ይሃንጽ ኣለኹ እንዳበልካ፡ ዝተሃንጸ ናይ ምፍራስ ሕማም

2017-09-07 19:58:54 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1959 times

ሰባት ሓደ ተረኽቦ ኣብ ምምዛን ፍልልይ ክህልዎም ልሙድ እዩ። ኣብቲ ፍልልይ “ናተይ ቅኑዕ ናተይባ” ዝብል ምስሕሓብ ክፍጠር ከኣ ውሁብ እዩ። እዚ ከም ርዱእ ስለ ዝውሰድ ከኣ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ ክፍጠር እንከሎ ብኸመይ ክውዳእ ከም ዝግበኦ ንምንጻር ሕጊ ምውጻእ ናይ ግድን እዩ። “ካብቲ ዘዋጥጥ ሓሳባት ኣየናይ ተቐባልነት ረኺቡ ይተግበር?”  ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ዘመናዊ ኮነ ባህላዊ ኣሰራርሓ እቲ ተዓዋቲ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ሓሳብ እዩ። እዚ ክሳዳዊ ኣተሓሳስባዚ ንሓንሳብ “ናይ ስታሊን” ንሓንሳብ ድማ “ናይ ማኦ” ተባሂሉ እንተተነጺጉ ግና፡ በይንኻ ናይ ሓሳባት ውድድር ኣብ ዘየብሉ ጽምዋ ምንባር እምበር ካልእ መተካእታ የለን። እቲ ጉዕዞ ከኣ ልጓም ብዘየብሉ ፈረስ ከም ምግላብ እዩ ዝምሰል። ወለድና እውን ኣብቲ ግሩም ባይቶኦምን ወግዖምን ውሑዳት ኣንጻር ብዙሓት ክኸዱ ፈንጠርጠር ክብሉ እንከለዉ “ካብ ሰባ እትነውሕ መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንእምኒ ወንጭፍ” ክብሉ እዮም ዝምስሉ።

ብዛዕባ ጅግንነት ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ተላዒሉ ንበል። በቲ ጅግንነቱ ገለ ወገናት ከም ናይ ሽዑ በዓል ልዑል ኣበርክቶ ክንእድዎ ይኽእሉ። ይኹን እምበር ናይ ቃልሲ ጅግንነት ናይ ሓባር እምበር ናይ ውልቀሰባት ኣይኮነን። እንተኾነ ንግዜኡ ኣሻህሪትካ ክትጥቀመሉ ንዝደለኻዮ “መን ከማኻ” እንዳበልካ ምርስሳን ልሙድ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መድረኽ ቦለኛ፡ ነቶም ህይወቶም ዝተበጀዉ ኣእላፍ ጀጋኑ ረሲዑ ካብ 10 ንዘይበዝሑ ሰብ ጽሩራ ሒዙ “እዚኦም እዮም እቶም ጀጋኑና” ብዝብል ምጸት ከፋልጦም ተዓዚብና ኢና። ደሓር ግና ንዓኣቶም’ውን መምስተጠቕመሎም ሓሓሊፉ መልዒስዎም። ብዝኾነ ናይ ትማሊ ጅግንነት ክርሳዕ’ኳ ዘይግበኦ እንተኾነ፡ ሎሚ መፈራርሒ ክትገብሮ ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብናይ ሎሚ ዘበን እምበር ብናይ ዓሚ ብዕራይ  ሓሪስካ  እቶት ስለ ዘይሕፈስ። ደሓር ከኣ ትማሊ በቶም መመቲሮም ዘኾልስዎ ዝነበሩ ተኸዊሉ “ንጡፍ ኢደበይዛ” ክንሱ፡ ጅግና ዝመስል ዝነበረ፡ ሎሚ ካብ ለኣኽቱ ምስተፈልየ ጸጊምዎ ዓወንወን ክብልን ዝኣረገ መዛግብቲ ክግንጽልን ዳምዳም ከም ዝብልን ምዝንጋዕ ኣይግባእን። ናይ ቀደም ጅግንነትን ኣበርክቶን ንዘይምርሳዕ እንተገደደ ናይ ምስጋና መዳልያ ምሃብ ሕማቕ ኣይምኾነን። ካብኡ ሓሊፍካ ቀደም ዘዝደየብካዮ ጎቦታትን ዝወረድካዮ ሩባታትን እንዳ ጸብጸብካ፡ ሎሚ “ኣነ ዝበልኩኹም ተዘይሰማዕኩም ወይለኹም” እንዳበልካ ናይ ካልኦት ናይ ምምራሕን ምውሳንን መሰል ክትምንዝዕን ከተስተማስልን ምፍታን  ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ንኸምዚ ትዕቢተኛ ኣካይዳ ደጊፎም ዝከራኸሩ ኣካላት ከኣ ደረጃ ትምህርቶም ኮነ ዝሓለፈ ኣበርክቶኦም ብዘየገድስ ንገዛእ ርእሶም’ዮም ኣብ ትዕዝብቲ ዝወድቁ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ናይ እገለ ውድብ ወይ ሰልፊ መሪሕነት “ብቑዕ እዩ ኣይፋሉን” የዛርብ እዩ። ምብልላጽ ከኣ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እውን ሰባት ከካብ ኣረዳድእኦምን ኣብቲ መሪሕነት ዘለዎም ትጽቢትን ክፈላለዩ ንቡር እዩ። እቲ ዘጸግም ነቲ መሪሕነትን ውሳኒኡን ኣጽቢብካ ብምርኣይ ብናትካ ጸቢብ ህርፋንን ስምዒትን ጥራይ ክትልከዖ ምድላይ እዩ። ሓደ መሪሕነት ነቲ ኣብቲ ዝመርሖ ትካል ዘሎ ዝተፈላለየ ዝንባለታትን ትጽቢታትን ዘማእክል መንገዲ እዩ ዝሕዝ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣብ ዝወስዶም ውሳነታት  ናይ ዝዓግብን ዘይዓግብን ሓላፍዘላፍ ከረአ ከኣ ንቡር እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ውሳነታት እንዳወሰነ ህልውና፡ ድሕነትን ቀጻልነትን ናይቲ ዝመርሖ ትካል ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ዘለዎ መሪሕነት ዝተሰለፉ ወገናት ነቲ ውሳነ ገሊኦም ብዕግበት ገሊኦም ከኣ ብጥርናፈ እዮም ተቐቢሎም ዘተግብርዎ እንብል። እቲ ምስ ኩሉ ዕቃበኻ ተጠርኒፍካ ናይ ምኻድ ኣምር እንተዘይተኸቢሩ ግና ህልውና ኮነ ሓድነት ኣይሕሰብን እዩ። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዲሞክራስያዊ ኣረዳድእ እዚ ኣካይዳዚ ብዝኾነ ምርምር ዘይተተከአ ኣድማሳዊ’ዩ። መሪሕነት ክንዲ ዝከኣሎ ዝመርሖም ወገናት ንውሳነታት ዓጊቦም ዝቕበልሉ ኩነታት ንምፍጣር ግዲኡ ክገብር ይግበኦ ምባል ግና ኣይጽላእን እዩ። እዚ ዝትግበር ግና እንተላይ ናይቶም ክዓግቡ ዝግበኦም ቅሩብነት ክሕወሶ እንከሎ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኬንያ ንመስርሕ ምርጫ ዝዳነየ መጋባእያ 6 ዳያኑ ዝኣባላቱ ነይሩ። እዚ መጋባእያ እዚ 4 ብ2 ምስ ተፈላለየ ከኣ ናይቶም 4 ርኢቶ ፍርዳዊ ውሳነ ኮይኑ። ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ረኺቡ ከኣ ምድላዋት ንዳግማይ ምርጫ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ተመኩሮ’ዚ ንሕናኸ ብኸመይኮን ንርእዮ ከኣ ኣዘራራቢ’ዩ። መብዛሕትና ክሳብ ሽዱሽተኦም ዝሰማምዑ እቲ መጋባእያ ክቕጽል ነይርዎ ከምዘይንብል ተስፋ እገብር።

ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ  ክነኣድ ወይ ክንቀፍ እንከሎ መሪሕነት ቅድሚት ከም ዝስራዕ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ውድብ ወይ ሰልፊ ፖሊስታት ብውሳነታት እንዳሰነየ ናይ ምምራሕ መሪሕ ሓላፍነት ስለ ዝህልዎ። ብዝኾነ ምኽንያት ኣንጻርቲ ውዳበ ዝስለፉ ወገናት  ኣብ ክንዲ ዘይዕግበቶም በቲ ስሩዕ መሰኖ ምቕራብ፡ ተቓውሞ ብምቕዳም፥ ኣንጻር መሪሕነት’ዮም ጸለመን ቅንጸላን ዘጻዕጽዑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብሓባር ከም ዝውስንን ዘተግብርን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ መሪሕነት ከከም ዝሰለጦም፡ ኣቦመንበር፡ ፈጻሚት፡ ባይቶ እንዳበሉ ፈላልዮም ክጥቅዕዎን ኣብ ሕድሕዱ ዘይምትእምማን ከሕድሩን ምፍታን  ቀንዲ መለለዪ ከመይ ውዳበ ነዳኽም ኢሎም ናይ ዝብገሱ ወገናት እዩ። ከምዚ እንዳገብሩ “ንሕና ንሓድነትን ሓያልነትን ሰልፍን ልዕልና ሕግን” ክብሉ እንከለዉ ከኣ፡ እቲ ጉዳይ “ኮር ተገልበጥ” እዩ ዝኸውን። ኣብ ከምዚ ጽንኩር ኩነታት ሓደ መሪሕነት ብዘይካ ንጉዳያት ሕግን ስርዓት ብዝሓዘ ውሳነታት ምቕጻል እንተዘይኮይኑ፤ ካልእ ናይ ምልምላምን ኣብ ቆይቊ ምንባር መተካእታ ክኣቱ የብሉን። 

Last modified on Thursday, 07 September 2017 22:01