 times

ሃገረይ እንታይ እዩ ሽግርኪ

ወደባት ክትረግጺ ሙሉእ መዋልኪ

ወግሔ ጸብሔ ይባራረዩልኪ

መዕለብ ኩሉ ኮንኪ ሰማዒ ሲኢንኪ

ክብረተይ ባዕለይ ክሕመሎ ኣደራዕ ስቃይኪ

           እቶም ዝሓለፉ ምእንታኺ ኣሸሓት

           ምእንቲ ከይትቆሪ ከይትሓድሪ ኣብ ቅርዓት

           ብ ከይትርገጺ ኣንቲ ዕሸል መርዓት

እቶም ሰብ ጎዶቦ ኩሎም ይሃርፉኺ

ብጭሉቅ ወሲዶም ንቡር ከይከልኡኺ

ባዕለይ ኣለኹልኪ ዋሕስ ይተኽለልኪ

ጽንጽያ ዓይንኺ   ከይንፍሩልኪ

             ጀጋኑ ደቅኺ እዚ ኣስተብሂሎም

             ካብ ሽግር ከውጹኡኺ በራኻ ሰፊሮም

             መዋእል ሽገር ሕሰም ተጻዊሮም

ክዝኩሮ ኹሉ እቲ ምረት ገደል

ብመኽደን ብራሾ ማዓጎ ንማቀል

ከብዲ ብጥሚታ ዘይብላ መዓንገል

ምስ ደቂ ኣራዊት ባዓል ተመን ገበል

መደቀሲ ከናዲ ኣብ ሃው ዝበለ ገደል

                 እወ ሰጊርናዮ እቲ ዘይስገር

                 ጀጋኑ ከፊልና ህዝብና ክነብር

                 ሕላገት በቲኽና ህልውቲ ክንገብር

በሻሓት ዘይትመን ዝተኸፍላ ዋጋ

ከይሸጥዋ ዳግማይ ናብ ዕዳጋ

ብደሙ ፈሪሙላ እዩ ኤርትራዊ ዘጋ

               ኣንታ ጉሒላ መንደላይ ከም ተመን

               ንሓምሳ ዓመታት ተንኮላት ክታኣልም

               ተጋሂዱ ሕጂ ምስጥራት ናይ ቀለም

                 ሕድሪ ፈጺሙ ብዘይ ቀላዓለም

               ሕነ ንኽፈዲ ናይ ኣቦታቱ ደም።

ንዳግማይ ስቓያት ክተብርስ ርስቲ

ያኢ ክትከውን ጎብለል ተማጋቲ

ሃገር ክተጥፍእ ትመክር ትዝቲ

                     እዚ ኹሉ ሕላገት ናይ ገድሊ

                     ምእንቲ ናጽነት ጸርናዮ ብዓቅሊ

                     ንባርነት ቀንጢጥና ክንሕዛ እታ ፈትሊ

ኦ ህዝበይ ዳግማይ ከይኮነካ ድግሲ

እታ ኣርዑት ሓርነት ጨብጣ ክትከውን ቀላሲ

ከይትስእን ዳሕራይ ዘላኣለም ፈውሲ

ፍትሒ ዝነግሰላ ሰላም ደሞክራሲ

ክትከውን ሃገርካ ተጸምበር ኣብ ቃልሲ

ባሓባር ክንተኽላ እታ ውልዶ ፈልሲ

                   እወ ባሓብር ክንተኽላ እታ ቆጽሊ ኣውሊዕ

ጨንፈራታ ክእከብ ክትብለልና ውልዕ

ንዳግማይ ሓርነት ቀንዲል ከነብርህ

ንዑ ንታኣከብ ዲክታቶር ከብቅዕ

                 ኦ ህዝበይ ከይትታለል ዳግማይ

                 ቁስልኻ ከይጉዳእ ከምናይ በቀዳማይ

                   በሰል ከይገድፈልካ ከይትህሰይ ዳሕራይ

                   መድሃኒት ዘይብሉ ከይኮነካ ስራይ

ህዝበይ ንዓኻ እየ ኣይኮንኩን ንዕኡ

እንታይ ትጸበ ሕጂ ኽ ጉያ ደድሕሪኡ

ስጋዕ ማኣስ ኢኻ ትታለል ከም ቆልዑ

በሉ ተመልኮቱ ኣሽካዕላል ጸወትኡ

                     እዚ ትምክሕተኛ ዝተበለለ ብደም

                     ጎብለል ኩኾነልና ስልጣን ክቓዳደም

                     ሃተፍተፍ ጀሚሩ ዓጀውጀው ከም ቀደም

                     ምእሰሪ ዘይብሉ ታሪኽ ክደጋግም

                     ሕጂስ ያኽለካ ክፋትካ ነይድገም

ብዶብ እንተታሓተ ብባድመ

ክንደይ ኣሻሓት ዜጋ ዘህለቀ ዘስደመመ

ንድሕሪት ዝምለስ ናይ ሕነሽ ዘኽተመ

ኣለዎ ሕጂውን ነገር ዝተኣልመ

ከይትታለል ህዝበይ ያክል ዝቀደምመ

                         ይሕሊፍካ ኣይትህባን እዛ ዓባይ ሪስቲ

                         ኣለዋ ደቀባት ብሕጊ ወረስቲ

                         በሻሓት ዝቁጸሩ ኣለዋ ተጣበቅቲ

                        ደሞም ዝኻዓውላ ክትከውን ልእልቲ

                         ክትረግጽ ዜጋታት በይንኻ ገባቲ

                         ተንኮላት ክታኣልም ለይቲ ምስ ማዓልቲ

ዲክታቶር ከብቅዕ ካብ ሱሩ

ገጹን ልምጽማጹ ምስቶም ኮራኹሩ

ንዑ ንታኣከብ ምሳና ስመሩ

ይሕዋት እንተታኪቦም ታኣምር ይገብሩ

                     ተጠማቲት ኮንኪ ኣንቲ ውልዶ ኤርትራ

                     ኣደራዕ ስቃይኪ በዚሑ መከራ

                     ኣይኣኸለክንዶ እቲ ሕሰም ናብራ

                     ደቂኺ ተጥፊኢ ኣብ ፈቀዶ ሳህራ

እዞም ሰብ ጎዶቦ መጺኦም ክዓጽዱኺ

ካብ ሱርኪ ነቂሎም ባዶ ከትርፉኺ

ብሕጊ ወረስቲ ወነንቲ ኣለውኺ

ዝሓለፉ ኣሻሓት ሂወት ዝሃቡኺ

                     ሃየ ተባራበር ከይዓረበ መርየት

                     ኒሂን ሓቦ ተቀኒትካ ሃገራውነት

                     ሃገር ከይሓረጃ ከይባድመት

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋትና

ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ንህዝብና

 ሃገረ ጀርመን 10.11.2018

Last modified on Saturday, 10 November 2018 19:38