ቃል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤሪትራ ኣብ ፈስቲቫል 2018

2018-08-07 20:05:50 Written by  ባህታ ሃይለማርም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2099 times

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ኤሪትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር

ዝኸበርኩም መሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ዕዱሙት ኣጋይሽን

እዛ ከም መርሖ ናይዚ ፈስቲቫል ዝተመርጸት ጭርሖ ፤“ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ። ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ እዋናዊት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኩሎም ነካይዶም ፖሊቲካዊ ቃልስታትናን፡ ማሕበራዊ ህወትና ከም ስልቲ ናይ ዝምድናዊ ስርሓትና ክንጥቀመላ ይግባእ። ንሱ ስለ ዘይተከተልና ኢና፡ ክሳብ ሕጂ ቃልስና ክዕወት ዘይካኣለ።ኣሽንኳይዶ ዝተፈላለየ ፖሊቲካዊ ዕላማታት ዘለወን ውድባት፡ ኣብ ዝበዝሐ ከራኽበን ዝኽእል ዕላማታት ሓቢረን ክሰርሓ፡ እቶም ኣብ ጽላል ሓደ ውድብ ኮይኖም ዝቃለሱ ባእታታት፡ ዝፈላልዮም ፖሊቲካዊ ዕላማታት ዘየሎ ክንሱ፡ ኣብ ክልተ፡ ሰለስተ ውድባት ተፈናጭሎም፡ ይርከቡ። ከምዛ ብሓደ ከምዘይነበሩ ካኣ፡ ብጽሑፋት ክጠቓቒዑ ናይ ቀረባ ተመክሮ ኢዩ።ንኣበነት እዚ ኣብ ሽወደን ዝተካየደ ፈስቲቫልን፡ እዚ ነካይዳ ዘሎና ፈስቲቫል፡ ካብ 1985 ኣትሒዞም፡ ንዝተፈላለየ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ውድብ ተጠርኒፎም ከካይድዎ ጸኒሖም። ኣብ ሓደ እዋን ተፈላልዮም።ዝተፈላለየ ፖሊቲካዊ ዕላማ ስለ ዝሓዙ ኣይኮነን፡ ኣንታይ ዳኣ ስለ ዘይተዳማመጹ ኢዮም። ከምኡ ኣውን ኣብ ካልኦት ፖሊቲካዊ ውድባት ዝተራኣየ፡ ገና ዝቕጽል ዘሎ ምፍንጫላት ኢዩ። ነዚ ጉድለታት ክሳብ ሕጂ መአረምታ ኣይረኸብናሉን። ምኽንያቱ ንጉድለታትና ብግቡእ ገምጊምና፡ ንጌታትና ኣብ ክንዲ ኣሚና መእረምታ ንገብረሎም። እቲ ጉድለታት ንኻልኦት እንዳሰከምና፡ ንነብስና ሓራ ምውጻእ ጥራ ዘይኮነ፡ንተግባራትና መርትዖ ክኾነና፡ ብቃላትን ጽሑፍን ናይ ጸለማ ወፈራ ነካይድ። ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ነቶም ምሳኻ ኮይኖም ብተግባር ክሰርሑ ዝኽእሉ ውድባት ጓሲኻ፡ ንጊዚኡ ብተግባር ክሰርሑ ዘይክእሉ ግን፡ ናይ ጊዚኡ መባእስቲ ዝኾኑኻ ዝክእሉ ኣካላት ናይ ምምሕዛው ይረኣ።

ስለዚ እዛ ናይዚ ፈስቲቫል ጭርሖ ብተግባር ክትሰርሕ፡ ብዝሓለፉ ጌጋታትና ተኣሪምና፡ ብግብሪ ነሰንያ።

እዚ ዘለናዮ እዋን ንህዝብታት ኤርትራን፡ ነታ ብከቢድ መስዋእትነት ዝተመስረተት ሃገር ንህላውየአ ዝፈታትኑ ክስተታት ይቃላቐሉ ኣሎዉ።

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ 1970 ኣትሒዙ፡ ብረቂቕ ስልቲ ሓድነት ሕብረተሰብ ኤሪትራ ክልሕልሕ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ከይህሉ ክገብር ጸኒሑን፡ ኣሎን ። ንኣብነት ሓደ ካብቲ መደባቱ፤ ሰፊሕ ሰረት ሕብረተሰብኣዊ ክውንነት ህዝቢ ኤሪትራ ተንጽባርቕ ዝነበረት ተሓኤ ምፍራስ ኢዩ ነይሩ።

ካብ 1991 ንኣተሐሕዛ መንእሰያትና ዝተኸተሉ ጉጉይ ፖሊሲ።መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ ንኽከይድ ደፋፊእዎ፡ ሃገራዊ ፍቕሩ ክልሕልሕ፡ ፍቕሪ ወልዱ ክስእን፡ ኩሎም ደሞክራስያውን፡ ሰብኣዊ መሰላቱ ከልኪሉ፡ኣብ ፈቆዶ ቤትማእሰርትታት ከምዝሳቐ ይገብር ኣሎ።እቶም ኣብ ጊዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተወልዶም ዝዓበዩን፡ ዝተቃልሱን ከይተርፈ ግዳያት ናይዚ እከይ ተግባራት ስለ ዝኾኑ፡ ወልዶም ዝተሰዎኡላን፡ ኣካሎም ዝጎዶሉላ ሃገር ገዲፎም ናብ ስደት የምርሑ ኣሎዉ።ኤርትራ ሃገርና ተካኢ ወልዱ ዘይብላ ሃገር ትኸውን ኣላ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ዝናኣድ ስጉምቲ፡ ዲፕሎማስያዊ ርኽክባት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሩ ኣሎ።እቲ ኣብሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ክርክብ፡ ዝምድናታትቱ ክሕደስ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት ብመትከል ቅቡሉን ንድግፎን ጉዳይ ኢዩ።እቶም ብሸነኽ ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኣተሓሕዛ ናይዚ ጉዳይ ዝኽተሎ በይናዊ ተግብራት ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንክብሪ ህዝብታት ኤሪትራ ዘናኣእስ፡ ንልእላውነት ሃገረ ኤሪትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱው ዝዋሃብ ዘሎ መግልጽታት ግን ቁቡል ኣይኮነን።ብትሪ ክንምክቶ ኣሎና

እምባኣርከስ ንሕና ኣብዚ እዋን ሐድነትን፡ምትእምማን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤሪትራ ክድልድል ምግባር። መንእሰይና ፈታዊ ሃገሩን፡ ተካኢ ወልዶ ክኸውን ምስራሕ። ክብሪ ህዝብታት ኤርታር ክሕሎ፡ ልእላውነት ኤርትራ ከይድፈር ምክልኻል።ኣብ ኤርትራ ደሞክራስን፡ ስርዓተን ሕጊ ክህሉ ምቅላስ። እዚ ብግብሪ ከነሰንዮ ግን“ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ፡ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ።

ንቕድሚት ክሳብ ዓወት።

ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና።

ባህታ ሃይለማርም

ብስም ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤሪትራ። 

04-08-2018 ፍራንክፉርት።

Last modified on Tuesday, 07 August 2018 22:17