ዕማም ስራዊት ምክልኻልሃገር

2017-10-23 16:03:51 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2549 times

ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓሊሳ ነጻነታ ዘውሓሰት ሃገር፥ ንልኡላውነታን ልኡላውነት ህዝባን ዝሕሉ ሰራዊት ክትሃንጽ ናይ ግድን እዩ። እዚ ዝህነጽ ሰራዊ፡ ትካል ናይ ሃገር ከም ምዃኑ መጠን ምልክት ወይ ከኣ ሕላገት ናይ ህዝቢ እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እቲ ሰራዊት ክኸብርን ክምጎስን ይግበኦ። ከምይሲ ነታ ሃገር ካብ ዝኾነይኹን ደጋዊዲዩ ውሽጣዊ ተጻባኢ ሓይሊ ዝኸላኸል ንሱ ስለ ዝኾነ።

ሰራዊት ብመሰረቱ ጽጥታን ሰላምን ናይታ ሃገርን ህዝባን ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፥ ህዝቢ ክግፋዕን ክጭቆነን እንከሎ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ስቕ ኢሉ ዝርኢ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰራዊት ነቲ ቅዋም እታ ሃገር ንኽከላኸል ምሒሉ ስለ ዝስለፍ። ከም ማሕላኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ንዝግበር ወስታታት እዩ ዝከላኸል። በዚ መሰረት ንህዝቢ ከገልግልን ንሃገር ከድሕን እዩ ቀንዲ ዕማሙ።

ልክዕ እዩ፥ ሎሚ ኣብ ሃገርና “ቅዋም ኣሎዶ?” ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። ብርግጽ ኣብ ሃገርና ህዝቢ ዝድገፎ ቅዋም የለን። እቲ ዝነበረ ደሓር ከኣ ሞይቱ ዝተባህለ ቅዋም እንተኮይኑ ናይ ውልቀ ሰብ ገባርን ሓዳግን ስርዓት እዩ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ጥራይ ዝተራእየ ኣይኮነን። ብዙሓት ሃገራት ብኡኡ ኣቢለን ዝሓለፋ ኣለዋ። ኣብ ከምዚ ህሞት እቲ ሰራዊት ከመይ ኣቢሉ እዩ ትካል ናይ ሃገር ክበሃል ዝብል ናይ ሕቶ ምልክት ይልዓል እዩ። እወ! እታ ሃገር ቅዋም የብላን፥ ይኹን እምበር ከም  ሃገር  ኣላ።  እዛ ሃገር ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ስርዓት ትመሓደር ኣላ ብዘየገድስ ክትህሉ እንተኾይና እቲ ሰራዊት ዋልታ ሃገር ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።

እቲ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ዝመሓደር ሰራዊት ብትምህርትን ብሞያን ዝተመልመለ ስለ ዘይኮነ፡ ኩሉ ነቲ ስርዓት የገልግል እዩ ማለት ኣይኮነን። ቅዋም ተኸቲሉ ዝኸይድ ሰራዊት ኣብ ሃግርና ኤርትራ ገና ኣይተመስረተን ዘሎ። ኮይኑ ግን “ጭሩብ ዓቕማ ትሕጐም ብብርዒ ስመም” ከም ዝተባህለ እታ ሃገር በቲ ዘለዋ ሰራዊት ክትግልገል ናይ ግድን እዩ። ይኹን ኣምበር በቲ ኣተሓሳስባን ተኣዛዝነትን ንባዕዳዊ መግዛእቲ ተዋጊኡ ዓዲ ዝኣተወ ሰራዊት በታ ዝነበርቶ ርድኢት መጠን ክጓዓዝ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከም ዝተራእየ ሰውራዊ መንፈስ ክሓድሮ ስለ ዝኽእል ንጭቆና ህዝቡስ ስቕ ኢሉ ከምዘይርኢ ብሩህ እዩ።

ነዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣብ ጭቆና ረብሓ ዘየብሉ ሰራዊት፡ ከም መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ገርካ ምርኣይ ወይ ምውንጃል፡ ነቲ እቲ ሰራዊት ዝብደሎን ዝጭቆኖን ሓቀኛን ርኡይ ሽግራትን ጸገማትን ዕሽሽ ኢልካ ከም ምሓልፍ እዩ ዘመልክት። እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቁጠባውን ማሕበራውን ሃስያታት ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ እንተዀንና፥ ንብምሉኡ እቲ ምክልኻል ሃገር ጨቋኒ እዩ ንብል ኣሎና እዩ ዘስምዕ። እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ዋላእኳ ትካል ሃገር ኮይኑ ዓንዲ ናይቲ መንግስቲ እንተኾነ ብምሉኡ እቲ ሰራዊት ብምንም ዓይነት ኣገልጋሊ ናይቲ ስርዓት ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።

እወ!  ኣብ ውሽጡ ላዕለዎት ሰብ መዓርግ ኮይኖም ውልቃዊ ተረባሕቲ፥ ምዃኖም ንጹር እዩ። ብሰንክዞም እዞም ውሑዳት ህዝቦም ዝኸሃዱ ሰብ ጽሩራ መላእ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክኹነን ግን ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ እዚ ሃገራዊ ትካል እዚ ንመጻኢ ህንጸት ሃገር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ግዜ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ጸጥታኣ ዘይተሓለወ ሃገር ኣብ ህንጸት ገጻ ክተድህብ የጸግም እዩ። ምኽንያቱ፥ ጸጥታ ምስ ዝዕቀብ ነቶም ንህንጸት ሃገር ኣገደስቲ ዝኾኑ ባእታታት፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ፍትሕን ቁጠባዊ ዕቤት ሃገርን፥ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ክም ዝዓኩ ይገብር። እዚኦም ኣብ ግዜ ቅልውላው ንኸይዓንዉ ዝከላኽል ድማ እቲ ሰራዊት ናይታ ሃገር እዩ።

ስለዚ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነዚ ኣብ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ዓቢ እጃምካ ምዃኑ ተረዲእካ፥ በዚ ንሕድሪ ስውኣት ዝጠለመ፥ ወግሐጸብሐ ብሽፈጥ ዘተስፍወካ መላኺ ስርዓት ኣይትተሃመል። ናይ መለኽቲ ስርዓታት ባህሪ ስለ ዝኾነ ከኣ ልዕሊኡ ነቒሕካ ክትጸንሕን ጽባሕ ንግሆ እታ ሃገር ክሳብ ቅዋም ኣጽዲቓ ህዝባዊ መንግስቲ ዝትከል ናይ ጸጥታ ምሕላው ተራን ግዴታን ኣባኻ እዩ። በዚ ምኽንያት ንስኻ ምስቲ ውጹዕን ጭቁንን ህዝቢ ደው ንኽትብል መድረኽ ይጠልበካ ኣሎ። መጸዋዕታና ከኣ ነቕርበልካ። ከመይሲ ስርዓታት ከየድቲ እምበር ነበርቲ ኣይኮኑን። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ ኣድልዎን ሻራነትን ወጊድካ ነቲ ተቓዋማይን ይኹን ደጋፋይ ህዝብና ዘሳንን ዘተሓቛቚፍን ሃገራውነት ንኽዓዝዝን ክድልድልን ኣብ ምግባር ሰኸምካ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

 

Last modified on Monday, 23 October 2017 18:06