ግዳይ ህግደፍ ኣይንኹን

2017-10-06 10:34:33 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2028 times

ቀንዲ ዕላማ  ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብዋጋ ኩሉ ኤርትራዊ መሰልን ክብርታትን ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ ምዃኑ ብብዙሕ መርተዖታት ዝተረጋገጸ እዩ። እቲ ጉጅለ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዘይሕፍረት ብግህዶ  ዝሰርሓሉ ምዃኑ ካብ ዘነጽር ነውሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ነብስኻ ናይ ምውዳብን ዕድል’ኳ ተዘይረኸበ፡ ድምጹ ብዘይስማዕ ቋንቋ ኣካይዳ ህግደፍ ንረብሓኡ ከምዘይኮነ ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብ ከምዚ  ኩነታት እቶም ክንዲ ድምጹ ኮይና ክንዛረበሉ ዝግበኣና ክንዲ ትጽቢቱ ዘይምብቃዕና ከኣ ንህግደፍ ካብ ዘሻደንዎ ተረኽቦታት ሓደ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይገልጸሉ ካብ ዘሎ ኣገባባት ሓደ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብብዝሒ እሞ ድማ ብዘይምቁራጽ ናብ ስደት ምውሓዙን ኣስካሕካሒ ሳዕቤናቱን እዩ። ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መጻኢ ዕድልን ቀጻልነትን ኤርትራ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። ነዚ ሓደገኛ ተርእዮ ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ዕምቆቱን መጻኢ ሓደገኛ ውጽኢቱን ንርደኦ ኣለና ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ እቲ ሃገርን ህዝብን ተረኪብካ ናይ ምቕጻላ መተካእታ ዘየብሉ ሓላፍነት ዘለዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ክሳብ ክንደይ በዚ ጉዳይ ይስከፍን ነቲ ኩነታት ንምቕያር ይሰርሕ ኣሎን ካልእ ኣዘራራቢ ጉዳይ እዩ። ጉዳይ ኤርትራን ስደት መንእሰያትን ናይ ሕብረተሰብ ዓለም ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን እውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ቀንዲ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዘሎ ከኣ “ናይቲ ስደት ጠንቂ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ምዃኑ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ካብ ዓለም ብ3ይ ኣሉታዊ ደረጃ ሰሪዕዎ ዘሎ ስደት ብዝምልከት ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብዙሕ ምህዞታት ከም ዘቕርብ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ናይዚ ምስምሱ ቀንዲ ነጥቢ ከኣ “ስደት ኤርትራዊ መንእሰይ ጠንቁ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘቤታዊ ምኽንያት ዘይኮነስ ኤርትራ ንምብራስ ብግዳም ዝተሃንደሰ ተንኮል እዩ?” ዝብል ምዃኑ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። እንተኾነ እቲ ናይ ግዳም ሓይልታት ድፍኢት ዝብል ይጽነሓልና እሞ እቲ ኢደወነናዊ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍከ “ምምሕዳርካኸ ንስደት ኤርትራውያን ጠንቂ ኣይኮነን ማለት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ንክምልስ ንሕተቶ። ኩነታ ንምሕባእ ምዕግርጋር እንተዘይኮይኑ ነዚ ሕቶ ዝምልስ ዝስማዕ ሞራል ከምዘይህልዎ ርዱእ እዩ። ደሓር ከኣ ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል ህግደፍ ዓቕሉ እንተዘየጽብበሉ ብዝተደፍአ ይደፋእ መንእሰይ ካብ ዓዱ ናብ ደገ ዘማዕድወሉ ምኽንያት ከምዘየለ ግንዛበ ዘድልዮ  እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ምዃኑ ብዘይፍለ ናይቲ ሓደ እዋን ተቓሊሱ ከም ዝስዕሮ ዘየጠራጥር ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት ንምልሕላሕ ዝምህዞ ረቀቕቲ ሜላታቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስጢር ዓወቱ ሓድነቱ ምዃኑ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ኣለዎ። ንህዝቢ ኤርትራ ክስዕር ዝሓልም፡ ኣንጻር ሓድነቱ  ክክሰርሕ እንከሎ ምዃኑ ብርዳእ ፈቲኑ ዝፈሸለ ምዃኑ ከኣ፡  ካልእ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝብና ዝተረጋገጸ ተመኩሮ እዩ። ሎሚ እውን ምናልባት ደኣ ንህግደፍ ግዜ ይሽምተሉ ይኸውን እምበር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ተመሊሱ ከም ዓረ ከም ዝተርር ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሓድነት እንተዘይተገደሰ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ  ረብሓኡ ኣብ ምድልዳል ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይኮነ።

ንሕና ናይ ለውጢ ሓልታትከ ኣብ መዳይ ምዕቃብ ሓድነት ህዝብና ክንድቲ ክንከዶ ዝግበኣናዶ ንዋሳእ ኣለና ወይስ ኣይፋልናን ብጽሞና ክንሓስበሉ ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና። ኣብዚ ጉዳይዚ ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት ብልቦናን ሓላፍነትን ክንሓስብ ተዘይበቒዕና ግዳይ ህግደፍ ብዛዕባ ምዃና ዘማትእ ኣይኮነን። ሓድነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ሓድነት ናይቲ ምእንቲ ህዝቢ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ውዱብ ሓይልታት ኣገዳሲ ኣብነት እዩ። ደንበ ተቓውሞና ምእንቲ ሓድነት ዋጋ ክኸፍል ቅሩብ ከይኮነ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጸ ኣንጻር ህግደፍ ከሰልፍ እየ እንተበለ ግብራዊ ውጽኢት ዘመዝግብ ኣይመስለንን። ደሓር ሓድነት ዋጋ ከፊልካ እምበር ጨሪሕካ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ሓድነት እውን ከም ካለኦት ፖለቲካዊ ኣምራት ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ጸቢብ ስምዒታት ውሒጥካን ንሕጊ ተማእዚዝካን እምበር፡ ንውልቃዊ ስምዒትካ  እንዳሰሳዕካ ዝረጋገጽ ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ቃልሲ ሓደ ዝመረጽካዮ መስርሕ በቲ ዝደለኻዮ ዕምቈት ኣብቲ ዝመደብካዮ ግዜ ምስላጥ ምስ ኣበየካ፡ ዝሓሸ መንገዲ ሃሰስ ምባል ንቡር ኮይኑ፡ እቲ እትመርጾ ሕድሽ መንገዲ ካብቲ ምሳኻ ዝጸንሐ ዝሓመቐ ከይከውን ምስትብሃል የድሊ። ንኣብነት ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብቶም ጸገማትና እንብሎም ምብዛሕ ውድባትን ማሕበራትን ምዃኑ ብሩህ እዩ። ካብዚ ጸገምዚ ንምውጻእ ኢልካ ተወሳኺ ማሕበራትን ውድባትን ምጭጫሕ ድማ ካልእ ጸገም ዝውስኽ እዩ። እቲ ፍታሕ ነቲ ብዝሒ መሊስካ ምዝያዱ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝርካቡ ከተመሓድሮ ምብቃዕ’ዩ። ስለዚ ዘይተደላዪ ምርባሕ ዓቕምና በቲና ግዳይ ህግደፍ ክንከውን ዘቀላጥፍ ስለ ዝኾነ ክንመርጾ ዘይግበኣና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምሳና ዘሎ ሕጽረታት ውሒዱናስ ካልእ ሕጽረት ምፍጣር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድኽመትና ንክዕንገል ካብ ዝምህዞ ተንኮላት ሓደ ኣባና ዝረአ ሕጽረታት ምግዳድ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ስለዚ ንዓኡ ዕድል ከይንህብ ክንጥቀቕ ይግበኣና። ኣብ ርእሲ ሕጽረትካ ሕጽረት ምውሳኽ ከኣ “ወዮ ዘይገልባስ ገርማዕ ኣብለለን” እዩ ዝኸውን

Last modified on Friday, 06 October 2017 12:36