ኣገደስቲ መድረኻት: ኣብ ወሳኒ እዋን

2018-08-15 20:15:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2412 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ክልተ ኣገዳስቲ መድረኻት ኣሰላሲሉ። እዞም መድረኻት ናይ 2018 ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርትን 9ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን እዮም። እዞም መድረኻት ሓደስቲ ዘይኮኑስ ግዜኦም ሓልዮም ክካየዱ ስለ ዝጸንሑ ከም ንቡራት ተግባራት ዝውሰዱ’ኳ እንተኾኑ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣትውሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ምስልሳሎም ፍሉይ ግምት ዘውህቦም እዩ።

ፈስቲቫላትና ቀንዲ ዕላምኡ ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ መኣዲ ምርኻብ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ወትሩ ምእንቲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝዕደሙን ኣብቲ መድረኽ ቃሎም ከስምዑ ትጽቢት ዝግበረሎምን። ብመንጽር’ዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብዘይሕለል ጻዕሪ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኤርትራን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝተዳለወ ብዙሓት ዕዱማት ወከልቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ምሕበራትን ከምኡ እውን ወጻእተኛታት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፉ። ተሳትፈኦም ብዝሒ ጥራይ ዘይኮነ ኣገዳሲ ቁምነገር ብምንጽብራቕ ዝምዘን’ዩ ነይሩ። ኩሎም ኣብዚ ኣገዳስን እዋናውን መድረኽ ቃሎም ዘስምዑ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ተመሳሳሊ ሻቕሎት ነይርዎም። ኩሎም ዘቕረብዎ መዋጸኦ እውን ተመሳሳሊ ነይሩ። ንሱ ድማ ዘለካ ዓቕሚ ኣወሃሂድካ ብሓብር ምስራሕ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ ዘንጸባርቕ ነይሩ።

እንተኾነ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንድህስስ እንከለና፡ እዚ ሓድሽ ጭረሖን ቃል ምእታውን ኣይኮነን። ኣብ ግብሪ እንተዘይውዒሉ ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተተግበረ መብጸዓታት መኺኑ ክተርፍ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብቲ መድረኽ ቃል ዝተኣትወሉ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝያዳ ትብዓትን ጹረትን ክሓተና እዩ። ምስዚ ኤርትራን ህዝባን ዝኣትዉዎ ዘለዉ ሽፉን ናብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንድሌት ህዝብና ዝጨወየ ደልሃመት ከየእትወና ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ከምቲ ልማዱ ብውልቃዊ ምልካዊ ኣካይዳ ተሰንዲሑ ንህዝብና ኣብ ጉዳዩ ከይፈልጥ ዓቢጥዎ ይቕጽል ኣሎ። ስለዚ እዚ ተርእዮ እዚ ሓቢርካ ንምስራሕ ካብ ምጭራሕ ሓሊፍና ኣብ ተግባር ክንኣቱ ሓላፍነት ከሰክመና ግድን እዩ። ከምዚ እንተዘይጌርና ግና ብታሪኽ እውን ከሕትተና እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግና ዋጋ ደኣ የኽፍሎ እምበር ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መፍቶ ህግደፍ ክኸውንዩ ዝብል ስግኣት የብልናን።

በዚ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝተንጸባረቐ ስምዒት ኣብቶም ዝተሳተፉ ወገናት ዝድረት ዘይኮነ ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ህዝብና ስምዒት ምዃኑ ብመንጽርቲ ኣብኡ ዝቐረበ መድረታት ርዱእ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ግብሪ ናይ ምዓሉ ሓላፍነት እውን ብቀንዱ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ስለ ዝተኣትወ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዕድል ብምፍጣሩ ብዙሓት ተረሓሒቖም ዝጸንሑ ወገናትና ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብቐሊሉ ክመላለሱ ምኽኣሎም ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። እንተኾነ እዚ ብፋላይ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ናብቲ መሰረታዊ ፍታሕን ራህዋን ንምብጻሕ መንጠሪ ባይታ እምበር ናይ መወዳእታ ሸቶ ከምዘይኮነ፡ ህዝብና ከስተብህል ይግበኦ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ቀንዲ ጸገም ብናይ መገሻ ዕድል ክሽፍኖ ዝገበሮ ፈተነ ከነስተብህለሉ ይግበኣና። ተፈላሊኻ ጸኒሕካ ምርኻብ ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ ጠለብ ዘተኣማምን ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት … ውዘተ ህዝብና ግና ጌና ኣይረወየን። ንሱ እዩ ከኣ እቲ ቀንዲ ጉዳይና። እቲ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዘይንጸልኦ’ኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ንብህግን ንቃለሰሉን ግና ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ኤርትራ እዩ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት በይኑ ዘይኮነ ምስቶም ኣብ ፈስቲቫላት ስቶክሆልምን ኣትላንታን ዝተቓልሑ ጭረሖታት ኣሳኒና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎም ይግበኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ከምቲ ጀሚርዎ ዘሎ ምስ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ብሓባር ዘስርሕ መድረኽ ናይ ምጥጣሕ ጻዕሩ ክቕጽሎ እዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዘ ቅድምን ድሕርን ፈስቲቫል ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ክካየድ ዝጸንሐ 9ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ተዛዚሙ ኣሎ። ኣኼባ ባይቶ ከምቲ ድሕሪ ምዝዝዛሙ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ኣብዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ንኤርትራ ኣጸቢቑ ዝጸሉ ምዕባለታት ሓዲርዎ ዘሎ ሻቕሎት ገሊጹ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ በቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስረሓትና ብዘርኣናዮ ድኽመት ጥራይ ዘይኮነ በቲ ክንገብሮ እንዳኸኣልና ዘይገብርናዮ ከም ዝሻቐል እውን ኣንጸባሪቑ ኣሎ። ኣኼባ ባይቶ ብዛዕባ ብዙሓት ሰልፋውን ከባብያውን ጉዳያት’ኳ እንተዘተየ እቲ ቀንዲ ዝተገደሰሉ ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ጸገም ዝስገረሉ መንገዲ ምምሃዝ እዩ። ሰዲህኤ ተስፋኡ ኣብዚ መዳይ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈተነ ኣገባብ ኣብ ምምሃዝ ዘይኮነ፡ እቲ ሓቢሩ ክሰርሕ ዝግበኦ ኣካላት ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ንነብሱ ፈትሹን ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመቱ ርእዩን ዝሓሸ መንገዲ ንክሕዝ ህልዊ ኩነታትና ከድርኾ’ዩ ዝብል እዩ። ደጊም ጉጅለ ህግደፍ ብዙሕ ሓባቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ ተንኮላት ተቐሊዑ እዩ። ካብ ሕጂ ክሕባእ እንተኾይኑ ኣብ ድኽመት ናይቶም ንለውጢ ንቃለሰ ዘለና እዩ። ኣብ ህግደፍ ዝረአ ድኽመትን ሃጓፍን ከም ናይ ቃልሲ መሕየሊ እንተዘይተጠቂምናሉ ባዕሉ ዓወት ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ብጉዳይ ምዝርጋሕ መመሓላለፊ ነዳዲ መስመር ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራ ዘየብሉ መንግስታት ኢማራትን ኢትዮጵያን ተፈራሪሞም ዝብል ወግዓዊ ዜና ዝዝርገሓሉ ዘሎ እዋን ብሓባር ሰሪሑ ከድምዕ ብሓባር ተዛሪቡ ከስምዕ ዘይበራበር ኤርትራዊ ክህሉ እዩ ዝብል ግምት የብልናን። እቲ ምብርባር ኣድማዒ ንክኸውን ግና ውዱብን ውህዱን ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰዲህኤ ይኣምንን ይቃለሰሉን።

Last modified on Wednesday, 15 August 2018 22:21