“ጥልመት ኣዕናዊ ተመሊሱ የእዊ’

2017-07-30 10:35:23 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3232 times

ትርጉም ጥልመት ኩልና ከምዘይንስሕቶ: ኣብ መንጎ ደቂሰባት፥ ውድባት፥ ሰልፍታት፥ ማሕበራት፥ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ዝምድናን ርክብን ዝጠምሮም፡ ሓባራዊ ረብሓን እምነትን ክከሓድ እንከሎ ዝፍጠር እዩ። እቲ ዝምድናታት ውዒሉ ሓዲሩ ስነምግባርን ስነስርዓትን ብዝጎደሎ ኣካይዳ ዝብገስ ጽልኢ ይኹን ቅርሕንቲ ናብ ምጥርጣራትን፥ ዘይዕግበትን፥ ገጹ የምርሓካ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ  ዘራኽበካን ዘዛምደካን፥ ወይ እውን ዝጠምረካ ጉዳያት እምነት ብምጉዳል ወይ እውን ኣብ ርእስኻ ጥራይ ተኣማሚንካ ናብ ምጥሓስን ዝምድና ገጽካ ክትመጣጠር እንከሎኻ ናብ ጥልመት ገጽካ ኢኻ ትጎዓዝ።

ጥልመት ንፋሕ ብትን ወይ እውን ዘይምስምማዕ ኣዝዩ ዘራጉድ ኮይኑ፡ ነቲ ምስ ፈረሰ ብቐሊሉ ክምስረት ዘይከኣል እምነት ኣብ ሓደጋ የውድቖ። ምኽንያቱ እምነት ኣንተዘይሓሊኻዮ ብቐሊሉ ተሰባራይን ተነቃፋይን  ስለ ዝኾነ ብቕጽበት ክጠፍእ ወይ እውን ከምዘይነበረ ክኸውን ስለ ዝኽእል። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ጽልእን ቅርሕንትን ብሓንቲ ደቒቕ ክዕምባባን ከስፋሕፍሓን ከለዋ፡ እምነት ግና ብብዙሕ ውረድ ደይብን ተጽዋርነትን ኣቢልካ ነዊሕ ግዜ ወሲድካ እዩ ዝምስረት። ኩሉ እትኣምኖ ዝነበርካ ናይ ብሓቂ እንተዘይነይሩ ነቲ ዝነበረካ እምነት ብሓንቲ ደቒቕ ምሒኻ ናብ ጎደና ጥልመት ምኻድ ቀሊል እዩ።

በዚ መስረት ጥልመት ብጣዕሚ ሓደገኛን ኣዕናውን ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝነበረካ እምነት ድልዱል ስለ ዘይነበረ ኣብ ልዕሊ እትኣምኖም ዝነበርካ እምነትካ ከተጉድል እንከለኻ  ንነፍስኻ ትጠልም ከምዘሎኻ እውን ምስትብሃል የድሊ። ምኽንያቱ ስለ ዝኣመንካዮም  ኣሚኖሙኻ እምበር እንተዘይትኣምኖምሲ ኣይምቐረቡኻን። ልክዕ እዩ ወዲ ሰብ ካብ ፍርሕን ነድርን ወይ ቊጠዐ ምስ ዝብገስ እታ እምነት እትደልዮ ፍቕሪ፥ ሕውነት፥ ምክብባርን ስኒትን ኩሉ ብሓደ ሰዓት ክሰባበር ስለዝኽእል እታ ጥልመት ትቕልቀል። ጥልመት ከኣ ሒዛቶም ትመጽእ ሳዕቤናት ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ምቁንጻብ፥ ጸርፍን ብደዐን ዝኣመሰሉ ነቲ ሃዋህው የበላሽውዎ’ሞ እቲ ኩሉ ትኣምነሉ ዝነበርካ መራጎዲ ጥልመት ይኽወን።

ጠላም ከኣ ክሳብ ንዕላምኡ ምጥላም ስለ ዝበጽሕ ናይ ተጻዋርነት ባህሪ ኣይህልዎን እዩ። ነቲ ኩሉ ዝሓለፎ ጡዑይ ሃዋህውን ምስ ደቂ ሰባት ዝፈጠሮም ዝምድናታትን ብዘይ ወዓል ሕደር ብትኽትኽ እዩ ዘብሎ። ጽባሕ ንግሆ ወይ እውን ኣብ መጻኢ ክንራኸብ እንዲና ኢሉ ስለ ዘይሓስብ ብዓይኒብለይ ስኒብለይ ንኹሉ ክድምስሶ ዝእግሞ ኣይኮነን። በዚ ዝኣክል ሓሶትን ምድንጋራትን ሓዋዊሱ ንዝኣተዎ መብጸዓ ክጥሕሶ ግዜ ዝወስደሉ ኣይኮነን። ስለዚ ጥልመት ኣብ  ዝረኣየሉ እዋን እምነት ከም ጽላሎት እዩ ዝኸውን። እምነት ክሳብ ሞት ክትሕዞ እምበር ኣብ መንጎ ክትበትኖ ከሎኻ፡ ንዓኻ’ውን ዝኣምነካ ኣይህሉን።

ሽግርና እምበኣር ነቲ ብነዊሕ ዓመታት ዝተጠርየ እምነት ብቐሊሉ ክጉረሽ ምዃኑ እንዳፈለጥና፡ ናተይ ሓሳብ ካብዘይተሰምዐ ከምቲ (ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ) ዝበሃል ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ፥ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምንፍፋግ ተዘውትር’ሞ ነቲ እትኣምነሉ ዝነበርካ ናይ ፖለቲካ ይኹን ማሕበራዊ ሕግታት ወይ ቀይድታት ርዒምካ ምኻድ ከምዘይበቓዕካዮ እዩ ዘመስክር። እወ! ዝኾነይኹን እትኣምነሉ ጉዳይ መስርሕ እምበር ተረኽቦ ከምዘይኮነ ኩልና ንርድኦ ይመስለኒ። እዚ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም እንከሎና ንፖለቲካ ከም መስርሕ እምበር ከም ተረኽቦ ገርና ክንግምቶ እንተዀይና ዝፈጥሮ ጸገም ክህልው ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ንፖለቲካ ብመንጽር ተረኽቦ ክንርእዮ ከሎና ልሙሳት  እዩ ዝገብረና። ምኽንያቱ ነቲ ንኹልና ዘንጸላሉ ሓደጋ ሓባራዊ ክንሱ ኣብ ናይ ውሱን ተረኽቦታት ብምድሃብ ናይ ኩልና ምዃኑ ዘንጊዕና  ክነስተብህለሉ ኣይንኽእልን። ኣብ ተረኽቦታት ምንባርና ድማ ነቲ ንምንታይ ንቃለስ ከም ዘለናን፥ ስለምንታይከ እብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሎናን ዝብል ፍታሕ ወይ ተረድኦ ክህልወና ክንጽገም ኢና። ኩልና ኣብ ሰልፍታት ንሃሉ፥ ኣብ ማሕበራት ካብዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ጸበባን መከራን ፍታሕ ክነናዲ እምበር ኣብ ነንሓድሕድና ምውድዳር ከምዘይኮነ እንተዘይተረዲእና፥ ከድና ከድና ኣብ ጥልመት ገጽና ኢና ክንጎዓዝ። ነቲ ግዝኣተ ሕጊ ዝበሃል  ጠማሪናን፥ ንግርጭታት ፍታሕ ዘናድየልናን ምዃኑ ብምዝንጋዕ፥ ኣነዶ በዚኦም ወይ በቲኦም እናበልና ንዝረአ ምፍሕፋሓት ማዕረቲ ዓብይ ፍታሕ ንደልየሉ ዘሎና ቃልሲ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ዘሎናዮ መድረኽ ሽግር ውልቀሰባት ናይ ምፍታሕ ዘይኮነስ ኤርትራ ትሃሉዶ ኣይትሃሉ ኣብ ዝብሉን፡ ንኽትህሉኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ደኣ ክንሓስብ ኣሎና እምበር፥ ንፍልልያት ኣራጒድካ ብኣኡ ምህውታት ሽግር ህዝብና ክንፈትሕ ኣይንኽእልን ኢና።

ስለዚ ጥልመት ንእምነት ትድምስስ ካብ ኮነት፥ እምነት ምስኣ እንተጠፊኣ ከኣ ፍትሕን ርትዕን ክህሉ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ትልመጥ እንተሳዕሪሩ፡ ኩሉ ውዕላት፥ መትከላት፥ ሕግታት፥ …  ወዘተ ክጠሓስ ማለት እዩ። እዚኦም እንድሕሪ ተጣሒሶም ከኣ ወዲ ሰብ ንቕድሚት ክስጉም ዘይኮነ ኣብ ዕንክሊልን ሓድሕድ ምክሳስን’ዩ ዝነብር። ዘሎን ዘየሎን ኣኻኺብካ ንሰባት ዘእምን ብዝመስል ኣገባብ ተጠቒምካ ዝሃነጾ ንምፍራስ እዩ ዝጽዕር። ምኽንያቱ ነቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሕግታት እንተዘይኣኽቢርዎን ዘይተማእዚዝዎን ከይዱ ከይዱ ኣይናተይን ይብሎ ኣሎ ስለ ዘስምዕ ንኽጠልሞ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። ሎሚ ኩልና ንልዕልና ሕጊ ብተግባር ክንውፈን ክንርዕምን እንተዘይበቒዒና፥ ጽባሕ ንግሆ ንሕና ከምዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ፡ ልዕሊ ሕጊ ክንከውን ክንመጣጠር ኢና። እዚ ከኣ እዩ ኣነ ዝበልክዋ እንተዘይኮነት ካልእ ገደል ይእቶ ናብ ዘብል  ኣፍራስነት ዝእቱ።

Last modified on Sunday, 30 July 2017 12:45