ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ኣብ መድረኽ መንእሰያት ሰዲህኤ

2018-06-17 08:10:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2198 times

ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ናይ ሕጊ ምሁርን ኣብ ጉዳይ ተቓውሞ ኤርትራ ንጡፍ ተሳታፍን ብ16 ሰነ 2018 ኣብ መድረኽ ዘተ (ፓልቶክ) ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ተዓዲሙ ኣገዳስቲ ኣስተምህሮ ሂቡ። ዶ/ር ዳንኤል ኣብቲ “ህልዊ ኩነተ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብነቐፈታዊ ዓይኒ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ ኣስተምህሮ፡ ነቲ ቀጻሊ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብምዕራፋት ከፋፊሉ ኣቕሪብዎ። ንሱ ጉዳይ ተቓውሞ ኤርትራ ብስምዒት ዝንገር ዘይኮነ፡ ዕቱብ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ጠቒሱ፡ ንተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ በብመድረኹ ንምርኣዩ ንክሕግዞ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ከፋፊሉ ኣብሪህዎ። በቲ ኣጠማምታኡ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ 1991 ክሳብ 2001፡ ካለኣይ ምዕራፍ ካብ 2001 ክሳብ 2011፡ ሳልሳይ ምዕራፍ ከኣ ካብ 2011 ክሳብዚ ሕጂ ዘለና ሃለዋት ብዝብል ዘርዚርዎ።

ኣብዚ መግለጺኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ በቲ ሓደ ወገን እናዛየደ ዝመጸ ግፍዕታት ህግደፍ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎን ምዕብልናን መምስ ምኽንያቱ ዘርዚሩ። ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ እቲ መስርሕ ተቓውሞ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክምዕብል ምስ ጸነሐ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ድኽመታት የርኢ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ናይቲ ምድኻም ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ንሱ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ንክዳኸም ከም ምኽንያት ካብ ዘቕረቦም። ነቲ እትሰማመዓሉ ኣቐዲምካ ኣብኡ ብሓባር ክትሰርሕን ነቲ ዝፈላልየካ ከኣ ኣወንዚፍካ ንቕድሚት ክትስጉም ዘይምብቃዕ፡ ግጉይ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሕድሮ ዘሎ ናይ ምርሕሓቕ ተጽዕኖ፡ ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ዝሳተፉ ኣካላት ገለን ዓቕሚ እንዳሃለዎም ግዜ ምስኣን ገለን ድማ ግዜ እንዳሃለዎም ዓቕሚ ምስኣን፡ ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዘመዝገብካዮ ዓወት ከተቐጽል ዘይምብቃዕ፡ ዕንቅፋት ይፈጥሩ ከም ዘለዉ ብኣብነታት እንዳሰነየ ገሊጹ። እዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ከም’ዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ተስፋ ምቑራጽን ከም ናይ ሶማልያ ተመኩሮ ዝኣመሰል ምብትታን ከየስዕብን ዘለዎ ስኽፍታ’ውን ጠቓቒሱ።

እዚ ኩነታት ነቲ ስቕ ኢሉ ዝዕዘብ ዘሎ ሓፋሽ ናይ ለውጢ ተጠቃሚ ኣብቲ ስቕታኡ ንክቕጽል ከም ዘተባብዖ ዝገለጸ ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ፡ ከምዚ ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ካብ ህዝቢ ርሒቕካ ዝካየድ ተቓውሞ ጸገም ከጋጥሞ ናይ ግድን ምዃኑ ምስ ጠቐሰ፡ ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ጐስጒስካን ወዲብካን ዲያስፖራዊ ኮሚኒቲ ብምፍጣር ክምላእ ከም ዝግበኦ ጠቒሱ። ኣብዚ መዳይዚ ዝካየድ ቃልሲ ኣዕጋቢ’ኳ እንተዘይኮነ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ ናይ ምምዕባሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዶ/ር ዳንኤ ብዛዕባቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ናብ ሰላም ዝወስድ ምብርባር እውን ንእገረ መንገዱ ጠቒሱ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ተበግሶ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ምስዓቡ ከምዘድሊ ጠቒሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ንክቕጽል ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብ ሰላም ስለ ዘይርባሕ ክሕግዝ እትጽበዮ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ብተሳተፍቲ ንዝቐረብሉ፡ ጉዳይ ተሳትፎ ምሁራት፡ ጉዳይ ኣድላይነት ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ካብ መጀመርትኡ፡ ጉዳይ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ፡ ጉዳይ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን ዘነውሩ ወገናት ብዝምልከት ንዝቐረብሉ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ።

Last modified on Sunday, 17 June 2018 10:12