ፓርላማ ሆላንድ፡ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕጾ ድርኺት ይገብር ኣሎ

2017-12-21 19:31:53 Written by  ብማርቲን ፕላዉት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3045 times

Parliament in Holland

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

 

ፓርላማ ሆላንድ፡ ኣብ ድሒሩ ዝተረኸበ ጭብጥታት ተመርኲሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ   ኤርትራውያን ዝገብሮ ዘሎ ተጽዕኖታት እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ክውሃቦ ከምዝግባእ ንምውሳን ይካትዓሉ ኣሎ።

 

ሓድሽ ጭብጥታት

ቀዳም፡ ኣብ ኣርጎስ ራድዮ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት፡ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ 2% ቀረጽ ክኽፈልን ናይ ጣዕሳ ሰነድ ክፍርምን እናተገደደ እንከሎ ዘቃልዕ መደብ ረድዮ ክፍንዉ ኢዮም። እዚ ናይ ኣስገዳድ ተግባር ደው ክብል ሰበስልጣን ሆላንድ ደጋጊኦም ንመንግስቲ ኤርትራ ከዘኻኽሩ ጸኒሖም ኢዮም።

 

ገለ ክፋል ካብ’ቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓድሽ ጭብጢ ድሮ ናብ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ መደብ፡ ብፊልም ዝተቐርጸ ኰይኑ፡ ሓላፊ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ፡ ነቲ ስደተኛ 2% ግብሪ ክኸፍልን ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልእን ከገድዶ እንከሎ ተቐሪጹ ኣሎ።

 

እንተደኣ፡ ከም’ቲ ዝተባህሎ ዘይፈጺሙ ድማ፡ እቲ ካብ መንግስቲ ዝደልዮ ዘሎ ሰነዳት ክውሃቦ ከምዘይኰነ ተነጊርዎ። እቲ ሓላፊ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዝዀነ ሰብ ናይ ጣዕሳ ፎርም ከይመልአን ከይፈረመን ዝዀነ ይኹን ኣግለግሎት ኣይግበረሉን ኢዩ። ነዚ ጐሲኻ ምኻድ ፈጺሙ ኣይከኣልን ኢዩ ይብል።

 

ላት ፓርላማ ሆላንድ ቍጥዐኦም ይገልጹ

ፓርላማ ሆላንድ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ሰለስተ ርእይቶታት ተመያይጡ። እቲ ርእይቶታት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ክዕጾ ኣለዎ ዝብል ክሳብ 2% ቀረጽ ምኽፋል ዘድሊ ምርምር ድሕሪ ምክያድ ሕጋዎ ኣይኰነን ናብ ዝብል ውሳኔ ክብጻሕ ኣለዎ ዝብል ነበረ።

 

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝገብሮ ጸቕጥን ምፍርራሕን ከቋርጾ ደጋጊሙ ተነጊርዎ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሎ ምህላዉ፡ ወከልቲ ኵለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ፓርላማ ሆላንድ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዘሎ ገሊጾም።

 

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ መንግስቲ ሆላንድ እዚ ደው እንተዘይሉ፡ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና ምባሉ ዝዝከር ኢዩ። “ብምፍርራሕን ዘይሕጋዊ ናይ ምግዳድ ተግባርን 2% ቀረጽ ከምዝኽፈል ዘሎ ዘረጋግጽ ጭብጥታት እንተደኣ ረኺብና፡ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ክሳብ ምውሳድ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና” ዝብል ወግዓዊ መብጽዓ ብመንግስቲ ሆላንድ ተዋሂቡ ነይሩ ኢዩ።

 

ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ ሃልበ ዚልስትራ፡ ምዕጻው ናይ ኤምባሲ፡ ምሉእ መረጋገጺ ዝጠልብ ኣዝዩ ዓቢ ጕዳይ ኢዩ ኢሉ።

 

 

ኣቶ ዚልስትራ፡ ብዛዕባ ተኽእሎ ናይ ብኣኽባር ሕጊ ኣቢልካ ዕላዊ ክሲ ምቕራብ ምዝርራብ ከምዝከኣል፡ ከምኡ’ውን፡ ምስ ኣምባሰደር ኤርትራ ኣብ ብራስልስ ነቲ ጕዳይ እንደገና ከልዕሎ ድሌት ከምዘለዎ ኣተንቢሁ።

 

ፓርላማ፡ ኣብ’ቲ ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ሎሚ ሓሙስ ድምጺ ክህብ ኢዩ።

 

ትሕዝቶ ናይ ብረድዮ ኣርጎስ ተቐሪጹ ዘሎ ዝርርብ

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ ኣነ ክፍርሞ ዝሕተት ዘለኹ ሰነድ፡ ኣነ ናይ ፈጸምክዎ ጌጋታት ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ክወስድ ድልዊ ምዃነይ አረጋግጽ ስለዝብል ዘሎ፡ ብዛዕባ’ዚ ክሓስብ ግዜ ሃበኒ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ። እንታይ ማለተይ ምዃኑ ተረዲእካኒ’ዶ?

 

ሰለሙን መሓሪ (ሓላፊ ኤምባሲ)፡- ኣይተረድኣንን። ኣነ ፍልይ ዝበለ መረዳእታ ኢዩ ዘሎኒ። እቲ መንግስቲ፡ ነዚ ንዓኻ ክሕግዝ ወይ ክጠቅም ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ሐራይ በል ክሓስበሉ ኢየ። ንዝገበርክዎ ጌጋ ዝግባእ መቕጻዕቲ ክውሃበኒ እቕበል’የ ስለዝብል ዘሎ፡ እቲ መቕጻዕቲ ናይ ሞት ብይን እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለ’ዚ ክሓስበሉ ፍቐደለይ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ዝዀነ ሕልና ዘለዎ ሰብ ንዝፈጸሞ ጌጋ ኣሉ ክብል ኣይክእልን ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኢዩ ዝሃድም ዘሎ። ኣነ ድማ፡ ካብኡ ዝተፈልየ ነገር ኣይፈጸምኩን። ስለ’ዚ፡ ኣነ እናሓሰብኩሉ ከለኹ፡ እቲ ዝጠልቦ ዘለኹ ሰነዳት ክዳለወለይ ይኽእል’ዶ ይመስለካ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ኣይዳለወልካን ኢዩ። እዚ ኣነ ዝውድኦ ጕዳይ ኣይኰነን። ኣነ፡ እቲ ኵሉ ሰብ ከማልኦ ዘለዎ ጠለባት እነግረካ ኣለኹ። ዝዀነ ንሃገሩ ራሕሪሑ ዝመጸ ሰብ ነዛ ናይ ጣዕሳ ሰነድ ክመልኣ ኣለዎ። ነዚ ከይገበርካ ዝሳለጠልካ ዝዀነ ይኹን ነገር የለን። ብድሕሪ ነዚ ምፍጻምካ ግን ዘድልየካ ኣገልግሎት ክንገብረልካ ኢና።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ ሰነድ ግን ሕጂ የድልየኒ ኣሎ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ኣይውሃበካን ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ሕጂ ልደት ይኣቱ ኣሎ። ምስ ደቀይ ከብዕሎ እደሊ ኣለኹ። ክኸፍሎ ዘሎኒ ኣማሊአ፡ ናይ ጣዕሳ ሰነድ እንተዘይፈረምኩ’ኸ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ኣይውሃበካን ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ስለ’ዚ ሰነድ ኣይውሃበንን ኢዩ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ቅድም ናይ ጣዕሳ ሰነድ ፈርም። ብድሕሪኡ ድማ ካባኻ እንጽበዮም ነገራት ከነስዕበልካ ኢና።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ዝዀነ ኣገልግሎት ዝደሊ ሰብ ነዚ ትብሎ ዘሎኻ ክፍጽሞ ኣለዎ ማለት ድዩ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- እወ፡ ድሕሪኡ ድማ ፍሉይ ካርድ ክውሃበካ ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ 2% ግብሪ ብሓደ ግዜ ድየ ክኸፍሎ ዘሎኒ? ኣነ ን4-5 ዓመታት ዝኸውን ሰሪሐ ኣለኹ። ኣብ ሕሳብ ባንከኻ ገንዘብ እንተደኣ ዘይብልካ ትገብሮ ነገር የብልካን። ሽግር ኢዩ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ስምዓኒ፡ ክሳብ ሕጂ ከይከፈልካ ምጽናሕካ ናትካ ጌጋ ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ ግብሪ ምኽፋል ብወለንታ ኢዩ ዝብል ዘረባታት እሰምዕ ነይረ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- እወ፡ ብወለንታ ኢዩ። ኣብ ሆላንድ 10 ሽሕ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ ፍርቆም እንተደኣ ከፊሎም፡ ናይ’ቶም ዝተረፉ ንምእካብ ገዛ ገዝ ኣይንኸይድን ኢና። ግን፡ ዝዀነ ሰብ ገለ ኣገልግሎት ካብ’ታ ሃገር ክግበረሉ ሓቲቱ፡ እቲ ሰብ ነቲ ዝሕተቶ ዘሎ ከማእል ኣለዎ። ኣብ’ዚ ዘረባና ደው እንተበልና’ዶ ይሓይሽ?

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- በብቝሩብ ምኽፋሉ ይከኣል’ዶ ይመስለካ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ከምኡ ዝብሃል ነገር የለን። ሎሚ ሓሙስ ኢዩ። ቀዳመ ሰንበት ኣሕሊፍካ ሓሲብካ ተመለሰኒ።

Last modified on Thursday, 21 December 2017 23:34