ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን

2017-08-22 18:24:15 Written by  Festival 2017 Frankfurt Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1827 times

2ይ ክፋል

ሓንቲ ሃገር እትምረሓሉ ቅዋም የድልያ

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ሃገር ምህናጽ እንታይን እንታይን ከምዘድልያ ተገሊጹ ነይሩ። ንሱ ድማ እቲ መጀመርያ እታ ሓዳስ ውልዶ ሃገር ብቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክትመሓደር መሰጋገሪ መድረኽ ኣቢላ ክትጎዓዝ ይግባእ። እዚ መሰጋገሪ መድረኽ እዚ ግዝያዊ መንግስቲ ዝምረጸሉን ቅዋም ዝንደፈሉ ቅጥዕታትን ኣገባባትን ይሰርዕን’ዩ። ኣብዚ በቲ ዝተመርጸ ግዝያዊ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ኣቢሉ ንመስርሕ ግዝያዊ መንግስትን፥ ንከመይነት ምሕንጻጽ ቅዋምን ይሰርዕን መደባት የውጽእን። ኣብዚ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምሁራን፡ ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ክኢላታትን ምኩራትን ዘለውዋ ሽማግለ ብምቛም፡ ነቲ ንድፊ ናይ ቅዋም ትነድፍ። እዚ ንድፊ  ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ማለት ኣዝዩ ግዜየ ዘይበልዕ ኮይኑ ናብ ህዝቢ ብምውራድ ዝኣክል መጽናዕትን ርእይቶታትን ተዋህሊሉ ብህዝቢ ይጸድቕ። ብድሕሪ እዚ ከኣ ኣብ ምርጫ ይእቶ።

ቅድሚ ኣብ ምርጫ ምእታው ግና እቲ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ስርዓተ መንግስትን ዲሞክራስን የድልዮ ክውስን ኣለዎ። እዚ ቅድሚ ምውሳኑ ከኣ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞክራስን ዓይነታት ዲሞክራስን መትከላት ዲሞክራስን በተን ድሮ ቈይመን ዝነበራ ሰልፍታትን ሲቭል ማሕበራትን ኣቢሉ ጽቡቕ ኣፍልጦን ተረድኦን ንኽህልዎ ይሕግዛ እየን። እዚ ኩሉ እናተኻየደ ከሎ ድማ፥ እቲ ሕጊ ናይ ምቛም ሰልፍታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ተጻፊፉ ክጸንሕን ብኡ መሰረት ከኣ ሰልፍታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ክህልዋ ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብ ደገ ዝነበራ ወይ ኣብ ውሽጢ ዝነበራ ተመሓዚየን ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝቖማሉ ባይታ ተመድሚዱ ክጽንሕ ኣለዎ።

 

ካብዚ ቀጺሉ  ብዛዕባ ፖለቲካ (ስያሳ) ቁሩብ ምጥቃስ ኣድላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ፖለቲካ ንገዛእ ርእሱ ፍልጠት ስለዝኾነ፥- (ዓለም ብስያሳ ኲዕሶ ብሞሳ ይበሃል) ብጉዳይ  ሕብረትሰብ ከመይ ክመሓደር ከምዘለዎ ዝግደስ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ሕብረትሰብን ደውላን ስራሕ ኣዩ። ፖለቲካ ወይ ስያሳ በቶም መራሕቲ ዝፍጸሙን ዝድረኹን ተግባራትን ተረኽቦታትን  ንሕብረተሰብ  ብዝረአ መንገዲ  ክትንክፍ ዝኽእል  እዩ።  ቆላሕታና እምበኣር ብዛዕባ እዞም ንረብሓና ዝትንክፉ ነገራት ክንግደስ እዩ። ፖለቲካ ወይ ስያሳ ስነምግባር እዩ። ስለዚ ኣብ መነጎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓደ ሕንጻጽ ክሕንጸጽ ኣለዎ። ምኽንያቱ ከኣ ስነምግባር ዘይብሉ ፖለቲካዊ ምምኽኻር፥ ወይ ውሳኔ ምውሳድ ወይ ተግባር ስለዘየለ።

ንነፍስኻ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰላማዊ ህይወት ዘለዎ ናብራ ንምምራሕ፥ ምስ ካልኦት ሰባት ሓቢርካ ተኸኣኢልካን ተሰማሚዕካን ብሓባር ናይ ምንባር ባህሪ ናይ ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ዝረኽቦን ኣብ ህይወት ተመኩሮ’ውን ዘማዕብሎ ክእለት እዩ ማለት ከበሃል ይከኣል፡፡  እዚ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ልምዲ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ብጉርብትና፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖት ምምስሳል እናዓበየ ሃገር ክሳብ ምምስራት ይበጽሕ።  ብመስርሕ እውን ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ የረጋግጽ። እዞም በብደረጃኡ  ዝፍጠሩ ምትእኽኻብ ኣብ መንጎኦም ፍልልያት ምህላው ዘይከሓድ እዩ። ፍልልይ ኣብ መንጎ ብሃገር ደረጃ ብዝተጠራነፉ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ማናቱ ኣሕዋት እውን ይረአ እዩ። ኣህዛብ ፍልልያቶም ከምዘለዎ ኮይኑ ብሓባር ዝተኣሳስሮም፥ ብዘቀራርቦምን ብዘሕለፍዎ ታሪኻዊ  ሓድሕዳዊ ዝተመስረተ ሓድነትን ፈጢሮም ብዶብ ዝተወሰኑ ሃገር መስሪቶም ሓቢሮም ይነብሩ። ካብ ሓድነት ዝርከብ ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከምዘለዉ ኣዚዩ ግሉጽ እዩ። ንሓድነት ዝጸልእ ብሓድነት ዘይጥቀምን ዝጓዳእን ጥራሕ እዩ። ልክዕ እዩ ሓድ ሓደ ሰባት ምትእኽኻብ ዝፈጥሩ ንሕማቕ ነገር እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ነዚ ኩሉ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር እምበኣር ዲሞክራሲ ዝብል ፖለቲካዊ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓልን ምፍላጡን የድሊ። ነዚ ንምፍላጥ ከኣ ዓይነታት ዲሞክራሲ ሓደ ብሓደ ምጥቃስ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።

ገለ ካብ ዓይነታት ዲሞክራሲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥-

ቀጥታ ዲሞክራሲ

ህላዌ ቀጥታ ዲሞክራሲ፡-ድሌታት ህዝቢ ናብ ህዝባዊ ፖሊሲ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ክትርጎሞ ኢንከሎ እዩ። ንኣብነት ከም ህዝባዊ ውከሳ።

ውክልናዊ ዲሞክራሲ

መልክዕ ናይ ቀጥታ ዲሞክራሲ ኣገባብ ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኖም ዝውስኑ ብኣገባብ ናይ ምዱብን እዋናውን ምርጫታት ዝተመርጹ ፖለቲከኛታት ካብ መዝነቶም ክወርዱን ቁጽጽር ክግበረሎምን ዝከኣል እዩ።

ጸገማት ናይ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ

-ህዝቢ ንዝተሓላለኸ ሕቶታት ዘይክርዳእ ይኽእል’ዩ።

-ምናልባት ዝበዝሑ ንውሑዳት ከግሊሉ ይኽእሉ’ዮም

-ተግባራዊ ኣይኮነን

-ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብርትዓዊ ዝሓስብ ናብ ስምዒታዊ ክዘዙ ይኽእል’ዩ

-ኣብ ህዝባዊ ግዲ ዘይምግባር ክስስዕብ ይኽእል

- ብተወሳኺ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ክፈጥር ይኽእል

- ብመንጽር ገንዘብን ግዜን ከኣ ክቡር እዩ

-ንንእሽቶ ጉጅለ ህዝቢ ጥራይ ከኣ’ዩ ከገልግል ዝኽእል 

ኦሊጋርኪ፥

ኦሊ ብቋንቋ ግሪኽ ውሑድ ከኸውን ከሎ ጋርኪ ከኣ ግዝኣት ማለት እዩ ትርጉሙ ። እዚ ሓደ ኣገባብ ቅርጻ ናይ ስልጣን ኮይኑ እቲ ስልጣን ብተግባር ኣብ ውሑድ ቁጽሪ ሰብ ዝተመስረተ እዩ።

መኳንንቲ፥

እዚ ቀጥታ ትርጉሙ (ምሩጽ ወይ ብሉጽ ግዝኣት እዩ)Arsto= ብሉጽ: cracy = ግዝኣት ወይ ምሕደራ። እዚ ኣገባብ ናይ መንግስቲ እዚ ብውሑዳት ፈላጣት ዜጋታት ዝግዛእ እዩ።

elitism:-.

ምሁርነት፥

እዚ እምነት እዚ ወይ ኣመለኻኽታ ገለ ውልቀሰባት እዩ። ምሁር ኢሎም ዝምስርቱ፥ ሕሩያት ጉጅለታት፥ ብፍልጠት፥ ሃብቲ፥ ፍሉይ ስልጠና ወይ ልምምድ ዘለዎም ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዝተመርጹ እዮም።

ክለፕቶክራሲ፡

ናይ ሰረቕቲ ግዝኣት -ብልሽውና ብመለኽቲ መንግስታት እዩ። ቃል ናይ ግሪኽ ኮይኑ ቀጥታ ትርጉሙከኣ፥ Klepto= ሰርቂ  cracy = ግዝኣት ወይ ምሕደራ ማለት እዩ። ሓደ ግዝኣት ወይ መሕደራ መንግስቲ ናይ ዝኾነ ዓይነት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት መዝመዝትን ሃብቲ ሃገር ዘመትትን እዮም።

ዲሞክራሲ

ደቂ ሰባት ንናይ ሽርክነት ፕሮጀክትታት ንምምዕባል ፍልልያቶም ብዘየግድስ ስነሓሳባቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ካልኦት ሰናይ ህይወት ተጽዕኖ ከይገበሩ፥ ሓቢሮም እንተዘይዘትዮም ዲሞክራሲ ህይወት ኣይህልዎን፡፡ ብዘይ ዘተ፥ ሽርክነት ፕሮጀክትታትን ሸነኻዊ ተጽዕኖ ወይ ጸቕጢ እዩ ዝኸውን። ድሕሪ እዚ ኩሉ እቲ ሕሉፍ ምስቲ ብቅዱስ መደብ ዝጀመረ ጻዕርታት ይጉሕፎ መወዳእትኡ ከኣ ብምልኪ ይድምድም። ስለዚ ዲሞክራሲ ማለት እንታይ ማለት እዩ።? ዲሞክራሲ ግሪኻዊ ቃል ኮይኑ ስልጣን ናይ ህዝቢ ወይ ከኣ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ማለት እዩ። ዲሞ ህዝቢ ክራሲ ከኣ ስልጣን፥ ምምሕዳር። ብ1860  ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዝነበረ ኣብረሃም ሊንከለን ካብቲ ውሩይ ጥቅስታቱ ንዲሞክራሲ ከምዚ ክብል ይጠቕሶ፥ ”ዲሞክራሲ ማለት መንግስቲ ናይ ህዝቢ፥ ህዝቢ ህዝቢ እዩ” እዘን ናይ፥ ብ፥ ን፡ ዝብላስ እንታይ ማለት ኮን ይኾና ሓደ ብሓደ ንርኣየን፡

ናይ፥- ስልጣን ካብ ህዝቢ ይምንጩ፥ ህዝቢ ልኡላውነት ስልጣን ኮይኑ ንስልጣንእንተስ ባዕሉ (ቀጥታዊ ዲሞክራሲ) ክጥቀም ወይ    ከኣ ውክልና ክህብ (ውክልናዊ ዲሞክራሲ) እዩ።

ብ፥- ስልጣን ህዝቢ ብዝመረጾ ተወካሊ ኣቢሉ ወይ ከኣ ብቐጥታዊ ግዝኣት ዜጋታትይሰርሕ።

ን፥- ስልጣን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ኮይኑ ዝሰርሕ እዩ። እዚ እቲ ጽቡቑ እቲ ረብሓሓባራዊ ምዃኑ እዩ።

ጽንሰ ሓሳብ ዲሞክራሲ

ዲሞክራሲ ከም ኣገባብ ናይ ህይወት (ምንባር) ዝቑጸርን ምስ ኣመለኻኽታን ግምታትን ሓባራዊ ተመኩሮ ናይ ውልቀ ሰባትን ብዛዕባ ሓቢርካ ናይ ምንባርን እዩ። ስለዚ ዲሞክራሲ ዘይንቀሳቐስ ሓሳብ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብርቱዕን ንጡፍን ክልወጥ ዝኽእል መስርሕ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

ጽንሰ ሓስብ ዲሞክራስያዊ ክብርታት

ናጽነት፥ ማዕርነትን ፍትሕን ክብርታትን ወይ መትከላትን ዲሞክራሲ ከም እኒ ሓውሲ ናጻ፥ ምትሕብባር፡ ሽርክናዊ ወይ ተሳትፎኣዊ ምግባር ውሳኔ ንናይ ማሕበረኮም ስምዒት እዮም። ማዕርነት፥ ኣኽብሮት፥ ፍትሒ፥ ናጽነት፥ ሓቅነት፥ ጽቡቕ ድሌት፥ ምትሕብባር፥ ተጻዋርነት፥ ተገንዝቦ ወይ ስምዒት፥ ሓላፍነት፥ ንፍልልያት ምቕባል፥ ድሕነት፥ ሰላምል ምዓት፥ ፍጹምነት ወይ ምልኡነት ብቑዕነት ኣብ ትግባረ ዝውዕሉ ዲሞክራሲያዊ ክብርታት እዮም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ንዲሞክራሲ ብግቡእ ንምትግባር ትምህርቲ ጥራሕ ኣይኮነን ምንጪ ናይ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ንምምስራት እንታይ ደኣ ስድራቤት፥ መድያን ካልኦት ትካላትን እውን ነዚ መስርሕ እዚ የበርክቱ እዮም።

መስርሓት ዲሞክራሲያውነት ንውጽኢታዊን ስሉጥ ስራሓትን ንነዊሕ-ግዜ ርግኣትን ናይ ዘመናዊ ደውላ ንቁጠባን ቅድመ ተደላይነት ዘለዎም እዮም።

ዲሞክራሲ ናይቲ ካልእ ድምጺ ምስማዕን፥ ምርኣይን፥ ድሌታትን ክብርታትን ኣብቲ ስርዓት ናይ ምውህሃዶም ኣብ ቀጻሊ ወይ ነባሪ ፈተነ  ዝተመስረተ እዩ።

ዲሞክራሲ መለለዪ ባህሪ ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ጥራሕ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ከም ናይ ጠባይ፥ ምህናጽ ርእይቶን፡ ምግባር ውሳኔን ኣብ መዓልታዊ ህይወት (ስድራ፥ ቤትትምህርቲ፥ ጎረበት፥ ማእከላት መንእስይ) ምኽንያት ናይ ሓቢርካ ምንባር ኣገባብ እውን እዩ።

ተሳትፎ ሰብኣዊ መሰል እዩ፥ተሳትፎ ንነፍሰ-ምዕባሌ፥ ክእለት፥ ብቕዓታት፥ ባህግታት፥ ነፍሰ-ምትእምማን ንዋጋ ዘለዎ ምንጭታት ዘሰስን ወሳኒ እዩ። ተሳትፎን ውጽኢታውን ዘላቕነትን ፕሮጀክትታትን (ውጥናትን) መስርሓትን ዘዛይድ እዩ፡፡ ህዝቢ ኣብዚ መስርሕ ኣዚ እንተዘይተሓወሰ ዲሞክራሲ ሕጋውነቱ ንናይምምራሕ ሓይሉ ንክስሕትወይ ክስእን እዩ።

ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-መንግስቲ መሰልን ናጽነትን ውልቀ ሰብ ብዕሊ ዝፈልጦምን ዝከላኽለለሎምን እዮም። ከምኡ እውን ትግባረ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ብግዝኣተ-ሕጊ ድሩት እዩ። ስለዚ ዲሞክራሲ ክዕወት ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ወይ ዜጋታት ናይ ግድን እዩ።

ዲሞክራሲ ክዕወት imbear ንጡፍ ተሳትፎ ዜጋታት የድልዮ

Microsoft Word Festival 2017 2nd part

Last modified on Tuesday, 22 August 2017 20:41