ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪን ኣብ ከተማ ኣትላንታ ኣኼባ ኣካይዶም

2018-08-16 02:08:27 Written by  EPDP Information Office North America Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2654 times

ብዕለት 5 ነሓሰ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.)ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪን ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይዶም። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ብክልቲኡ መሪሕነታት ዝካይድ ዘሎ ናይ ሓባር ምርድዳእ መሰረት ብምግባር ብዞባን ብጨንፈራትን ደረጃ ናይ ምልላይን ሓቢርካ ምስራሕ መንፍስ ምዕማቍን እዩ። ኣኼባ ብጽቡቅ መንፈስ ትኻይዱ። ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ክውከሉ ከለዉ፣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ከኣ ብኣቶ ተክለብርሃን ሃይለ ኣባል መሪሕነትን ናይ ውደባ ሓላፍን እዮም ተወኪሎም። ከምዚ ዓይነት ናይ ስራሕን ምውህሃድን መንፈስ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ክሰፍሑን ክስሱኑን ትጽቢት ኣሎ።

ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ሓደ ክመጹ ባህርያዊ እዩ።

Last modified on Thursday, 16 August 2018 04:13