ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ተኣሲሩ

2018-09-18 19:53:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2386 times

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እቶም ንጭታት ከም ዝጠቐስዎ ኣቶ ብርሃነ ዝተኣሰረ ኣብ ማእከል ከተማ እንዳተዛወረ ከባቢ ሰዓት ትሻዕተ ናይ ንግሆ ብኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ እዩ ተወሲዱ።

ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ድሮ እቲ ሚድያ ኤርትራን ተቓወምትን ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾንሉ 18 መስከረም 2001 ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ እዩ።.

ናይ ቅድም ሚኒስተር ገንዘብ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክልተ ክፋል ዘለዎ ንመንግስቲ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝብድህ መጽሓፍ ኣሕቲሙ እዩ። ንሱ ኣብቲ መጽሕፍቱ ንምትእትታው ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ክካየድን ጸዊዑ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣቶ ብርሃነ ንዲክታተር ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክምክቶ ድልዊ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ፡.

ኣቶ ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ተባዕ ስጉምቲ ምውሳዱ ሰፊሕ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ። ከም መርእያ ናይዚ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ንተባዕ ስጉምቱ ብምድጋፍ ናይ ሓባር ናይ ደገፍ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። እቶም ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ መንግስቲ ኤርትራ ኣብረሀ ኢሳይያስ ስልጣኑ ንከረክብ ብድፍረት ዝበሎ ዝደገፉ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ነቲ ኣቶ ብርሃነ ኣልዕሊልዎ ዘሎ ዛዕባ ካለኦት ወገናት እውን ክድግፍዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እተን ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝደረሰን መጻሕትን ንሱ ዝሃቦ ብምስሊ ዝተሰነየ መልእኽትን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ነይሩ። እዚ ናይ ቀደም ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኣብቲ ዝሃቦ ብምስሊ ዝተስነየ መልእኽቲ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘይኣከቦ ባይቶ ንክእክቦ ጸዊዑ ኣሎ።

Last modified on Tuesday, 18 September 2018 22:10