ወጽዓን ወጻዕትን

2018-01-03 19:39:01 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2139 times

ትርጉም ወጽዓን ወጻዕትን ኣይኮነንዶ ንዓና ብሰንሰለታዊ ስርዓታት ብበዓይነቱ ወጽዓ ክድህከና ዝጸንሐን ዘሎን ኤርትራውያን ንካለኦት እውን ብሩህ እዩ። ቅድሚ ናብቲ ትርጉሙን ስንብራቱን ምስጋርና ወጽዓ ብዘይ ሃንደስቱን መራሕቱን  ወጻዕቲ ህልውና የብሉን። ወጽዓ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ይገፍፍ። ንኹሉ ነገራት ብናቱን መሳርሕቱን ጥራይ ይዕቅኖ። ነዚ ንዝቃወሙ ወገናት ከኣ ኣንጻር ረብሓኦም ተሰሊፎም ከተግብርሉ የገድድ። ኩሉ ናይ መገደዲ መሳርሕታት ዝጥቀም ረጋጺ እዩ። ወጽዓ ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ዘተኩር ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን መዳያት ኣእዳዉ ይሰድድ። ወጽዓ ብሓፈሻ ባህርኡን ተግባሩን ከምዚ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ከከምቲ ዝትግበረሉ ግዜን ናይቲ ወጻዒ ባህርን ህርፋንን ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነስ ናይ ኣተገባብራ ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል።

ወጽዓ ብናይ ሓደ ሰብ ዊንታ ጥራይ ዝውነንን ዝትግበርን ዘይኮነ፡ ኣብ ወጽዓ ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ብዝመረጽዎ መልክዕ ተጠርኒፎምን ነቲ ጥርናፈኦም ሰይሞምን ሕጋዊ መልክዕ ኣጐልቦቦምን ናይቶም ዝውጽዕዎም ሓለይቲ እንዳተመሰሉ  ዘተግብርዎ ሓደገኛ መስርሕ እዩ። ነዚ ከተግብሩ ድማ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተኾይጦም ንኹሉ መሳለጢ መሳርሕታት ይግብቱ። ኮታ ወጽዓን ወጻዕትን ሓደ ብዘይቲ ሓደ  ህልወና ዘየብሎም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። እቲ ኣሰላልፋ ከኣ ኣብ ላዕሊ ውሑዳት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብ ታሕቲ ድማ ግዳይ ናይቲ ወጽዓ ዝኸውን ሓፋሽ ህዝቢ እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ኩነታ ኣብ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ሰንሰለታዊ መስርሕ ተራእዩ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ግዜቲ ልዕሊ ጉዳይ ህዝብን  ሃገርን ጸቢብ ረብሓኡ ዝሰርዕ ጉጅለ ህደፍ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ከምቲ ወጽዓን ወጻዕትን ነጻጺልካ ዝረረአ ህልውና የብሎምን ዝበልናዮ፡ ወጽዓን ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓን እውን ማዕረማዕረ ዝስጉሙ እምበር ወጽዓ በይኑ ቀሲኑ መድረኽ ዝውንነሉ ኣጋጣሚ የለን። እቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ቃልሲ ማዕረ ምረት እቲ ወጽዓ በሪኹ ኣብ ዘይወጸሉ ግና ወጽዓ በይኑ ብሒቱ ከምዘሎ ከምስል ይኽእል። ኣብቲ ክውንነት ተመጺኡ ግና ስፍሓቱን ዕምቆቱን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክብ ለጠቕ ዝብል ኮይኑ፡ ወጽዓ ክሳብ ዘሎ ኣንጻር ወጽዓ ፈኸም ዝብል ቃልሲ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩን ክብሩን ከም ዝፈቱ፡ ዛንታ ዘይኮነ፡ ንካለኦት ወገናት’ውን ኣርኣያ ብዝኸውን መስዋእትነት ኣረጋጊጽዎ እዩ። እንተኾነ እነሆ ሞሳ ቃልሱን መስዋእቱን ኣደዳ መወዳድርቲ ዘየሉ ወጽዓን በደልን ክይኑ። ነዚ ወጽዓ ዘወለዶ እቲ ንሱ ንክብሪ ሃገሩን ልኡላውነቱን ዘካየዶ ቃልስን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ዘይኮነስ፡ በሓቲ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳያት ከየደባለቐ፡ ብናጽነቱ እንዳተሓበነ ኣንጻር ወጽዓ ይቃለስ ኣሎ። ምስ ኩሉ ሕጽረታቱን ሓላፍ ዘለፍ ኣጠማምታትን ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘአልዎ ኣይኮነን። ንጁጅለ ህግደፍ ንምሕራቕን ምርካብን ኢሉ ንክብሪ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ሓይሊ የለን። ምናልባት ኣሎ ተተባህለ እውን ገለ ከምቲ “ ካብ ቡል ጥረ” ዝበሃል እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንሓይሊ ተቓውሞኡ ዝውክል ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ግና ንነብሱ ከም ናይ ውሱናት ናይ ወጽዓ ተረባሕቲ ምትእኽኻብ ዘይኮነ፡ ከም ከም ተሓላቒ ክብርን ሉኡላውነትን ኤርትራ ስኡሉ ስለ ዘቕርብ፡” ነዓይ ዝተንከፈ ንክብርን ሉኡላውነትን ኤርትራ ከም ዝተንከፈ” እንዳበለ እዩ ዘፈራርሕን ዝሕባእን። ኣብቲ ሓቂ እንተመጻእና ግና፡ እቲ ሓላፊ ጉጅለ ካልእ እዩ፡ ነባሪ ክብርን ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ከኣ ካልእ እዩ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ መስርሕ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ንወጻዕቲ ምምራቕን “ጽቡቕ ኣለኹም” ምባልን ዝከላ ኣይኮነን። ክንምርቖም እንተኮይና ከኣ ኣንጻር ወጽዓ ንቃለሰሉ ምኽንያት የብልናን። ንወጽዓ ኣብ ባይታ ዝከላኸለሉን ዝትግብሮም ኣካል ከም ዘየብሉ ኣብ ንፋስ ምንጥልጣሉ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ነቶም ነቲ ወጽዓ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣካላት “ናብ ሕጊ ነቕርቦም” ምባል ተሪፉስ ነቀባጥረሎም እንተ ኢልና ነቲ ንቃለሶን ንቃወሞን ንብሎ ወጽዓ ዝያዳኦም ናትና ኢልና ርዒማዮ ኣለና ማለት እዩ ከስምዕ።

ኣንጻር ወጽዓ ተቓሊስካ ምዕዋት ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ እምበር ኣብ ውሱን ግዜ ብውሱናት ሰባት ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ነዚ ክትበቅዕ ድማ ኣብቶም ናይ ለውጢ ባእታታት ንወጽዓ ዘውግዝ ኣተሓሳስባ ክሰርጽ ናይ ግድነት እዩ። እዚ ዝሰረጸ ኣተሓሳስባ ኣብ ፍረ ንክውዕል መሪሕ ክድልዮ ናይ ግድን እዩ። ነቲ ወጽዓ ዘይቅበል ኣተሓሳስባ ወጻዕቲ መሪሖም ከዕውትዎ ማለት ዘበት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዋና ናይ ጸረ-ወጽዓ ኣተሓሳስባ ክመርሖ እንተኽኢሉ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ክዕወት ዝኽእል። እዚ ማለት ግና ዘተኣማምን ኣተሓሳስባ ከየንጸካ ስለ ዝመራካ ጥራይ ትዕወት ማለት ኣይኮነን።

Last modified on Wednesday, 03 January 2018 20:42