ፈስቲቫል ፍንክፎርት 2017 ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ Featured

2017-08-02 21:31:41 Written by  ዜና ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2347 times

ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ካብ ዕለት 04-06 ነሓሰ 2017 ኣብ ኣደራሽ ዩንቨርስቲ ቦኮንሃይም ቫርተ (Johann wolfgang Goethe –Universität, Mertonstr. 26-28, 60325 Frankfurt am Main) ከተማ ፍራንክፎርት ኣብትሕቲ ‘‘ሓቢርና ንቃለስ፡ ምልኪ ክድምሰስ‘‘ ዝብል ጭርሖ ዝውዕል፡ ምድላዋቱ ወዲኡ ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ በጺሑ ምህላዉ ኣቦ-መንበር ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ሓቢሩ። ፈስቲቫል ዓርቢ ንጉሆ ብምቕባል ኣጋይሽ ዝጅምር ኮይኑ፡ ድሕሪ ቀትሪ ብመምህር ድራር መንታይን ጎይትኦም መብራህቱን ዝተዳለወ ብጽሒት ዲሞክራሲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘገንዝብ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክቐርብ ከምዝኮነ‘ውን ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ኣስተምህሮ‘ዚ ብራፍቶ RAFTO Foundation for Human Right ዝተባህለ ዲሞክራሲ ንምንጋስ ዝጽዕት ናይ ኖርወይ ትካል ክጉስጎሰሉ ዝጸንሐን ዘሎን መደብ ናይ ምልመላ ኮይኑ፡ በዞም ክልተ ዘይሕለሉ ብጾት መማህራንን ካልኦት ነቲ ዕድል ዝረኸቡን ኣቢሉ ድማ ናብ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2017 ይበጽሕ ምህላዉ እዩ።

ድሕርዚ፡ እቶም ወናማት ሙዚቐኛታት ንብዙሕ ካብ ናይ ኤርትራ ባህልታት ዘንጸባርቕ ጸወታን ትልሂትን ክህሉ ከምዝኮነ ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ ኣዋሃሃዲ ባህላዊ ጉዳያት ፈስቲቫል 2017 ኣሚቱ ኣሎ። ብፍላይ ካብ ኖርወይ ዝመጽእ ሙዚቐኛ ሓው ብዝተፈላላየ ኤርትራዊ ዜማታት ከጻውት ተዳሊዩ ምህላዉ ሓቢሩ።

ቀዳም ዕለት 05 ነሓሰ ብመግለጺ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት  ዝጅምር ፈስቲቫል ፍንክፎርት 2017፡ ብወከልቲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ብሓፈሻ ዝቐርብ ናይ ምሕዝነት መግለጺታትን ኣስተምህሮን ግጥምታትን ክስነ ከምዝኮነ ኣዳለውቲ በዓል ሓቢሮም ኣለዉ።

ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ጀርመን ካብዘለዉ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ኣልናህዳ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ መርበብ ኤርትራውያን ዲቂ ኣንስትዮ ጀርመን፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መድረኽ ኤርትራውያን ንዘተን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዘቕርብዎ መግለጺታት ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዘይካዚ ምትእስሳር መንእሰያትን ሰልፊ ህልዊ ኩነታት ኣሰላልፋ ደምበ ተቓውሞን ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቃልስን ጸገማቱን ዝድህስስ ኣስተምህሮ ሓዘል ድራማታት ኣዳልዮም ኣለዉ። ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ እውን ንሕሰማት ኤርትራውያት ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘመልከተ ዝተፈላለየ ምድላዋት ጌርና ኣለና ክትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ኢሳቕ ሓቢራትና ኣላ።

ሰዲህኤ ካብ ዝምስረት፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዳሎ ዝጸንሐ ዓመታዊ ፈስቲቫል ብዝተፈላለየ ጭርሖታት ዝሓዘ ኣርማታትን ምልክትን ክውቅብ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ናይ ሎሚ ዓምት ፈስቲቫል‘ውን ናታ ገጽ ሒዛ ቀሪባ። እንተኾነ ግን ንኣርማ ፈስቲቫልን ማሕበርን፡ ኣርማ ሰዲህኤን ባንዴራ ኤርትራን ፈላልዮም ክጥምቱ ዘይካኣሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ክንዲ ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ዝሓለፈ ሸውዓተ ፈስቲቫላት ዝሓዞ ምልክታት ተመሊስካ ምርኣይን፡ ተረኽበት ጉድለት ተባሂሉ መውጽኢ ቅርሕንትታቶም ክጥቀሙላ ፈቲኖም። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ግን፡ ጉዕዝኣ ቀጥ ኣቢላ ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ በጺሓ ምህላዋ ምስክርነቱ ኣንጸባሪቑ እነሆ።

ሰብ ውራይ ስለዝኾና፡ ብዛዕባ ኣርማን ባንዴራን ንግዝይኡ ኣብዚ ደው ኣቢልና፡ ካብተን ኣብ 2015ን 2016 ፈስቲቫላት ፍራንክፎርት ዝተጠቅመለን ኣርማታት፡ ንኣስተብህሎ ተኻታተልቲ መርበባት  ደጊምና ንሰቕል ኣለና። 

Festival Poster 2015 main

Festival 2016   

 

Last modified on Wednesday, 02 August 2017 23:51