ኣብ ክንዲ ንወዳደር ንተሓባበር

2017-06-21 08:55:42 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1984 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ንሓባራዊ ስራሕ ዝጽውዕ እማመ ዘርጊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ እማመ እዚ ብትሕዝትኡ ኩሉ ክሰማማዓሉ ዝኽእል”ኳ እንተኾነ ዝጻረርዎ ውን ይህልዉ። እዚ እማመ እዚ ከስርሓና ይኽእል እዩ ካብ ዝብል እምነት ዝተበገሰ እምበር ናይ ዕብለላ መንፈስ ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ሰልፊ ካብዚ እማመ እዚ ዝሓሸ እንተቐረበ በቲ ዝሓሸ እማመ ክም ዝሰማማዕ እውን ኣብቲ መንፈስን ቀለምን ናይቲ እማመ ሰፊሩ ይርከብ።

እዚ ብሓባር ንምስራሕ ዝጽውዕ እማመ ኣርሒቕካ ብምሕሳብን ምርሕሓቕ ወጊዱ ምቅርራብ ዝተኸተለን እምበር ስለ ጭርሖ ዝተበገሰ ከምዘይኮነ ኩሉ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ከስተብህለሉ ይግባእ። ሓቢርካ ምስራሕ ንገዛእ ርእሱ ኣካል ዲሞክራስያዊ መስርሕ እዩ። ስለዚ ብተግባር ኣሳኒኻ ክትጭርሓሉ ዝግባእ እምበር ዝቆናጸብ ኣይኮነን።

ልክዕ እዩ ኣብ ውድባት ኤርትራ ዝጸንሐ ሽግር ንፍልልያት ምምእካልን ምምሕዳርን ዘይምብቃዕ እምበር ዘገራጩ ዕላማ የለን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ደምበ ተቓውሞ ነዚ ምልካዊ ስርዓትን ኣተሓሳስባን ኣልጊስካ እቲ ሱር ነቀል ዝበሃል ናይ ስርዓት ለውጢ ምምጻእ ዝቃለስ እዩ። እቲ ሱር ነቀል ዝበሃል ለውጢ ነዚ መላኺ ስርዓት ኣልጊስካ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተኪእካ ፖለቲካዊ ለውጢ ምምጻእ ማለት እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝገብኣና ጉዳይ ብኽንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ውድባትን ሰልፍታትን ካብቲ ናይ ቀደም ህልኽ ንኽውጽእ እንተዘይክኢሉ ነቲ ፖለቲካዊ ለውጢ እንብሎ ብኣፍ እምበር ብተግባር ክንገጥሞ ከምዘይከኣል እነሆ እቲ ግዜ ይሕብር ኣሎ።

ቂምን ጽልእን ሒዝና ንቕድሚት ክንስጉም ኣይንኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ እንደልዮ ለውጢ ዘደናጒን ዝዕንቅፍን እዩ ክኸውን። ኣብዚ እቲ ፍልልያትና ክነመሓድሮ እንተዘይበቒዕና ኣብቲ ናይ ትማሊ ሓሸውየ ተሸኺልና ንሃገርን ህዝብን ክነድሕን ከምዘይንኽእል ክንርዳእ የድሊ። እቲ መንገዲ ዓወት ሒዝና ክንምርሽን እቲ ዓወት እውን ናይ ኩልና እምበር ንናይ ሓደ ፍሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ወይ ኣውራጃ ከምዘይከውን ንምግባር ሓባራዊ ዘሰማማዓናን ንኤርትራዊ ማዕርነት ዘውሕስን ሃገር ዘበልጽግን፥ ህዝቢ ተጠርኒፉ ጉዳይ ሃገሩ ዘከታትልን ንሓበራዊ ፍታሕ ዝርኢ ክኸውን ኣለዎ።

ነዚ ንምብቃዕ እቲ ናይ ሎሚ ዕማም ምስቲ ናይ ጽባሕ ክተሓዋወስ ኣይግባእን። እዚ ማለት እቲ ናይ ትማሊ ንሎሚ ዝዕንቅጽ እንተኾይኑ ኣብኡ ኣይንጸመድ። ነዚ ናይ ሎሚ ምጥማት ገዲፍና ንናይ ጽባሕ ንቋመት እንተዀንና ኣብ ግዜኡ ዘይሓለወ ውድድር እምበር ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ክንጽመድ ኣየኽእለናን እዩ። እቲ ናይ ሎሚ ዕማምና ንምልኪ ምልጋስ ቀዳምነት ዝህብ ዕማም እዩ። እቲ ካልኣይ ዕማም ከኣ እቲ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ወይ ከኣ ልኡላውነት ህዝቢ እዩ። ስለዚ እቲ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝስዕብ ዕማም ናይ በይንና ዘይኮነ ናይ ህዝቢ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ነዚ ኣሚና ሎሚ ናይ ሓባር ስራሓት ምስ እነካይድ እቲ “መን እዩ” ክዕብልል፥ ወይ እውን ኣየናይ መጻኢ መትከልን ፖሊስን እዩ ዝዕወት ከባእሰናን ከፈላልየናን ኣይክእልን እዩ። እንተደኣ ጉዳይ ሓላፍነትን ምምራሕን ኮይኑ ከኣ ናይ ህዝቢ ውሳነ ምዃኑ ኣሚንና ንቀበል።

እዚ ንምልኪ ምልጋስን ድሒሩ ዝስዕብ ዕማምን ክንደዋውሶ እንተዀና ግን ንመንገዲ ዓወት ብጭራኣ ዝሓዝናያ እያ ክትከውን። ምኽንያቱ ኣብዚ እቲ መንፈስ ናይ ውድድር፥ ናይ ምንጽጻግ፥ ምዕብላል፡ ምጥርጣርን ዘይምትእምማን ዝነግሰሉ እዩ ክኸውን። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘፈላልዮ ነገራት ዘቀራርቦ ነገራት ይበዝሕ፥ እዚ ዘቀራርቦ ነገራት ከኣ ብመንፈስ ንኡስ ምስሕሓባት ክዕገት ኣይግባእን። ደምበ ተቓውሞ ዘመሳሰልን ዘይመሳሰልን መደብ ዕዮ ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። እቲ መርገጻት ዝመሳሰል ይኹን  ዘይመሳሰል እተን ውድባት ግና ኩለን ሃገራውያን እየን። እዘን ብዝሓዘኦ ፖሊሲታት ዝመሳሰላን ዘይመሳሰላን ውድባት ወይ ሰልፍታት ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ እየን ፍርደን ዝረኽባ። እዚ ማለት በቲ ብውሳነ ህዝቢ ዝሕንጸጽ ቅዋም ኣቢሉ እዩ ዝፍታሕ። ይኹን እምበር ሓቢረን  ሽግረንን ሽግር ሃገርን ህዝብን ክፈትሓ ዝኽልክለን የለን።

ሎሚ ብሓባር ምስራሕ ጥራሕ እዩ ነዚ ምልኪ ዘልግስ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖትን ዕልማናውን ዝብል ስለስተ ስርርዓት ከምዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። ይኹን ምበር ሓደ ነቲ ካልእ ስዒሩ ወይ ኣግሊሉ ዓወት ወይ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ በቲ ናቱ ዕላማን፥  ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ንምዕዋት ዝብል መንፈስ እንተልዩ እዚ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር ናይ ወድባት ኣይኮነን ። በዚ መሰረት ከኣ እዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ስርዓት ምስ ኣውደቕና ጥራሕ ኢና እቲ እንደልዮ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከነቕርቦ እንከለና እዩ ክዕወትን ዘይክዕወትን ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎ።

ከም እምነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ናይ ብሄር ወይ ናይ ሃይማኖት ውደባ ኣብቲ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት እዩ ናይ መወዳእታ መልክዑ ዝሕዝ። ይኹን እምበር ዝኾነ ውድብ ነቲ ካልእ ውድብ በዝን በትን ተጐዓዝ ኢሉ ፍቓድ ዝህብ ወይ ዝኽልክል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እገለ ውድብ ንመሰል ብሄር ይኹን ሃይማኖት ኣይኣምንን እዩ እንዳበለ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሓይሊ ግን ኣይሰኣንን እዩ። ብዝኾነ እዚ እማመ እዚ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ቀሪቡ ኣሎ። ንኹልና ዝጥርንፍን ዘሰማምዕን ካብዚ ዝሓሸ እንተተረኺቡ ወይ ዝጐደለ ኣለዎ እንተተባሂሉ እውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገርን ህዝብን ዘድሕን ደኣ ይኹን እምበር ንኽቕበል ድልው እዩ። ስለዚ ኩልና ናይ ቃልሲ ምሕዝነትን ብሓባር ናይ ምስራሕን መንፈስ ክንድልብ የድልየና።

Last modified on Wednesday, 21 June 2017 11:03