እቶም ሰብ ዋኒን ናብ ዋኒና

2017-10-14 21:09:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3086 times

ንሓደ መስርሕ ቃልሲ ንምዕንቃፍ ካብ ዝእለሙ ሓደገኛ ተንኮላት፡ ኣብ ቆይቁን ዘይመሰረታዊ ቶኽታዅ ሓሳባትን ዝተመስረተ ኣጀንዳታት እንዳመሃዝካ፡ እቶም ሰብ ዋኒን ኣንፈቶም ዘንጊዖም ኣብ ቆይቊ ከም ዝጽመዱ ምግባር እዩ። እዚ ንመሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራረሓታት ንቕድሚት ከይስጉምን ከይምዕብልን ዝዓግት ዕንቅፋት እዩ።

መጻኢ ዋኒን ሰዲህኤ ንድሕሪት ተመሊስካ ሕሩስ ምሕራስን ናይ ጣዕሳ መዝሙር ምኩምሳዕን ዘይኮነ፡ በቲ ዝሓለፈ ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተመኩሮ እንዳተመሃርካ፡ ንቕድሚት ምምዕዳው እዩ። ከምቲ ከም ውጽኢት ተኸታታሊ መሪሕነታዊ ኣኼባታት ኣካላት መሪሕነት ሰልፊ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብወግዒ ዝተነጸረ፡ መጻኢ ዋኒን ሰልፍና ቆይቊ ዘይኮነ፡ ሰልፋዊ ሃለዋት ምጽፋፍን ሓድነቱ ምሕያልን፡ ምቅልጣፍ መስርሕ ምሕዳስን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓወምቲ ዝዋሰኣሉ ሓባራዊ ሰፊሕ ጽላል ንክፍጠር እጃምካ ምብርካትን ዝኣመሰለን እዩ። ዕላማ ናይቶም ኣብ ቆቍ ክንሽከል ዝደልዩና ከኣ ብኣንጻሩ ነዚ መሰረታዊ ዋኒንና ገዲፍና ኣብቲ ሓሸውየኦም ክንጽመድ’ሞ መስመርና ክንስሕት እዩ። ከምቲ “ጉድጓድሲ ንኰዓቲኣ” ዝበሃል ኣቲ ዝተኸልዎ ናይ ሸንኮለል ጓይላ ባዕላቶም እምበር ንሕና እቶም ሰብ ዋኒን ከቶ ኣይክስዕሰዓሉን ኢና።

መሰረታዊ እምነታት ሰዲህኤ ካብ ዝኹኑ፡ መትከል ልዕልና ኣብዘሓ ድምጽን፡ ሚዛናውነት ደሞክራስን ጥርናፈን ከም መሳርሒ ኣብ ቃልሲ ጉባአና ዘጽደቖም፥ ንኹሉ ኣካላት ሰልፊ ዝምልከቱ መለለዪ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ እምበር ግዜ ዝሓለፎም  ምብራቓዊ ኣምራት ኣይኮኑን። ካብዚ ሓሊፉ እዚ መሰረታዊ መትከላት ነቲ ናይ ሎሚ ናይ ውሑዳት ጽባሕ ናይ ብዙሓት ናይ ምዃን ዕድል ዘለዎ ርኢቶ እውን ንክትግበር ዘይኮነስ፡ ንክስማዕ ባይታ ዝህብ እዩ። ኣብ ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ነቲ ብጉባኤ ዝተወሰነ ኣብ ግብሪ ዘውዕልን ሕጋዊ ውክልና ሰልፊ ዘለዎን እቲ ዝተመርጸ መሪሕነት እዩ። እዚ ማለት፥ ግቡእ መስመር ሒዝካ ክተስምዕ ጥራይ ዘይኮነ ክትሰምዕ’ውን ድልዊ ኮይንካ  ምስቲ ዝመረጽካዮ መሪሕነት ምትሕስሳብ ኣይግበረሉን ማለት ኣየስምዕን። እዚ ከኣ ነቲ ዝተወሰነ ኣብ ግብሪ እናተርጐምካ ነቲ ኣሎ ዝብሃል ጉድለት መእረምታ እትብሎ መተካእታ እናነቐስንካ ምብራህ፡ ምናልባት እውን ዕቃበ እናመዝገብካ ምጉዓዝ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዘለኻ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ። ኣብቲ ሕጋዊ መተሓሳሰብን መተሓሓዝን መድረኽ ምስ በጻሕካ ድማ ጉዳያት ብመሰረቱ ናይ ምቕያር ሕጋዊ መሰል ኣሎ። ኣብዚ’ውን ንብዙሓት ዝውክል ሓሳብ ብምምዕባል እምበር ዋላ ውሑዳት ኩን ስለ ዝደረፍካዮ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ግዜ መሪሕነት ዝያዳ ሓለፋ ዘይኮነስ ዝያዳ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ከኣ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።

እቲ ብጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነትን ዝምረሓሉ መትከላትን ብናይ ውሑዳት ዘይርጉእ ስምዒትን ጸቢብ ድሌትን ዝሻበብ ዘይኮነስ ንኩሉቲ ኣብቲ ዝመርሖ ትካል ዘሎ ስምዒታት ኣጋማዲሑ እዩ ዝመርሕ። ከምቲ “ናብቲ እቲ ትደልዮ ጥራይ ከተማዕዱ እቲ ዝደልየካ ከይስእነካ” ዝበሃል ሓደ ከም ናይ ሰዲህኤ ዝኣመሰለ መሪሕነት  ሕጊ ተኸቲሉ ንዝቐርብ ርእይቶ  እናኣኽበረን መልሲ ንዘድልዮ መልሲ እንዳሃበን፡ ኣቐዲሙ ንዝተወሰነ  ዳግመ ርኢቶ ክገብር ዝድርኾ ቅድም ዘይረኣዮ ሓሳብ ምስ ዝቐርብ ክቕበል ወይ ክነጽግ ዘይገሃሰ ናይ ምምራሕ መሰሉ ንዝዃኑ፡ ንዝኾነ ናይ ውሳነን ኣወሳስናኡን መባእታዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ንጹር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ  ምእራም ኩሉ ከምቲ ዝደለኻ ጥራይ ከም ዝኾነልካ ምግባር ማለት ኣይኮነን። ምምራሕ እውን ከምቲ ገለ ስሱዓት ዝብህግዎ ደድሕሪ “ከምዚ ግበር” ዝተበሃልካዮ ዘብዘብ ምባል ዘይኮነ፡ ንንጉዳያት መሚምኻን ምስ ብዙሓት ተዛመድቲ ምዕባለታት ኣሳኒኻን ውሳነታት ምሃብ እዩ። ኣብቲ ውሳነ ዝዓግቡን ዝሕጐሱ ወይ ዘይዓግቡን ዝዕቀቡን ክህልዉ ከኣ ናይ ግድነት እዩ። ብመሪሕነት ዝውሰን ውሳነ ንኹሎም ዝምልከቶም ብማዕረ ዘዕግብ ናይ ምዃን ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እቲ ዘይዓግብ ኮነ ዝዓግብ ነቲ ውሳነ ከተግብርዎ ከኣ ምርጫኦም ዘይኮነ ግደታኦም እዩ። ንምእራምን ምምራሕን ካብዚ ወጻኢ ምግላጹ መስመሩ ዝሰሓተን ዘይቅቡልን ኣተረጓጉማ እዩ።

ብዙሓት ሓለይትን ግዱሳትን ኣባላት ሰልፍና እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ኣምራት ግቡእ ግንዛበ ንክረኽቡ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርን ዝልግስዎ ዘለዉ ማዕዳን ዝወጾ የብሉ። እንተኾነ ከምቲ “ማይ ነሃሰስ ጽሩይ ነይሩ መን እሞ ይሰትዮ” ዝበሃል ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ንጉዳያት ኣዘንቢዕካ ካብ ምቕራብን ጸለመን ዘይወጹ ኣካላት ከም ዘለዉ ንዕዘብ ኣለና።  ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትጽሕፍን ክትምድርን እንከለኻ ዕላማኻ ብዛዕባቲ ዘልዓልካዮ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ክርድኡ እሞ ደሓር ካብኡ ነቒሎም ናቶም ግንዛበ ንክወስዱ ሓበሬታ ምሃብ እምበር፡ ናይ ምምዝዛን ናጽነቶም ግሂስካ “ ስሬኻ ብርእስኻ” ምባሎም ኣይኮነን። ብሓጺሩ ንኣድማሳዊ ቅቡል ዲሞክራስያዊ ኣሰራራሓታት፡ ልዕልና ድምጺ ብዙሓትን፥ ንተማእዛዝነት ብውሳነ ላዕለዎት ኣየኽብርን ካብ ምባል ሓሊፍካ፡ ውሳነታት ጉባአ ሕጋዊ ኣይኮነን ናብ ምባል ገጽካ እንተ ተመጣጢርካ ናብቲ ንቡር ቦታ ክትምለስ ዘይከኣል’ኳ እንተዘይኮነ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንዓና ነቶም ንልዕልና ሕግን ሕጋውነትን እንሕለቕ ዝጽበየና ደድሕ ጉልባቡ ቀሊዑ ሕጊ ዝጥሕስ ምውጣት ዘይኮነ ዋኒንካ ምግባር እዩ’ሞ ናብ ዋኒና።

Last modified on Saturday, 14 October 2017 23:11