ጉዳይ ኣቶ ኢሳይያስ፣ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ እዩ”

2018-10-18 16:53:29 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2204 times

ካብ ቀደም ጀሚሩ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት “ስለምንታይ እዩ ኣቶ ኢሳይያስ ብዛዕባ ዝኽሰት ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ መብርሂ ዘይህብ?” ዝብል ግሉጽነት ዝጠልብ ሕቶታት ከቕርቡ ምስማዕ ልሙድ ነይሩን ኣሎን። ናይዚ መሰረታውን እዋናውን ሕቶዚ መልሲ በቲ ዝምልከቶ ብንጹር ስለ ዘይወሃብ ከኣ፣ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ግምታት እዮም ዝህቡ። ብግዜ ምስኣን፣ ብስራሕ ምብዛሕ፣ ብስእነት ጥዕና ... ወዘተ ዘመኽንይሉ ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል እዚ ኩሉ ምኽንያታት ንስቕታ ኣቶ ኢሳይያስ ሎሚ ኮነ ቅድም ምኽኑይ ዝገብሮ ኣይኮነን።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ መብርሂ ዘይህበሉ፣ “ሃገር ናተይ፣ መንግስቲ ናተይ ስለዚ ኣብቲ ናተይ ድላየይ እንተገበርኩ ንህዝቢ ይገለጸሉ ኣይገለጸሉ ለውጢ የብሉን” ዝብል ትዕቢትን ንዕቀትን ሓደ ምኽንያት እዩ። ካብቲ “ኣካይዳና ኣካይዳ ጓብየ እዩ፣ ስቕ ዝበልና ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ዘይግሉጽ ባህርያቱ ዘይሓወየ ምዃኑ ከኣ ካልእ ናይ ስቕታኡ ምኽንያት እዩ። እቲ ቀንዲ ኣብዚ እዋንዚ ከይዛረብ ቆሊፉ ሒዝዎ ዘሎ ምኽንያት ግና ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ ዝዛረቦ ስለ ዝሰኣነ እዩ። እቲ ክዝረበሉ ዝግባእ ዛዕባታት እንተኮይኑ ካብ ቀደም ሎሚ’ኳ ይበዝሕን ይውዕን። ብኣንጻሩ ኢሳይያስ ከዛርብ ዝኽእለሉ ሞራል ኣብ ዝጸንቀቐሉ ወጣሪ ደረጃ እዩ ዘሎ። “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ” ከም ዝበሃል።

ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት “ዶብና ተመልኪቱ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ሰፊሩ ዘሎ ወራሪ ሰራዊት ከይወጸ፣ ወይከ ልዝብን ዝምድና ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላስን” ክብል ጸኒሑ፣ ነቲ ንዓኡ ኣሚኑ ኣብዚ መርገጽዚ ጸኒዑ ዝጸንሐ ህዝብን ንመብዛሕትኦም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ መራሕቲ ኢና በሃልትን ኣብ ማእከል ጐልጐል ራሕሪሑ፣ ብእዝዩ ዘገርም ሃዳሚ ሓረጋት ተሰንዩ ንመገሻኡ ናብ ኢትዮጵያ ዞኽዞኽን ሸንዳህዳሕን ወሲኽሉ። ድሕሪ እዚ ተግባሩ ንዝቐርቡ ሕቶታት ምስቲ ክብሎ ዝጸነሐ መልሲ ከምዘይህልዎ ፍሉጥ እዩ። ካብቲ ሓቂ እንዳሃደመ ኣጉባዕብዕን መህደምን መግለጺ ይስእን ማለት ግን ኣይኮነን። እንተኾነ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ብዘይጭበጥ ናይ ኮለል መግለጺ ክግንፍል እንተዘይኮይኑ፣ ከምዘይዕገስ ዝተረደአ እዩ ዝመልስ። እዚ ተረድእኡ እዩ ከኣ ድምጹ ክሓብእ ዘገድዶ።

ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበህል፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ቀዳማይ ስጉምቲ “ስለምንታይ መብርሂ ዘይተዋህበኒ?” ኢሉ ርእሱ እንዳነቕነቐ፣ እቲ ብጽኑዕ ክሕሎ ዝጸንሐ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ሃንደበት ንኢሳይያስ እውን ብዘባህረረ ኣገባብ ፈሪሱ። ነዚ ተኸቲሉ እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት፣ ኣማኢት ኣሸሓት ናቕፋ እንዳኸፈለን ኣብ ዶብ እንዳሞተን ብለይቲ ዝሰግር ዝነበረ ህዝቢ ብቐትሪ እሞ ድማ ብማካይን ብዘስደምም ብዝሒ ወተሃደራዊ ክዳኖም ዘይቀየሩ መንእሰያት ከይተረፉ፣ ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዝ ኣሎ። እዚ ከኣ ካልእ ኢሳይያስ ዝዛረቦ ንክጠፍኦ ጠንቂ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣቶ ኢሳይያስ ብምንታይ ምዃኑ እንድዒ ሰኺሩ ምስ ዓወነ፣ “ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ እዚ ህዝቢ እዚ ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ ወገናት እዮም፣ ዶ/ር ኣብይ ንኩልና ክመርሓና እዩ” ዝበሎን፣ ዶ/ር ኣብይ “ጉዳይ ዶብ ንኡስ ስለ ዝኾነን ብፍቕሪ ስለ ዝሰገርናዮ ኣየልዓልናዮን፣ ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኮይነ ተመዚዘ ስለ ዘለኹ ሃንደበት ከይኮነኩም” ክብል ዝወሰኾም ሓረጋት እውን ኢሳይያስ እንታይ ማለት ምዃኖም ምብራህ ከም ዝጽግምዎን ከጽቅጥ ከም ዝጸቕጥዎን ፍሉጥ እዩ።

ብዙሓት ዲክታቶር ኢሳይያስ ከምቲ ቀደሙ ዘሎ ግዲ መሲልዎም፣ ንሓንሳብ ባሕቲ መስከረም ንሓንሳብ ድማ ካልእ ኣጋጣሚ እንዳጸብጸቡ ከም ዝዛረብ ክጽበዩ ጸኒሖም። ንሱ ግና ግብሩ ፈሊጡ ኣብ ኩሉ ናይ ግምት ቆጸራታት ኣይተረኽበን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ኣብዚ ኣዝዩ ብዙሕ ዘዛርብ ኤርትራዊ ጉዳያት ዝሃለወሉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣረጊት ብዝመስል ደረቕ ስእሊ ተሰንዩ፣ ናይ ሚኒስተራት ኣኼባ ኣካይዱስ፣ ኣኼባኡ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝወደአ ዝገልጽ ዜና ምዝርጋሑ እዩ። ንሕና ነዚ ኩነታት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክዛረበሉ ዝኽእል ሞራልን ሕልናን ከም ዝተወደኦ ዘረድእ፣ ዘይግሉጽነት ዘይገልጾ ህድማ ካብ ህልዊ ኩነታት እዩ ኢና እንብሎ። ክሳብ ሕጂ ዘይቀበጽዎ ተጸበይቱ እንታይ ከም ዝብልዎ እንድዒ።

እቲ ዘገርም፣ ገለ ነዚ ኩነታት ብኸመይ ከም ዝገልጽዎ ዝሓርበቶም “ግዜ ስኢኑ ከይከውን” ኢሎም ዘዕዘምዝሙ ምህላዎም እዩ። እዞም ወገናት እዚኦም፣ ምስቶም ነናቶም ዕዮ ገዛ ዓሚሞም ዝገሹ መራሕቲ ሃገራት ክገይሽን እንታይ ስለ ዝገበረ ምዃኑ ዘይፍለጥ መዳልያታት ክትኮብን፣ ካብ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ተዓምጺጽካ ምውዓል ወጺኡ፣ ቀዳምነቱ ኣብ ዘይኮነ ናይ እንዳማቱ ፋብሪካታትን መናፈሻታትን ክምርቕን ናይ ቡን ኣፈላልሓ ስነ-ስርዓት ከይተረፈ ቀንጠመንጢ ተግባራት ክዕዘብን ዝውዕል ሰብኣይስ፣ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዛረበሉ ግዜ ስኢኑ ምባል ምስ ምንታይ ክቑጸር። እምበርከ ናይ ብሓቂ መራሒ ነይሩ እንተዝኸውን ካብ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን መግለጺ ምሃብ ዝዓቢ እንታይ ጉዳይ ኣለዎ።

እምበኣር ይፈቶ ይጸላእ፣ እዚ ዘረደኣና ኣቶ ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝራብ ከም ዝተወደኦን ምሕባእ ከም ዝመረጸን ዘረድእ እዩ። ብዛዕባቲ ንሱ ክዛረበሉ ንጽበዮ ሃገራዊ ጉዳያት ከኣ ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ባዕልና  ክንዛረበሉ ይጽበየና ከምዘሎ ሓላፍነት ንውሰድ። እቲ ኩነታት ክንመዝኖ እንከሎና፣ ደጊም ንሱ ዓይኑ ተዓሚቱ እንተዝዛረብ እውን ንሃለዋት ሃገርና ዝምጥን ከምዘይከውን ርዱእ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ሕኑቕ ኪኖ ዓፍራ ኣይንጸበ።

Last modified on Thursday, 18 October 2018 18:55