ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ብዓወት ዛዚሙ፥

2017-10-10 11:33:41 Written by  ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሆላንድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2223 times

ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ብዓወት ዛዚሙ  

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ፡ መዲብዎ ዝጸንሐ ጉባኤ ማሕበር ብዕለት 07-10-2017 ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ማሕበር ፥ ናይ እንኳዕ ድሓን መጻኩም ቃል ድሕሪ ምሃቡ ፥ ንተሳተፍቲ ኣባላትን ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ብቕቡል ምኽንያት ንጉባኤ ክመጽኡ ዘይጠዓሞም ኣባላትን ፥ ተደናገጽትን ብምዝካር፥ ነዚ ቅዱስ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ሓቢርና ናይ ምድንፍዑን ምቕጻሉን ንምዝታይ ምምጻእኩም ብስም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሆላንድ ፥ ብዝያዳ’ውን ብስም እቶም ክንሕግዞም ዝግብኣና ናይ መደበር ከሰላ ኣካለ ጽጉማን ብምምስጋን ኣኼባ ከፊትዎ። ቀጺሉ ፡

ነጻ ማሕበር ናይ ኣካለ ጽጉማን ብምቛም ኣድማዕን ዓቢ ኣስተዋጽኦን ክህልዎ ፥ ኣብ ኤርትራውያን ከይተሓጽረ ናይ ዓለም ግብረ- ሰናይ ቆላሕታ ክረክብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዓቢ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላ’ ኳ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ስቓይን ናይ ሓሳረ መከራ ህይወት የሕልፍ እንተሎ ካብኡ ናብኡ ግን እቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝሰንከለ ኣብ ስደትን ውሽጢ ሃገርን መዐቀኒ ዘይብሉ ሕሰም የሕልፍ ከምዘሎ ርዱእ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ካብዚ መሪር ሓቂ ብምብጋስ ነቲ ብ 2002  ዝተወስደ ስጉምቲ ምቛም ነጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብመሪሕነት ሓውናን ብጻይናን ተስፋይ ተኽልዝጊን ከልኦት ብጾትን የመጉስን የመስግንን።

ADE Holland Congress Amsterdam 07 10 2017 2

ቀጺሉ ኣቦ መንበር ማሕበር ሓፈሻዊ ሃለዋት ኣካለ-ስንኩላን መደበር ከሰላ፥ ብፍላይ ድማ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ማሕበርና ብወግዒ 2011 ካብ ዝምስረት ንዕብየት መሕበር ዝተገብሩ ጻዕርታትን ፥ ማሕበር ክገብሮም ዝጸንሐ ደገፋት ይኹን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠሙ ብድሆታን ብሰፊሑ ጻብጻቡ ድሕሪ ምቕራብ ፥ ገንዘባዊ ጸብጻብ ንምቕራብ ናብ ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር ኣመሓላሊፍዎ። ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር ብወገኑ ኣታውን ውጻእን ገንዘባዊ ጸብጻብ ማሕበር ብደቂቑን ብጽፈትን ድሕሪ ምሕባር ፥ ኣኼባ ናብ ኣባላት ንክበርህ ዝድለ ሕቶታትን ናይ ርእይቶታትን ምልውዋጥ ተመሓላሊፉ።

ኣኼበኛ ፡ ንዝቀረበሉ ጸብጻብ ሓፈሻዊ ሃለዋት ኣካለ ጽጉማን መደበር ከሰላን ፡ ብወገና ክንገብሮም ዝጸናሕና ደገፋት ይኹን ንጥፈታት ፡ጽፉፍን ብሩህን ምዃኑ ዕግበቱ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ተደጋጋፊ ሓላፍነታዊ ልዙብ ርእይቶታት ተጸምደ። ገለ ንምጥቃስ ፥ ኣብ እነካይዶ ጐስጓስ ፥

  • ብተበግሶን ዕላማን ናይ’ዚ ማሕበር ፡ ገለ ብፍላጥ ፡ ገለ ድማ ብዘይምፍላጥ፡ ብዙሓት ሰባት ስለዝደናገሩ ፡ እዚ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ፡ ካብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጸጊዕ ነጻ ፥ መኽሰብ ኣልቦ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ምዃኑ ምግላጽን ምቅላሕን ከምዘድሊን ፥  ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ንድንፋዐ ማሕበር ፥ በብወገኑ ክጉስጉስን ኣባላት ክስሕብን ከምዘለዎ ርእዩ።
  • ገንዘባዊ ዓቕሚ ማሕበር ንምድንፋዕ ፥ ካብ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ትካላትን ሓገዝ ክርከበሉ ዝኽእል መደባት ክንፍትሾ ከምዘሎና ተሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ብወገና ክንገብሮ እንኽእል ናይ ድራር ዕድመ ብምድላው  ወፈያታት ምሕታት ሓጋዚ መደብ ክቕጽል ከምዘለዎ ።

ብድሕሪዚ ምምራጽ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ፡ ሓደ ካብቲ መደብ ስለዝነበረ፥ ብምልኡ ኣኼበኛ ፡ነታ ዝጸንሐት ሽማግለ ዝጐደላ ወሲኽካ ክትቅጽል ስለዝተሰማምዐ ፥ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ኣቚምና ። ናይዚ መዓልቲ’ዚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብመሰረት ዕላማ ማሕበር ሓላፍነታውን ፡ ልዙብ ሃናጺ ዝደጋገፍ ርእይቶታቱን ንዕላማ ማሕበር ዘደንፍዕ ፥ ሞራል ዝህብ ምንባሩ ንኩሉ ኣባል ምስጋናን ሞጐስን ይግባእ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሉ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ክንብሎ እንደሊ፥  ልእላውነትሃገርናብብዙሕመስዋእትንስንክልናንዝተረጋገጸን ፥ክቡርታሪኽናንሓበናንጥራይዘይኮነስክንዕቅቦንክንሕብሕቦንዘሎና ፥ ሃገራዊ ሓላፍነትንግዴታንምዃኑ፡ኩሉኤርትራዊ  ክፈልጦዝግባእሓቂእዩ። ንጀጋኑ ስውኣት ሞጐስ ፥ ንኣካለ ስንኩላን ምሕጋዝን ፥ ሃገራዊ ሓላፍነት ናይ ንፍሲ ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይመስለና። ካብዚ ሓቂ ብምብጋስ ዓቕምና ዝፈቕዶ ምሕጋዝ ፥ ዝያዳ ንነብስና ናይ ሕልና ዕረፍቲ ስለዝህበና ፡ ነፍሲ ወከፍና ሃገራዊ ሓላፍነትና ዘቕስን ተግባር ከነሰንዮ ነማሕጽን።

ዘለለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና !!

ክብርን ሞጐስን ንህዝቢ ኤርትራ  !!

  ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሆላንድ

Last modified on Tuesday, 10 October 2017 13:53