ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስን ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ሰነ-ኣእምሮን

2017-10-10 12:00:53 Written by  ፍስሓ ናይር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2182 times

The struggle against Dictatorship and the Psychology of the Eritrean Politics

 

ዕላማ ናይዚ ሓተታዚ ኣብዚ እዋንዚ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ሰለምንታይ ኢዩ ካብዚ ዘለዎ ምንጽጻግን ኣብ ሓድሕድ ምንእኣሰን ክወጽእ ዘይከኣለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 15 ዓመታት ቃልስና ኣብ በቦታኡ ዝጓነፈና ዘሎ ንምብራህ ኢዩ፡፤

ኣብ መንጎ እቶም ተቃለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወይ ድማ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክርስያዊ ስርዓት ንምትካል ዝጓነፎ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታት፣ ከምቲ ፕሮፈሶር ሃንቲንግቶን ኣብቲ ብዙሕ መጽናዕትታቱ ኣብ ሳልሳይ ማዕበል ኣብ ዝብል ጽሑፉ ከም ዝገልጾ፣ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ማዕበላት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዙሕ ሓጐጽጐጽን ዕንቅፋታትን ስለዝገጠሞ ገሊኡ ዝተዓወተ ገሊኡ ድማ ኣብ መንጎ ከይተዓወተ ዝፈሸለ ኣሎ ይብል ንኣብነት ኣብቲ ሳልሳይ ማዕበል ብ 1974 ኣብ ሃገረ ፖርቱጋል ኣንጻር ምልክነት ቀጺሉ ድማ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኤውሮፓ ከም ንኣብነት፣ ስፓንየን ድሓር ድማ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ካብ 1970ክሳብ 1980 ዝተኻየደ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሳልሳይ ማዕበል ክጽዋዕ ብዙሓት ተመራመርቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይሰማምዑሉ።

እቲ ኣብ ግዜ ምውዳእ ዝሑል ኩናት ዝተራእየ ድማ ራብዓይ ማዕበል ይበሃል። ኣብዚ ማሪና ኦተወይ ዝብሃል ተመራማራይ ( Marina Ottaway) ”ኣፍሪቃዊ ደሞክራስያውነትን ለኒናዊ ምርጫን” ኣብ ዝብል ጽሑፉ ብዛዕባ ምትእትታው ደሞክርስያነት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓወቱን ፍሽለቱን ብዝብል ወድዓዊ/ Emprical ትንተና የቅርብ፡፤ ከምኡ እውን ክራው ፍሮድ ያንግ ( CrawfordYoung) ዝበሃል ተመራማራይ ሳልሳይ ደሞክራስያዊ ” ማዕበል ኣብ ኣፍሪቃ” ኣብ ዝብል ጽሑፉ፣” ጸገማትን ግርጭታትን፣ ምቛም መንግስትን፣ ባእስን ደሞክራስያን ኣብ ኣፍሪቃ)ብዝብል እቲ ዝተረኽበ ባእስን ናይ ሓድሕድ ኩናትን ቅንጸላን ሕርሕራይ ገሩ ይገልጾ። እስከ እዚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ኤርትራን ኣብ ከባቢ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቅን ዝካየድ ዘሎ ንስመዮ ”ሓምሻይ ደሞክራስያዊ ማዕበልክ” ናበይ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ካብ ዝብገስ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ከም ምኽትታለይን ምንባባይን ምስቲ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ደሞክራስያዊ ማዕበላት ከነጻጽሮን ከቀራርቦን ክፍትን ኢየ፣

እተን ዘትኩረለን ነጥብታት ድማ እዘን ዝስዕባ ኢየን፡፤

⦁ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎኸ ካብቲ ዝሓለፈ ናይቲ ኣርባዕተ ደሞክራስያዊ ማዕበላት ዝምድና ኣለዎዶ፣
መንቀሊ ናይዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝርኤን ዝጓነፈናን ዘሎ ናይ ሓድሕድ ምንጻግን፣ ምስትናዓቅን ካበይ ዝወረስናዮን ኢዩ፣

⦁ እዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ከምቶም ዝሓለፉ ማዕበላት ንገለ ሃገራት ዘዔወተ ንገለ ሃገራት ግን ኣብ ሓድሕድ ውግእን ፍሽለትን ዶ ከይከውን ካብተን ዝፈሸላን ዝተዓወታን እንታይ ክንመሃር ክ ኢልና፣

⦁ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ካብተን ካልኦት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ምልክነት ክሳቀያ ዝጻንሓኸ ብእንታይ ንፍለ፣

1. እዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎኸ ካብቲ ዝሓለፈ ናይቲ ኣርባዕተ ደሞክራስያዊ ማዕበላት ዝምድና ኣለዎዶ፣መንቀሊ ናይዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝርኤን ዝጓነፈናን ዘሎ ናይ ሓድሕድ ምንጻግን፣ ምስትናዓቅን ካበይ ዝወረስናዮን ኢዩ፣

እቲ ዝሓለፈ ደሞክራስያዊ ማዕበላት ኩሉ ብሰላማዊ ኣገባብ ኣይተወድኤን፣ ንኣብነት ናይ ፖርቱጋል ( Salazar) ይኹን ስፓንየን ( Francisco- Franco)ብዙሕ ደም ፈሲሱን ንብረት ጠፊኡን ኢዩ፣ እቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝተኻየደ እውን ብቀሊል ኣይኮነን ተ ዓዊቱ፣ንኣብነት ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ፒኖሸት( Pinochet) ክንደይ ሰብን ንብረትን ድሕሪ ምሕላቅ ኢዩ ኣብ ዕርቂ ዝኣተወ፣ እቲ ዝነውሔ ምልክነት ኣብ ፖርቱጋል ኢዩ ነሩ፣ ኣብ ሃገራት ምዕራባዊ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብተን ግዝኣት ፈረንሳይ ዝነበራ እውን ብ1990 ኣቢሉ ዳርጋ ኩሎም ምልካውያን ወተሃደራዊ ስርዓታት ፍሽለቶም ምስ ፈለጡ ነቶም ተቃወምቶም ተፈላጥነት ሂቦም ገሊኤን ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምሕደራ ዝተሰጋገራ ኣለዋ፣ ንኣብነት በኒን ትበሃል ሃገር ሓንቲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝተዓወተት ኢያ፣ ገሊኤን ድማ እቲ መስርሕ ደሞክራስያ ተዓንቂፉ ኣብ ምልክነት ተመልሳ። እቲ ብ2011 ካብ ቱኒስያ ጀሚሩ ናብ ግብጽን ሊብያን ቀጺሉ ናብ የመን ድሓር ድማ ናብ ሱርያ ዝቀጸለ እቲ ገና ዘይተወድኤ ማዕብል ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኢሎም ይገልጽዋ ተመራመርቲ ደሞክራስያዊ ማዕበላት። ካብዚኣተን እታ ሓንቲ ብውሑድ ክሳራ ናብ ደሞክራስያ ንምስግጋር ዝበቅዔት ሃገረ ቱኒስያ ጥራሕ ኢያ፣ እተን ካልኦት ግን ኣብ ኩናት ሓድሕድን ግርጭትን ስለ ዝኣተዋ እቲ መስርሕ ገና ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክሳገራ ኣይከኣላን፣ እቲ ምኽንያታት ካብቲ ዝጸንሔ ኣመሰራርታ መንግስትን፣ ፖሊቲካዊ ስልጣን ብሲቪላዊ ይመሓደር ስለዝነበረ እቲ ወተሃደር ኣብ ፖሊቲካዊ ስልጣን ቦታ ሰለዘይነበሮ ክኸውን ይኽእል ኢሎም ዝምስክሩ ኣለዉ፡፤

ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ እውን ንቃልሱ ምስቲ ናይተን ኣንጻር ምልክነት ናብ ደሞክራስያውነት ዝምድና ኣለዎ፣ ምኽንያቱ እቲ ምንጪ ግርጭት ኣብ ሕቶ መንግስታዊ ኣወዳድባን፣ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ሕንጸት ሃገር ሰለዝኾነ። እተን ኩለን ሃገራት ናጽነትን ምስተጐናጸፋ፣ እቲ ናጽነት መሪሑ ዝመጽኤ ነቲ ምስግጋር በቲ መስርሕ ሕዝባውን ደሞክራስያውን ክንዲ ዝመርሖ፣ ኣነ ኢየ ናጽነት ኣምጺኤልካ፣ኣነ ዝበልኩኻ ግበር ዝብል ትምክሕቲ ክንዲ ድልየታት ሕዝብን፣ ጠለባትን፣ ዝምልሽ ብኢደ ወነንኡ ነታ ሃገር ከምቃሕ ዝበሎ ክመርሓ ይብገስ፣ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ እታ ሃገር፣ ኣብ ትሕቲ ሕሱምን ጭካንን ውልቀ መላኺ ስርዓት ትሳቀ፣ ኤርትራ ሎሚ ከምቲ ማክስ ወበር ( Max Weber) ዝብሎ እታ ሓንቲ ከም ነጻ ሃገር ዘቁጽራ እቲ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሉዑላውነት እንተዘኮይኑ ከም ሃገር ናይ ሕዝባ ሉዑላውነት ዘይብላ፣ ማለት ከም ነጻ ሃገርን መንግስትን ዘፍልጣ እቲ ሰለስተ ዝተኣሳሰረ( Components) ትሕዝቶታት ንሃገር ሃገር ዘብላ/

መሰረታዊ ቅርጻ መንግስቲ- Physiscal basis of the state
ትካላት መንግስቲ- Institutions of the state
ስነ- ሓሳብ መንግስታዊ ምሕደራ- The idea of the state

ዘይብላ ብወተሃደር ትሕሎ ናይ ውሑዳት ሰባት ብሕታዊት ኩባንያ እምበር ኣብ ኤርትራ በዚ ሰለስተ ኣካላት ዝተመስረተ መንግስታዊ ምሕደራ የለን፡፤

አብ መንጎ ተቃወምትን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ፍልልያቱ ኣብ ኣቋቁማ መንግስትን ሕዝብን ዘሎ ፍልልያት ኢዩ፣ ስለዚ ደንበ ተቃውሞ ከጽንዖን ክፈልጦን ዘለዎ ቃልሲ ናብዚ ሕቶ እዚ ዝተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ በሃላይ ኢየ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ተቃውሞ ደንበ ናብዚ ንክበጽሕ ኩነታት ብኣካደምያውን ተመክሮኣውን ኣፍልጦታት ከሰንዮ ኣለዎ። ደንበ ተቃውሞ እዚ ናይ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተፈልየ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ፣ ነዚ ኣፍልጦ ክህልዎ ድማ ዝሓለፈን ዘሎን ዝመጽእን ንክፈልጥ ዘኸእሎ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣፈታትሓን ፖሊቲካዊ ግርጭታቱ ብኣካደምያዊ መጽናዕቲ ክስነድን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ደሞክራስያዊ ኣፈታትሓ ከናዲ ኣለዎ።

ኣብዚ ኣካደምያዊ መጽናዕቲ ብሓደ ሸነኽ ምስግጋር ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያውነት፣ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ብረታዊ ግጭትን ኣፈታትሓ ፍልልያትናን ምስቲ ናይ ካልኦት ሃገራት እናዛመድና፣ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ መስርሕ ምስግጋር ካብ ደንበ ተቃውሞ ጀሚሩ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ግርጭታቱ ካብ ብሕጂ ክፈልጦ ዘለዎ እምበር ሕጅስ ነዚ ምልክነት ንእለ ድሓር ንሓስበሉ ዝብል ብሂል ኣብቲ ናይ ዝሓልፈ ኣካደምያዊ መጽናዕታት፣( Huntington, Gene Sharp) ሃንቲንግቶን ወይ ድማ ጂን ሻርፕ ኣይሰማማዕን፣ እንተድኣ ድሕሪ ወድቀት ምልክነት ንሕሰብሉ ክይኑ እቶም ከምኡ ዝብሉ ናይ ግድን ኢዩ ብኤምፕሪ/ Emprical examples ክቅርቡልና ኣለዎም። ኣብዚ ግዜዚ እቲ ክጽናዕ ዘለዎ እቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ፖሊቲካውን፣በርገሳውን ከምኡ ድማ ነጻ ውልቀሰባትን ዝብል ዝተፈላልየ ሓይልታት ናበይ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ከመይ ገሩ ድማ ኢዩ ነዚ ምልክነት ኣልጊሱ ድሕሪ ምልክነትከ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ክተክል ይሓስብን፣ ምስ ሕዝቢ ዘለዎ ዝምድናን ኣብ ሓድሕዱ ዘለዎ ስኒትንከ ክሳብ ክንደይ ተኣማምነት ኣለዎም ክፍተሽ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።

እቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርኤ ዘሎ ናይ ምንጽጻግን፣ነንሕድሕድካ ምንሻውን፣ ኣብ ናይ ዘመና ሓዲሽ ተክኖሎጂ ኣቲኻ ናይ ቃላት ውግእ ምዝውታር ካብ ፖሊቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ካብ መሰል ርእሰ- ውሳነ ኤርትራ ካብ ዝሓለፋ ካብ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ግዜ ፈደርሽን ከምኡ ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝወረስናዮ ናይ ባእስን ቈየቋን ፖሊቲካ ኢዩ፣ ሰለዚ እዚ ውርሻ እዚ ንፖሊቲካዊ ሰነ-ኣእምሮ እናሃወኸ፣ ንቃልስና ድሕሪት ይጐቶ ኣሎ ካብዚ ሰነ - ኣእምሮኣዊ ናይ ፍርሓትን ሓድሕድ ጥርጠራን ክንወጽእ ኣይከልናን ዘሎና።

እቶም ፖሊቲካውያን ካብቲ ግዜቲ ጀሚሮም ዝመስረትዎ ከምቲ ማክስ ወበር/ Max Weber ዝሰምዮ ኣባታዊ ወይ ፓትርሞንያሊስም/ Partimonialism ማለት እቲ ወድዓዊ ኩነታት ሕዝብኻ ካብቲ ግላዊ ጥቅምታትካ ምስቲ ዘሎካ ስልጣን ዘይምፍላይ ኢዩ ይብል፣ እቲ ናይ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ኣስዃኹዓ እውን ነዚ ይመስል፣ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ሞስሊም ሊግ ወይ ድማ ሰልፊ ኣንድነት ኣብ ሃገራዊ መንነታት ኣይኮናን ተመስሪተን ዝነበራ እንታይ ድኣ ኣብ ሃይማኖታውን ባህላውን ንኡስ መለለይታት ናይ ገለ ሕዝብታት ኤርትራ ሰለ ዝነበራ ነዊሕ ከይከዳ ነቲ ዝነበረ ፈደራላዊ ምሕደራ ኣፍሪሰን ንኤርትራ ምስ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለ ስላሰ ከምትቁረን ገበርኣ። እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተራእየ እውን ኣሰዃኹኡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ምስሊም ሊግን/ Moslem League ስልፊ ኣንድነት/ unionist party ዝፍለ ኣይነበረን፣ ክልቲ ኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ፓትሪሞኒያልሲም ዝብል ኣምር ንውልቀ መሪሕነት ካብቲ ናይ ሃገር ኣይፈልይዎን ኢዮም፣ ን ኣብነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ማለት ብኣኣቶም ኤርትራ ማለት ስለዝኣምኑ፣ ነብስ- ተኣማምነት የብሎምን ከምኡ እውን ኣብ ደንበ ተቃውሞ እዚ ተራእዮዚ ኣሎ። እምበር ደንበ ተቃውሞ መታን ካብ ናይ ምንጽ ጻግን፣ ምስትናዕቅን ክወጽእ እንታይ ክግበር ኣለዎ፣ እቲ ስልጣን ውልቃዊ ኮይኑ እቲ ናይ ሕዝቢ ጉዳያት እውን ንሱ ጥራሕ ዝውስኖ ምስ ዝኸውን እቲ ፓትርሞኒኣሊስም ዓንቃፍን ነቲ ባኅርያዊ ፍልልያት ናይ ሕዝብታት እናስተን ዓቀን፣ ነንሕድሕዶም ከምዝጓነጹን ከምዘይሰማምዑን ገሩ ዕድመ ስልጣኑ የንውሕ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርኤ ዘሎ ናይ ምንዕዓቅን፣ ነንሕድሕድካ ምንጫትን ናይ ሎሚ ዘይኮነስ ምስ ፖሊቲካዊ ታሪኽና ተኣሳሲሩ ዝመጽኤ ኢዩ፣

ኤርትራ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሕ ሕዝብታት፣( Multi-cultural) ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ዘለዎም ዝነብሩሉ ሃገር ኢያ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዙሕ- ባህላውን ፣ ሃይማኖታውን ምህላው ሃብቲ ሃገር ድኣ እምበር ጸገም ኣይኮነን፣ ጸገም እቲ ነዚ ብዙሓውነት ከተመሓድር ዘይምኽኣል ኢዩ። ደንበ ተቃውሞ ነፍሰ ወከፍ ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ ወይ ውልቃዊ ኣብዚ ግዜዚ ቀዳምነት ክህቦ ዘሎ መጀመርያ ነዚ ኣብ ውሽጡ ኮይኑ ዝዕንቅፎ ዘሎ ጸገማት ኣለልዩ ክኣልዮን ከመሓድሮን ጻዕርታት ከካይድ ኣለዎ፣ ናይ ዝሓልፈ ተመክሮታት እትቀስመሉን እትመሃረሉን ሰሚናራትን ዋዕላታትን እናወደብካ ድማ ንናይ ሕዝብኻ ኣፍልጦ ብዛዕባዚ ግርጭታት ኣተኣላልያኡን ኣፈታትሓኡን ምንዳይ እዋኑ ኢዩ።

2. እዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ከምቶም ዝሓለፉ ደሞክራስያዊ ማዕበላት ንገለ ሃገራት ዘዔወተ ንገለ ሃገራት ግን ኣብ ሓድሕድ ውግእን ፍሽለትን ከይከውን እንታይ ክንገብርን ከነማልእን ኣሎና ካብተን ዝፈሸላን ዝተዓወታንክ እንታይ ክንማሃር ኣሎና?

ምትእትታው ድሞክራስያውነት ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝሓትት ኢዩ፣ ገለ ሃገራት ብዝሓጸረ ግዜ ንምልክነት ስዒረን ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝተሰጋገራ ኣለዋ ዝበዝሓ ግን ካብ ምልክነት ናብ ምልክነት ካብ ኩደታ ናብ ኩደታ እናተሳገራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምልክነት ዝሳቀ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓት ኢየን። ደሞክራስያዊ ስርዓት እቲ ዝሔሽ ስርዓት ምሕደራ ምስቲ ውሽጣዊ ኣመሓዳድራ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጠቃሚ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝውቱር ዳርጋ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ዝኽተልኦ ስርዓት ምሕደራ ኢዩ፡፤ ናይ ደሞክራስያ ኣገላልጻን ኣቃውማን ኣገዳስነቱ ኣብቲ ንደምክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘውጽእዎ ስትራተጂ ይምርኰስ፣ እዚ ድማ ናብቲ መጨረሽታ ክትበጽሖ ትደሊ ዝመርሓካ ናይ ሎምን ጽባሕን መገዲ ምስኣልን ብኡ ተመሪሕካ ድማ ነቲ ግዝያዊ ዕንቅፋታት ብልዝብን ምርድዳእን እናፈታሕካ ናብ መጻኢ ገጽካ እናማዕዶኻ ምስትእትጓዓዝ ኢዩ ካብ ፍሽለትን ውግእ ሓድሕድን ንሃገርካን ሕዝብኻን ዋሕስ ናይ ብሓንሳብ ብሰላም ናይ ምንባር መሰረት ተንበር፡ በዚ መንጽርዚ ቃልሲ ደንበ ተቃውሞ ከመይ ይመስል፣ ናበይ ገጹ ኢዩኸ ዝዝንብል ዘሎ ናብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምልክነት ናብ ድሕነት ዝመርሕ ኮይኑዶ ይርኤ ኣሎ ወይስ ከምተን ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ዘይተዓወታ ብሰንኪ ሕጽረታተን ካብ ኩደታ ናብ ኩደታ ኣብ ድኽነትን ብልሸውናን ዝነብራ ሃገራት ክትከውን ኢያ፣ሕቶ ናይ ኩሎም ብኤርትራ ዝግደሱ ኮይኑ ኣሎ፣ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ሎሚ ደንበ ተቃውሞን ኩነታቱን ድኣ እምበር ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣይኮነን፣ እቲ ስርዓት ባዕሉ ወግሔ ጸብሔ ነፍሰ-ቅትለት እናካየደ ባዕሉ ክወድቅ ኢዩ እቲ ሕቶ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ኢዩ።

ደንበ ተቃውሞ በዚ ሕዝዎ ዘሎ መገዲ እንተድኣ ቀጺሉ ኣብ ውሽጡ ቅርጻን ኣስራርሓን ንሕጅን ጽባሕን ብንጹር ኣቀሚጡ እንተዘይተቃሊሱ እምነት ሕዝቡን ተቀባልነት ብኣህጉራዊ ማህበረ ሰብ ተቀባልነት ስኢኑ ኣብቲ ዝደልዮ ለውጢ ክይበጽሔ ክተርፍ ይኽእል፣ እዚ መታን ከይርከብ ኢዩ ድማ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ኣምሪሮም ዝጽሕፋን ዘተንቡሁን ዘለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ማለት ካብ ምውላድ ኤርትራዊ ሃገራውነት ክሳብ ሎሚ ዝወርስናዮም ጊጉይ ኣፈታትሓ ከምኡ እውን ካብ ክባቢናን ዓለምን ከምዚ ናትና ኩነታት ቃልሲ ዘሕለፋ ተማሂርናዶ ኣይተመሃርናን ኢልና ምስ እንመዝን፣ ገና ኣይተመሓርናን ኣሎና ብሃላይ ኢየ፣ተማሂርና ነርና እንተንኸውን ገለ ምልክታት ናይ ለውጢ ምረኤርና፣ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ዕንክሊል ኢና ንነበር ዘሎና።ካብዚ ዕንክሊሎ ክንወጽእ ምምኽካርን ምልዝዛብን ብሃገር ደረጃን ብኣህጉራዊ ደረጃን ከድልየና ኢዩ።

3. እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ካብተን ካልኦት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ምልክነት ክሳቀያ ዝጻንሓኸ ብእንታይ ንፍለ፣

ምልክነት ኣብ ሓንቲ ሃገር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልክነት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝመጽኤ ኣይኮነን ምስቲ ታሪኻዊ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ዝተጸንሰሰ ስዒቡ ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝዓበየ፣ ነንሕድሕዱ ክቅንጽል ዝመጽኤ ባህሊ ማለት ንፍሉይ ርእይቶ ዘለዎ እናቀንጸለ ዝመጽኤ ድሕሪ ናጽነት ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ፍቶ ጽላእ ንሕና ኢና ንገዝኣካ፣ ንሕና ዝበልናካ እንድሕሪ ዘይትግበር ኰንካ ኤርትራና ግደፍ ባዕሉ ናይ ትምክህትን ትዕቢትን ካብተን ድሕሪ መግዛእቲ ማለት 1945 ናጽነተን ዝተጓነጸፋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈልዮ ባህሊ ናይ ትዕቢት ምንጪ ናይዚ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ኢዩ። እተን ሃገራት ኣፍሪቃ ብ1945 ናጽነተን ዝተጓነጸፋ ኣብ መጀመርያ ብሓውሲ-ደሞክራስያ ኢየን ጀሚረን፣ ናይ ምስግጋር ግዜያዊ መንግስትን ፓርለማን ቅዋምን እውን ነርዎን፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ውድብ ግን፣ ካብታ ዝተበገሰላ ማለት ናጽነት ካብ ዝጭብጥ ግዜ ጀሚሩ ብዘይ ናይ ሓሶት መብጽዓታት ወይ ድማ ንይምሰል እንተዘኮይኑ ብሓቂ ኣሚኑሉ ኣይኮነን ነቲ ሕጂ ገለ ካብቲ ስርዓት ተኣልዮም ቅዋም ይተርጐም ዝብሉ ዘለዉ እውን እቲ ሕቶ ሕዝቢ ክንየው ቅዋም ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ንዑ በሉ ቅዋም ንተርጉሞ እንተበለ ከምቲ ናይ ዛየር መንግስቲ ምቡቱ ኮይኑ እቶም ተቃውምቲ በዚ ናይ ሞቡቱ ምትላላት ዝመስል ኣሚናኦም ምስ ኣተዉ፣ በዛ መላዝኣ ገሩ ድማ ንቶም ተቃውምቲ ብብሓደ ኣጥፈኦም ኣብ ኤርትራ እውን እዚ ስልቲ ናይ ሞቡቱ ከይድገም ተቃወምቲ ብሓቂ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝደልዩ በዚ መታለሊ መላታት ምልኪ ክታለልዩ የብሎምን፣ እቲ ውሩይ ፍሉጥን ፕሮፈሶር ጂን ሻርፕ/ prof.Gene Sharp/ ኣብ ጽሑፋቱ ከምዝገልጾ ተቃወምቲ ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብ ድኹም ኩነታት ከለዉ ምስ ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ዘተ ክኣትዉ የብሎምን ይብል፣ ዳርጋ ኩለን ኣንጻር ምልክነት ዝሰዓራ ሃገራት እቲ መላኺ ስርዓት ኢዱ ሂቡ ወይ መህደሚ ምስ ዝሓት ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።

ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ካብቶም ካልኦት ዝፍለየሉ ሓደ እተን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኢየን ቃልሰን ዝጀመራን ዘለዋን፣ እቲ ናይ ኤርትራ ግን ኣብ ስደት ኢዩ ጀሚሩን ዘሎን፣ እዚ ድማ እዩ እቲ ዝ ዓበየ ፍልልይ፣ እቲ ካልእ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣብዚ 15 ዓመት ንኩሉ ዝጥርንፍ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ትሕቲ ሓድነታዊ ሃገራዊ መንነት ንኩሉ ብሔራት ብማዕርነት ዝሓቁፍ ንመጻኢ ናይ ብሰላም ብሓባር ምንባር ዘውሕስ ኪዳን መስሪቱ ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ እውን ካልእ ፍልልይ ካብቶም ካልኦት ሃገራት ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ መታን እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሕዝብን ወተሃደርን ኣንጻር ምልክነት ክለዓል ጭቡጥ ስእሊ ናይቲ ኣብ ደገ ዘሎ ተቃውሞ ክርኢ ኣለዎ፣ እዚ እንተድኣ ርእዩ ድማ ከልዓል ናይ ግድን ኢዩ እሞ ንዑ ቅርጻ ኣወዳድባናን ኣስራርሓናን ንሕድስ ብዝብል መዛዘሚ ጽሑፈይ እድምድም።

ዝተወከስክወንጽሑፋት/ References 

  1. John W. Harbeson, ” Rethinking Democratic Transitions: Lessons from Eastern and Southern Africa,” in Richard Joseph ( ed) State, Conflict, and Democracy in Africa.
  2. Young Crawford, ” The third Wave of Democratization in Africa: Ambiguities and contradictions.”
  3. Spears, Ian S,. ” Understanding inclusive peace agreement in Africa”: the problem of power sharing.
  4. Huntington, Samuel P. The third Wave: Democratization in the late twentieth century.
  5. Tekeste Negash, Eritrea and Ethiopia, : ” The federal Experience”, Nordiska Afrikainstitutet, Uppsala 1997.
  6. David Bloomfield and Ben Reilly, ” Characteristics of Deep- rooted conflict”
  7. Gene Sharp, ” From dictatorship to Democracy” A conceptual Framework for Liberation, The Albert Einstein Institution.

 

 

 

Last modified on Tuesday, 10 October 2017 14:10