መልእኽቲ ሰደግኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ በዓል ኤርትራ 2018

2018-08-08 13:22:32 Written by  ሰደግኤ ዞባ ኤውሮጳ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1983 times

ኩቡራት እሰንዳቲ ሽማገለን አባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመን!

ኩቡር አቦ መንበር ኩብራት መራሕቲን ኣባላትን ሰልፊ ደሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ!

ኩብራት ተወከልቲ ውድባትን ዕድማት አጋይሽን!     

       አቐዲመ አብዚ ልሙድ ዓመታዊ ባዓል ኤርትራ ክንሳተፍ ዝገብርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ውድብና ሰደግኤ ከመስግን ይፈቱ። ቀጽለ ከአ እዚ ኤርትራዊ ባዓል'ዚ ንዓኹም ከም ሰልፊ ድሞክራሲያዊ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ አባልኩም ተራኺቡ ዓመታዊ ኩሉ መዳይዊ ቃልሱ ክግምግምን ስራሓቱ አጻፊፉ ክሕዝን ዝገብር ኮይኑ፡ ንእግረ መገዱ ከአ ንአብዚ ከባቢ ዝቕመጥ ህዝብናን ተቓልስቲ ውድባቱን ተራኺብና ኢህን ሚህን እንብለሉ ምቹእ ኣፍደገ ዝኸፍት ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ መድረኽን ቦታን እዩ። ስለዚ እዚ ከምዚ ዝበለ ባዓል ጥቕሙ ብግቡእ ተረዲእና ኩልና ተሓባቢርና ከነህብትሞን ከነማዕብሎን ናብ ረብሓ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከነውዕሎን ስለ ዝግባእ፡ ከይተሓለልኩም ነዚ ክውን ንምግባር እትራባረቡ ውድባትን ውልቀ ባእታታትን ክትምጎሱ ይግባእ። እንቋዕ ብሰላም አብዚ ጽንብል እዚ ክንራኸብ አብቃዓኩምን አብቃዓናን ንብለኩም።

        ኩብራትን ኩብራንን ተቓልስቲ ሰልፊ ደሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ተቓለስቲ ውድባት ኤርትራ፥ ብቐንዱን ብዓቢኡን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ወጥርን መስገድልን እናሕለፈ መጺኡ ኣብ ታሪኽ ማሀደራትና ጥራይ ተመዝቡ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ዋናታትን ተዋሳእቲን ባዕላትና ዝተዋደቕናሉን ንዋደቐሉ ዘሎና ጉዳይ'ዩ። እዚ ሎሚ አብዚ ተራኺብና ክንጋባእ መድረኽ ተኸፊቱልና ዘሎ እውን ብጊዲኡ አካል ናቱ'ዩ። ኤርትራውያን አብ ስደት እንርከብ ገና ንውራይና ነኺስና ሒዝና ከምዘሎና እውን ዘማላኽት'ዩ።

       አብ ዝሓለፈ ጉዕዞና ቃልስና ኩላትና ከም ንፈልጦን ከም መስርሕ ናይ ቃልሲን ከአ ዓወታትን ውድቀታትን ብቢእዋኑ ዝግለጹ ከነመዝግብ ከም ዝጸናሕና ብግብሪ ዝተራጋግጸ ነገር'ዩ። ሐደ ካብቶም ዓወታትና ብልዕልነት ጎሊሑ ዝረኤ፡ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ሲዕርና ሃገርና ሐራ ምግባርን ምዕቃቡን ዝምልከት ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከአ ከም ውድቀትን ፍሽለትን ዝረአዩ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲን ምሕድራን ስጋብ ሕጂ ክንሃንጽ ዘይምብቃዕናን ዘይምኽአልናን ቀንዲ ረቛሒ መሰረታዊ ሽግርና'ዩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይርኤ እውን ሃገራዊ ዕርቅን ስኒትን ዘውሐሰ፥ አብ ነብሱን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ዝተከለ ጽኑዕ ማሕበረሰብን ሕበረተሰብን ከይንገብር፡ ብውሽጥን ብደገን ስለ ዘተስርሓሉ በቲ ሐደ ወገን፡ ብካልእ ወገን ከአ ነዚ አብ ንቡር ቦትኡ ዝመለስ ወይ ዘስተኻክል ብሓያል ህዝባዊ ውዳበ ዝተሰነ ዕቱብ ቃልሲ ስለ ዘይተገብረ ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ተቓሊዕና ንርከብ ከምዘለና ከም ጸሐይ ቀትሪ ንኹሉ ብሩህ'ዩ።

       ብወግና ጠንቂ ናይ'ዚ ክውንነት'ዚ ቀንዲ ተሓታቲ፡ ብቐዳምነት ዝስራዕ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ/ህግደፍ እዩ። መኽንያቱ ንህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ማለት ፖሎቲካዊ፥ ኢኮኖምያዊ፥ ማሕብራዊ ሰረቱ ኮነ ኢሉ ክለምስን ክማስንን ዝገብር እስትራተጂ ብምኽታል፡ ህዝብን ሃገርን አራኺሱ እንሆ ሎሚ ተግባሩ ፈጢጡ ኣብ ቅርዓት ወጽኡ ብጋህዲ ይረኤ አሎ። ሎሚ ከምህዝቢ (ከም ከብቲ) ተኸብኪብና አበይናይ ዕዳጋ ንወርድ አሎና፡ ከም ሃገር ከአ አብይ ገጽና ሸታሕታሕ ንብል አሎና ንምርአይ ዘጸግም ነገር ከምዘይለ፡ ጊዜ ባዕሉ ቁልጭ አቢሉ የረኤና አሎ። ስለ'ዚ ነዚ እቕረ ዘይባሃሎ ጸላኢና፡ ንጥፍአትና ተዋፊሩ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ/ ጉጅልኡን ዝስዕር ንጹር ዕላማ አብ ቅድመና አቐሚጥና፡ አብ ናይ ቀዳምነት ቦታ ሰሪዕና ሓይልታትና ከነዋሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን ነዚ ዘገልግል ናይ ሓባር ጽላል ከነቕውምን ሰፊሕ ህዝቢ ኣብኡ ዓሲሉ ብተግባር ክንሰርሕ ጸላኢና ከነውግድን ይግባእና።

       ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ እዚ ክንገበር እንተ ዘይበቕዕና፡ ብካልአይ ቦታ ናይቲ ውድቀት ታሓታቲ ይገብረና። እቲ ዘገርም መብዛሕቱ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ነቲ ጸገም ካብ ዓንተብኡ አለልይዎ ከብቅዕ፡ መኽንያቱ ወፍሪ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንመን የገልግል? ዕላምኡኸ እንታይ ንምግባር'ዩ? ኣቐዲሙ አሚቱ ከብቅዕ፡ ነዚ ዝዓጽፍ ቃልሲ ብዝተዋሃሃደ ውደባ ዝተስነ ስጋብ ሕጂ ዘሎ እዋን ሰፊሕ ህዝቢ አብ ጎኑ አሰሊፉ ተሰማዓይን እምነት ክንበረሉ ዝኽእል ሐይሊ ክገብርን ክመርሖን ዘይምብቅዑ ዘሎ ክፍተትን ሕመቕን'ዩ። ውድባት ነዚ ክፍተት'ዚ አብ ቀረባ ጊዜ ክንሽፈን እንተ ዘይበቒዕናን፡ ሕመቓትና ቀልጢፍና እንተ ዘይአማዓራሪናን ከአ ካብ ታሪኻዊ ተሓታትንነት ተጋላገልና ማለት ዘበት'ዩ። ሰለ'ዚ ካብ ዝጸናሕናዮ ቲሐዘ ጸኒሓዊ አረአእያ ተጋላጊልና ነዚ መድረኽ ዝብቅዕ ቃልሲ ከነታአታቱን ከነተግብርን መድርኽ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ይጠልበና አሎ። ህዝብን ሃገርን ማእከል ዝገብር ሰውራዊ መሪሕ ሓሰብ ተረሲዑ፡ እቲ ዝበዝሕ ስጋብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ናብ ውሽጥኻ ዝግብር ቁርቁስን ምትንዃላትን ከይዱ ከይዱ ከአ ብበትሪ ጸላኢኡ ዝጓሰ ደምበ ተቛውሞ ኣገልግሎቱ ንጸላኢ እምበር ንሃገር ህዝብን ዘድሕን ከም ዘይኮነ ብንጹር ክፍለጥን ክቕመጥን ይግባእ።

ስለዚ ስጋብ ሕጂ ክንክተሎ ዝጸናሕና ናይ ቃልሲ ጥብብ ደጊምና ክንፍትሾ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ? መኽንያቱ ፈሊጥና፡ ጌጋታትና ቀልጢፍና ክንእርም ብኡ መጠን ከአ ሓድሽ ነዚ መድረኽ ዝበቅዕ ናይ ቃልሲ አንፈትን አሰላልፋን ክንሕዝ መተካእታ ዘይብሉ ምኻኑ ፈሊጥና ነብስና አዳሊና ክንቀረብን ክንውሳአሉን ይግባአና።

ብወገና ከም ውድብ ሰደግኤ ነዚ እዋን ዝበቅዕ መልክዕ ውዳበ ቀሪጽና፡ መንንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ሃይማኖት ድማ ኣብ መንግስቲ ኡዱ ዘይተአታቱ ሰፊሕ ሕብረ ብሐራዊ ግንባር ህዝቢ ማእከሉ ዝገብረ፡ ተመራጻይ መልክዕ ውዳበ እዩ ንብል። ብዚ መጠን ከአ 4 ውድባት ብሓባር ተሳማምዕና ሐደ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ኤሃግ) አቑምና ብሓባር ክንሰርሕ ጀሚርና አሎና።

ብወገን ስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብተማሳሳሊ ብዓል አርባኦተ ነጥቢ እማመኹም ድሮ ክልተ ዓመት ዝገብረ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ነዚ ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ንምስግጋር ግን ብትብዓት ናብ ዘተ ኮፍ ኢልካ ክእቶ ዘይምግባር ዝርኤ ሕመቕ ብኽልቲኡ ወገን ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ። ትብዓት ወስኺና ከአ አብ ዘተ ክንአቱ በዚ አጋጣሚ'ዚ ነዚ ዝምልከቶ አካላትና ከንዘኻኽር ንደሊ።

       ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ጊዚ ክጭወ ተፈቲኑ እዩ።፡ ሓጂ እውን ድሕሪ 27 ዓመት ልዑላውነት ኤርትራ ከም ሃገር፡ አብቲ ዝነበርናዮ መግዛእቲ ንድሒሪት ዝመልስ ፈተነ ይቀላቐል ኣሎ። በዚ ጊዜያዊ ሓድሽ ምዕባለ ተሰኪምዎ ዝመጽእ ህቦብላ ንፋስን መአዝና ከይንስሕት፡ ህድእ እልና፡ ቅኑዕ ኣንፈት ናይ ሰላም መገዲ ኣጽኒዕና ብምሓዝ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ዕዮ ገዛና ብግብእ ክንምልስ አልና። ሰላም ቅድም አብ ገዛና ክትሰፍር ስለ ዝግብአ፡ ንቀጻሊ ዘላቒ ሰላም ዘጎልብት ዓቕሚ ከነጥሪ ኩሉ መዳያዊ ቅድመ ምድላው ክንገብርን ህዝቢ ዝግባእ ሐበረታ ረኺቡ ብንቕሓት ክሳተፍን ብኡ መጠን ዋናን ባዓል ውራይን ኮይኑ፡ ንረብሕኡ መሊኡ ክዋሳእ ኣብ ምግባር ዝካየድ ቃልሲ ብጊዜያዊ ሓደሽቲ ኩነታት ከይተዳናገረ ክቕጽል ይግባእ።

ብስም ናይ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ተኸዊሉ ዝመጸና ዘሎ መዘዝ አውንትኡን አሉትኡን ብግቡእ አለሊና ንልዑላውነት ህዝብን ሃገርን ጥቕምን ረብሓን ዝዕቅብ ጽኑዕ መረገጽ ከይተሸራረፈ ተግባራዊ ኮይኑ ክቕጽል ዘሎና ሓላፍነት ፈሊጥና ውራይና ቀጥ አቢልና ሰፊሕ ህዝቢ ከም ቀድሙ ኣብ ቃልሱ ጽኒዑ ሕላፍነቱ ክዋጻእ ኩልና ኢድ ንኢድ ተታሐሒዝና ሓባራዊ ስራሓት ክነማዕብል፡ ፖሎቲካዊ ውድባትና ከአ ጉብእ ኣንፈት አማራርሐ ክህባ በዚ አጋብጣሚ'ዚ ክንሕብርን ከነዘኻርን ንፈቱ። ሰድግኤ ውድብና ከአ ከም ዎትሩ አብዚ መዳይ'ዚ ነብሱ ቅሩብ ገይሩ ይርከብ ከም ዘሎ ደጊምና ነረጋግጸልኩም። ብዝተረፈ ናይ ሎሚ አኼባና ድሙቕን ብሱልን ክትዕ አካይዱ ንቃልስና ዝጥቅም ስንቂ ሒዝና ክንከይድ ዘሎና ስነናይ ትምኒት ይገልጸልኩም። ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሚኒ የመስግን የቕንያልና።

ምሕዝነት ሓይልታት ኤርትራ ይደልድል!

ምዩቕ ዘይንብለላ ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

ሰደግኤ ዞባ ኤውሮጳ

04/05 ሐምለ 2018

Last modified on Wednesday, 08 August 2018 15:36