ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ኣኼባ ኣካይዱ

2018-09-13 01:46:02 Written by  ክፍሊ ዜናን ባህልን ዞባ ሰሜን ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1741 times

ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ ሓው ደስበለ ካሕሳይ፣ ናይ ዞባ ውደባዊ ጉዳያት ሓላፊ ሓው ናይዝጊ ባህላይ፣ ሓው የማነ ፍስሃየ ኣባል ሽማግለ ጨንፈር ዊኒፐግ ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ኣኼባ ተሳቲፎም።

ዓርቢ ዕለት 31 ነሓሰ ምስ ህድሞና ዝበሃል ሲቪካዊ ኤርትራዊ ማሕበር ኣኼባ ኣካይዱ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ስምምዓት ነይሩ። ንህልዊ ኵነታት ብሓባር ንምግጣም ብሽማግለ መልክዕ ንስራሕ ዝብል ስምምዕ ከምዝበጽሑ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበረታ ኣረጋጊጽዎ።

ሰኑይ ዕለት 3 መስከረም ምስ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዜጋታት ብዛዕባ ህልው ኵነታትን እማመ ሰልፍናን ብዕምቈት ተመያይጦም። ዜጋታት ንተበግሶ ሰልፍና ንኢዶም። ንህልዊ ምዕባሌታት ብምውዳብ ጥራሕ እዩ ክሰዓር ዝከኣል ዝብል መደምደምታ በጺሖም። ሰልፊ ክገብሮ ኣለዎ ዝበልዎ መተሓሳሰቢ ኣቅሪቦም።

ንድሕነት ሃገርና ጠጠው ክንብል ኢና!

Last modified on Thursday, 13 September 2018 03:58