ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዓወት ኣሳላሲለን !!

2018-11-07 17:31:19 Written by  ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1734 times

ከም ዝፍለጥ ኣብ ወርሒ 3. 2018 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፣ ካብ ሙሉእ ኤውሮጳ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ደንሃግ ኣኸባ ድሕሪ ምግባርና፣ ሓደ ካብቲ ስምምዕ፣ ነፍስወከፍ ማሕበር ኣብ ቦቦተኤና ማሕበር ክንተክል ድሕሪ ምስምማዕና፣ ኣብ ሃገረ ጀርመን እንርከብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብመሰረት ስምምዕና ማሕበር ንምትካል ፣ ብዕለት 19-21 10.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጉባኤን ባዓወት ኣሳላሲለና።

ኣቲ ቀንዲ ክንገልጾን ንኻእል ኣብ ዞባታትና ኣብነት ክኸውን እንብሎ፣ ኣብ ጀርመን ነዊሕ ዕድመ ዝነበረን ማሕበር ተበግሶ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፣ ዝብል ዝነበረ፣ ንጥርናፈን ንሓድነትን ደቂ ኣንስትዮ ኢለን፣ በቲ ጉባኤ ዝወሰኖ ፣ ብሙሉእ ድምጺ፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝብል ስም ተከእና። ከምእውን እቲ ናይ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ተብግሶ ንዲፊ ወሲደና ጉባኣኛታት በበሓደ ብምምልካት ገለ ብምእራም ሕጊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ጀርመን ክኽውን ብሙሉእ ብድምጺ ኣስሚረናሉ። ሓዲሽ ኣርማ ማሕበር ክህልወና ብዝብል ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ሙሉእ ገዛ ወሲኑ።ብኸምዚ ኣጋባብ ድማ ሓሙሽተ መሪሕነት፣ ክልተ ተጣባባቅቲ፣ ሰለስተ ተቆጻጸርቲ ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ መሪሕነት መሪጽና። ኣዚ ክንብል ከለና ዝነበረ ሃዋሁ ንሓድነት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝዕድም ጉልጽነት ብሩህ ተስፋ ዝተሓዎሶ ብምንባሩ ብጣዕምሚ ዝሕጉስን ንመጻኢ ጉባኣኛታት ተስፋ ኣንቢሩሉ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ዘለወን ድዩ ውልቀሰባት ጻዊዕትና ነቅርብ፣ምኽንያቱ ተፋላሊና ክንደይ ዓመት እንትርፊ ክሳራ ለውጢ ስለ ዘየምጻእና እንኮ መፍቲሕና ኩለን ማሕበራት ኣብ ሓደ ተጠሪፍና እጃምና ክነበርክት እዩ ጻዊዕትና።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

ዘላኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና

ዓወትና ኣብ ሓድነትና

ጀርመን.  31.10.2018

Last modified on Wednesday, 07 November 2018 18:37