ንቀ/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተጸወዓ ሰልፊ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ተፈጺሙ

2018-06-23 10:25:48 Written by  ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2385 times
መወዳእታ ዝተሓደሰ ሰነ 23, 2018
ቪኦኤ ዜና
 
 
አዲስ አበባ/ዋሽንግተን —
 
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ'ቲ ፍንጀራ ብተለቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ብ “እኩያት” ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ግስጋሰና ዝመልሰና ኣይኮነን ኢሎም።

ፖሊስ ኣብ ምጽራይ እቲ ኩነታት ከምዝርከብን መርመረኡ ምስ ወደአ ሓበሬታ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝኸውን'ውን ቀ/ሚ አብይ ገሊጾም።

"ብዝተሰነፈን ዝወደቐን ሓሳብ ደው ከምዘይንብል ከረጋግጸልኹም ይፈትው።"

ቀ/ሚ አብይ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዝወረደ ድሕሪ ምሕባር ምጽንናዕን ቅልጡፍ ሕውየትን ተመንዮም።
 
ድሕሪ'ቲ መጥቓዕቲ ሓለወቲ ቀ/ሚ ቀልጢፎም ናብ መኪነኦም ከምዝወሰድዎም ካብ ወኪልና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
 
ኣብቲ አደባባይ ዝነበረ ሰብ ግን ኣብ ክንዲ ምስንባድን ምህዳምን "ንአብይ ዝትንክፍ የለን" እንዳበለ ናብቶም ቀ/ሚ ገጹ ከምዝወሓዘ ተሓቢሩ'ሎ።

ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብቲ መድረኽ ደይቦም ንቀ/ሚ እንዳጸውዑ የመጉስዎም ኔሮም።

ቀ/ሚ አብይ ድሕሪ'ቲ ፍንጀራ ብቴሌቭዥን ንህዝቢ ኣብ ዝተዛረብሉ እዋን ኣብቲ አደባባይ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ማልያ ለቢሶም ኔሮም።

ንቀ/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ፍንጀራ ከምዘጋጠመ ኣብ ሰባት ጉድኣት ከምዘውረደን ዝቆሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱን ወኪል ድምጽ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

እቲ ፍንጀራ እንታይ ዓይነት ፍንጀራ ምኳኑ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ቀ/ሚ መደረኦም ዛዚሞም ቦትኦም ምስ ሓዙ ኣወሃሃዲ መደብ ዝቕጽል መደብ ከፋልጥ ኣብ ዝጀመረሉ ህሞት'ዩ እቲ ፍንጀራ ተሰሚዑ። ኣብ ከባቢ'ቲ ፍንጀራ ዝበጽሓ ወኪልና ናይ ደም ነጠብጣብን ዝወደቐ አሳእንን ከምዝረአየን ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱ ከምዝተሓበሮን ነጊሩና አሎ።

ኣብዚ ሰዓት'ዚ እቲ ኩነታት ዝተረጋገአ ምዃኑን በብመዳዩ ንድጋፍ'ቲ ሰልፊ ዘንጸባርቑ ጭፈራታት ቀጺሉ ከምዘሎ ወኪልና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ሓድሽ ምዕባለታት ተኸታቲልና ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።
 
Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ንቀ-ሚ-አብይ-አሕመድ-ድጋፍ-ንምሃብ-ኣብ-ዝተጸወዓ-ሰልፊ-ፍንጀራ-ከምዝተሰምዐ-ተሓቢሩ/4451368.html
Last modified on Saturday, 23 June 2018 12:32