ሰሚናር ኣቶ ክብሮም ዳፍላ - በይ ኤርያ ካሊፎርንያ

2017-06-27 12:34:11 Written by  በይ ኤርያ ኤርትራውያ ን ደሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1888 times

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሚክራስያዊ ለውጢ ከም'ቲ ልሙድ ንዝኽሪ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምኽንያት ብምግባር፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ  ዝነበሮ ሰሚናር ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብ24 ሰነ 2017 ኣአንጊዱ። እዚ ሰሚናር ብዓይነቱ ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ዝሓለፉ ሕልኽላኻት ቃልሲ  ንጎድኒ ገዲፍና ንቕድሚት ብምጥማት ከመይ ጌርና ናብ ትግባረ ንሰጋገር ዝብል ገጂፍ ኣርእስቲ  ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡሉ፡

ኣቶ ክብሮም ኣስዒቡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝብና ዘድልዮ ዘሎ፡ ብሓያል ወዳበን ምትእምማንን ናብ ተግባራዊ ቃልሲ ዝመርሖን ነቲ ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ብዘይ ዝኾነ ወሳነ ቤትፍርድን መሰልን ሎሚ ዶ ጽባሕ ካብ ጸልማት ይወጽእ ኢሉ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ከነድሕኖ እዋኑ ሕጂ ምዃኑን፡ ይጽነሓለይ ዘይበሃልን ግዚኡ ከምዝኣኸለን ኣብሪሁ።  

ኣቶ ክብሮም ነታ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 24 ደርቢ ዘለዎ ፓላሶ፡ እሞ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዝነደደት ከም ኣብነት ብምምጻእ፡ ሃገርና ኤርትራውን ሕጂ ስጉምቲ ወሲድና እንተዘይድሒንናያ ልክዕ ከም'ታ ፓላሶ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ከየርከብናያ  ክትበታተን ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ወሲኹ ኣብሪሁ።  

ኣስዒቡ ኣቶ ክብሮም ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ናብ ተግባራዊ ቃልሲ ዝወስድ ውጥን ተወጢኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ብዓይነቱ ፍሉይን ብውሽጥን ብደገን ሓያል ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣብዚ ፍሉይን ታሪኻውን መደብ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኣባል ውድብ ይኹን ካልእ ብማዕረ ዘሳትፍ ስለዝኾነ በቲ ኣጋጣሚ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዚ ፍሉይን እዋናውን መደብ ብዝጥዕሞ ክሳተፍ ማለት ብግዜ፡ ብንዋትን ብሞራልን ተሳትፍኡ ከዛይድ ጸዊዑ። 

Kubrom Dafla 

ቐጺሉ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ጸላኢና ከነለሊ ከምዝግባእናን፡ ህግድፍ ዝበሃል ፓርቲ ኣብ ግብሪ ከምዘየለን፡ ኣረኣእያናን ኣተኩሮናን ን ኢሰያስ ስልጣኑ ናብ ህዝቢ ከረክብ ብውሽጥን ብደገን ጽቕጢ ምግባር እቲ እንኮ ኣማራጺ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።   

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ክብሮም ነዚ ሃገራዊ ወፈራ ኩሉ፡ሰብ እጃሙ ከበርክት ብምጽዋዕ እንተዘየለ ግን ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ከምዝኾና፡ ብምዝኽኻር ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ብዘዕግብ መሊሱ። ተጋባእቲ ከኣ በዚ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽን እዋናውን ሃገራዊ ወፈራ ዘለዎም ተስፋን ኣብ ትግባረ ክሳተፉ ቁሩባት ምዃኖም ኣስሚሮም።

Kubrom Dafla pic

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነት ምኽንያት ብምግባር  ብ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ነበር  ኣቶ የማነ ተኽለገርጊሽ ተመሳሳሊ ሰሚናር ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ።


በይ ኤርያ ኤርትራውያ ን ደሞክራስያዊ ለውጢ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ
25 ሰነ 2017

Last modified on Tuesday, 27 June 2017 14:47