መግለጺ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ዓመጽን ኣድልዎን

2018-03-12 06:52:13 Written by  በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2028 times

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ብደረጃ ዓለም ንመበል 107 ግዜ፡ ይበዓል ኣሎ፡ እዚ በዓል እዚ ን ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ፍሉይ ትርጉም እኳ እንተተገበአ፡ ብሰንኪ ምሕደራ ህግደፍ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ዓመጽን ኣድልዎን ድርብ ወጽዓን ንዝክሮ ምላውና ቃልስና ከነሐድስን፡ልዕልና ሕጊ ንምንጋስ ክንሰርሕ፡ ድርብ ሓላፍነት የሰክመና።

ኤርትራውያን ደቀ ኣንስትዮ፡ ወሃ ዘበለ ታሪኽ ዝሰርሓ፡ ኣብ ጎድኒ የሕዋተን ኮይነን ስረን ጋምባለን ወድየን ዝናረን ዓጢቐን ጸላኢ ዘባረራ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይነን ሓያል ደገፍ ብምግባር ቃልሲ ከምዝቀላጠፍ ዝገበራ፡ ጀጋኑ ወሊደን መሪቐን፡ ኪድ ዝወደይ እሾኽ ኣይውጋእካ ዓወት ሒዝካ ተመለስ ኢለን ዘፋንዋ እየን።

ሎሚ ግን፡ ሳላ ህግደፍ እንታይ ተሳኢኑ፡ እዚ ኩሉ ኣበርኩቶን ተወፋይነትን፡ ገደል ኣትዩ። ይትረፍ ዶ ክብረትን ምጎሳን ክትረክብ፡ እቲ ንቡር ንማንም ሰብ ዝግብኦ ክብሪ ሲኢና፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና፡ መፍሊሒት ቡን ብዕሉጋት ሰበስልጣን፡ ኮይና ኣብ ዝይፈልጥኦን ዘይሓሰብኦን በ ኣስገዳድ ይዕመጻን፡ ካብኡ ሓሊፉውን፡ ኣብ ዕሸል ዕድሜአን ጠኒሰን መጻኢኣን ጸልሚቱ፡ ኣብ ልመናን ምንዝርናን ተዋፉረን ይርከባ፡ ጥራይ ዘኮናስ መላገጺ ካብ ዲያስፖራ ዝኸዱ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዳኸርቲ፡ ስርዓት ኢሰያስ ኮይነን ይርከባ ኣለዋ። እዚ ኩሉ ግን ሕመቕና ዘንጸባርቕ እዩ። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ኩሉ ፍልልያትና ከም ጸጋ ተቐቢልና፡ ዘለና ዓቕሚ ኣወሃሂድና፡ ዕምሪ"ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ንምሕጻር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ፡በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ ከቢድ ለበዋ የመሓላልፍ።

ናይ ሎምዘመን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብመስዋእቲ ሓትበኛ ሃይል ወልደትንሳአ (ድሩዕ)፡ ከምኡውን፡ ክቡር ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር፡ ክሊትኦም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኢሰያስ፡ ኣብ ዝዓረፉሉ እዋን ንዝክሮ ብምህላውና፡ ፍሉይ ይገብሮ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን እንዳ ገለጸ፡ ሕጅውን ብሓያል ጥርናፈ ንቕድሚት ብምግስጋስ፡ ነቶም ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ማሕዩር እዚ ኣረምየናዊ ስርዓት ኮይኖም ዕለተ ሞቶም ዝጽብጽቡ ዘለው ሓርበኛታት፡ ተስፈኦም ካባና ስለ ዝኾነ፡ ውዳቤና ኣሐይልና ንለውጢ፡ ክንሰርሕ፡ ንላቦ።

ሎሚ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ፡ይኸይድ ምህላው ካብ ዓይኒ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን፡ ስለዝኾነ፡ እዚ ማሕበር በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ መቃለሲ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተሳትፎኡ ብምዝይድ ሓባራዊ ስራሕ ይጽበዮ ከምዘሎ ብዝኽኻር፡ ብፍላይ፡ ከኣ መንእሰያት፡ ተረከብቲ ታርኽ ስለዝኾኑ፡ ዝያዳ ሓላፍነት ክስከሙን መሪሕ ተራ ክጻወቱን ናይ ወትሩ ጻዊዒትና፡ ለበዋናን እዩ። እዚ መግለጺ ብምኽንያት መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ኮይኑ፡ ንዓና ን ደለይቲ ፍትሕን ማዓርነትን፡ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ከምዝኺነ፡ ክንዝክር ይግባእ።

እዚ ክቡር ዕለት'ዚ፡ የሕዋትናን ኣዴታትናን ኣብ ከምይ ኩነታት ከምዘለዋ፡ ገምጊምና፡ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ፡ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንኹለን ኤርትራውያን ደቀ ኣንስትዮ፡ ርሑስ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ክኾነለን እንዳ ተመነየ፡ ሓድነቱን ወዳቤኡን ኣሐይሉ፡ ብሓያል መንኮርኩር ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ከም ወትሩ ከይተሓለለ ክሰርሕ ምዃኑ፡ ይገልጽ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ን መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ዓመት መጸ ካብ'ቶም ብኽብሪ ዝዝክረን ሃገራውያን በዓላት እያ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሉ ሕሉፍ ኣበርክቶን ተወፋይነትን ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ ዘለዎ ክብርን ሞጎስን ግምት ብምሃብ፡ ን መዓልት ቶጎርባውን፡ ብተመሳሳሊ ዕለት፡ ማለት ምስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ኣወሃሂዱ ዓመት መጸ ብኽብሪ፡ የብዕል። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ከይሰልከኹም ንሓርነታዊ ቃልሲ ዕዙዝ ኣበርክቶ ትገብሩ ዘለኹም፡ ርሑስ በዓል ቶጎርባ ንብል።

ሓድነትና ዋሕስና እዩ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
9 መጋቢት 2018


Last modified on Monday, 12 March 2018 08:06