ኣይረሳዕኩኽን ሚያዝያ 26.1992 ሰባት ኣሲርኪ እምበር፡ ራኢኦምስ ስፊሑ እኳ ዳኣ

2017-04-25 21:01:34 Written by  ንጉሰ ጸጋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 6251 times

Woldemariam andTeklebthan 26.04.2017 2ወልደማርያም ባህልቢ                                                                            ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ

ኣይረሳዕኩኽን ሚያዝያ 26.1992

ሰባት ኣሲርኪ እምበር፡ ራኢኦምስ ስፊሑ እኳዳኣ

በዓለ-ትንሳኤ ብዝተፈላለየ መጸውዕን፡ ኣብ ዝተአላለየ ግዜን ብዝተፈልየ ምልክዓትን ብድሕነት ህዝቢ ዓለም ዝፈለጥ ሓደ ካብቶም ዓበይትን ክቡራትን ሃይማኖታዊ በዓላት እዩ። ስለዝኮነ ድማ ስድራቤታት ካብ ርሑቅን ካብ ቀረባን ዝተኣኻኽብሉ፤ ተፈላልዮም ዝጸንሑ መታዓብይትን መሓዙትን ወዶም ኮነ ጓሎም ዝራኸብሉ ናይ ታሕጓስን ደስታን ዓመታዊ በዓል ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣረ ብዙሕ ካብ ስድራታት ህዝብናስ ቆልዑትን ወርጠበታትን/ጎምበለታት ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ሓደስትቲ ክዳውንቶም ለቢሶም ኣብ ቅርዓታት ዓድታቶም ናተይ እባ፤ ናተይ እባ እንዳተባሃሀሉ ታሕጓሶም ዝገልጽሉ ሓደ ካብ ናይ ፍሳሃን ደስታን ማዓልታት እዩ።

ሓደ ብኣርኣያ ስላሰ ዝተፈጥረ ስብ፤ መቀረት ናይዚ ቅዱስን ናይ ታሕጓስን መዓልቲ ዘየስተማቕርን ናብ ናይ ክፋእን ሕሰምን መጻወድያ ዝቕይርን እንተልዩ ግን፡ ብዘይካ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶርያውን ስርዓታትን እንተዘይ ኮይኖም ካልእ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ፤ ብዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ሰንበት ማዓልቲ እኳ ትንበር እምበር፡ ልክዕ ከምዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ምስ ቤተ ሰቦምን ማሓዙቶምን ነቲ በዓል ንምኽባር ዝተዓደሙ ብጾት ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ናይ ሽዑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፤ ልኡኻት ስርዓት ኢሳያስ ምስ ሓደ ቤት-ሰብ መሳሊ ካብ ዓደምቶምን ጸጥታ ሱዳንን ተመሳጢሮም ካብ ከሰላ ብምጭዋይ፡ ነቲ መዓልቲ ሓጎስ ናብ ማዓልቲ ሓዘን ዝቐየሩ።

ካብቲ ባህልን ክብርን ዘይብሉ፡ ንናይ ሓሳባትን ፖለቲካን ፍልልያት ክጸወር ዘይኽእል፡ እንትርፎ ዓመጽን ሓይልን ንኻልእ ፍታሓት ዘይተዓደለ፡ ቃጻን ሻራነት ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀም ርእሰ ምልኪ ኢሳያስ ካልእ ዝጸበ ሰብ እንተልዩ ገና፡ ሕሰምን መከራን ዘይጸገበ ወይ ድማ ነዚ ጥራሕ ዝተፈጥረ፤ ካልእ ጽቡቕ ዝባሃል ነገር ከምዘሎ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብጾት ድሕሪዚ ናይ መጭወይቲ ማዓልት'ዚ ክሳብዛ ዕለት እዚኣ 25 ዓመታት መመላእታ ብዘይካ ኤርትራ ምብጽሖም ካልእ ዳሃይ ዝባህል የብሎምን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘታሓሳስብን ድማ ኣብ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ፈራሃት መለኽቲ ምውዳቆም እዩ። ዋላ እቶም ንማንዴላ 27 ዓመታት ዝኣሰሩ ዓሌታውን መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን፡ ብስድራ ቤቱ ክብጻሕስ ዘየፍቅዱ ኣይነበሩን።

እዞም ክልተ ተጋደልቲ ብጾት እዚኣቶም ልክዕ ከምቲ ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን መንእሰይ ኤርትራ ማህደሮምን ርሳሶምን ደርብዮም፤ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም ንናጽነትን ሓርነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንእስነቶምን ሂይወቶምን ካብ ምብጃው ሓሊፎም ዝፈጸምዎ ኣበሳ ኣይነበሮምን። ባህግታት ህዝብና ንምርግጋጽን ንዝተሰለፍሉ ዕላማ ክዉን ንምግባርን ተመሪሖም ኮነ መሪሖም፤ ኣብ ከበድቲ ወታሃደራዊ ስርሒትትን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዝፈጸሙ ደሞምን ዓጽሞምን ዝኸፈሉ ብጾት እዮም። ኣሰር ጀግንነቶም ኣብ ኣካላቶም ዘሎ በሰላ ጠያይት መግዛእትን ዝተቆርጸ ኣጻብዕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንሎሚ ብሓፍሻኡ ካብ ጎላጎል ስመጃና ጀሚርካ ክሳብ ጋሽ ባርካ ዝፈሰሰ ደሞም ዘይሕከኽ ኣሰር ገዲፉ ምህላዉ ጠቂሰ ክሓልፍ እደሊ።

ጠንቂ መጭወይቲ ብጻይ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝተጠቕሰ ባህርያት ምልኪ እዃ ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ ናይ ናጻነት ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ ነቲ ቕድሚዚ ዕለት'ዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦትን ዝሕስብ ዝነበረ ናይ መጭወይት፡ ቅትለትን ራዕድን ደምሳሲ ፈተነታት ገዲፈ፡ ነቲ ንኢሰያስ ዘይቀባበሎ ናይቲ እዋን ገለ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፍሉይ ርእይቶታት ምጥቃስ፤ ነቶም ኣንጊሁ ዝተበገሰን ግን ከኣ፡ ሰማዒ ኣእዛን ዘይረኸበን ሓይሊ ተቓውሞ ምንባሩ ዘይፈልጡ መንእሰያትና ብሰነድ ሓበሬታ ምቕራብ ጠቓሚ እመስለኒ።

1. ቅድሚ ምጅማር፡ ናይቲ ኣብ ሎንዶን ክካየድ ዝትለም ዝነበረ ርኽክብ ትሻዓተ ማዓልታት ቅድሚ ናጽነት ማለት'ዩ፤ መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ካልኦት 3 ውድባት ኤርትራ ብዕለት 16.05.1991 ''እዚ ኣዋጅ'ዚ ዚኸተማ ኤርትራውያን ውድባት፤ ኣህጉራውን ሓፈሻዊ ርእይቶ ኣብ ሎንደን ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ርኽክብ፤ ንጎንጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወድዓዊ ምይይጥ ከምዝይበቅዕን ብውጻኢቱ'ውን ከምዘይምእዘዛን ይገልጻ'' ዝብል ገለ ካብ ትሕዝትኡ እዩ ነይሩ። እዚ መግለጺ'ዚ ምስ ተግባራትን ባህግታትን ኢሳያስ ብቐጥታ ስለዝራጸም፡ ነዚ እምንቶ'ዚ ዝነበሮ ኣባል መሪሕነት ውድባት ኮነ ሃገራዊ ኣድብዩ ግዜ ተጸቢዩ ከምዘጥፋኦ ፍሉጥ እዩ።

2. ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዕለት 25.05.1991 ካብ ዘውጽኦ መግለጺ ''ኢትዮጵያዊ ጎበጣ ኣብ ኤርትራ ብምስዓሩ ንሓፋሽ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሕይልታቱን ናይ ሓጎስ መግለጺኣ እናኣቕረበት፤ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ንምስምማዕ ክዓያን፤ ሃገራዊ ናጻነት ብምእዋጅ ኩሉ ዓቕምታተን ንሃገርን ሰውራን ንምክልኻል ክጸምድኦን ትጽውዕ'' ድማ ይብል። ሽዑ ምእዋጅ ናጽነት ሕማም ርእሲ ናይ ኢሳያስ ምንባሩ ኣብቲ ብዕለት 29.05.1991 ኢሳያስ ኣብ ሎንደን ናጽነት ከምዘይእውጅን ንረፈረንዱም ክጽበ ምዃኑን ብዘቕረቦ መልሲ ውዱእ እኳ እንተነበረ፡ ብዕለት 04.06.1991 ኣብ ካርቱም ቓዓት ኣልሰደቓ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላን፡ ንምእዋጅ ናጻነትን ተሳትፎ ውድባትን ብዝምልከት ቃለ ማሕተትን ቃል ብቓሉ ''ግዜ ፈረረንዱም ኣብ ዋዕላ ኢትዮጵያ ከምዝውሰንን፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ክሳተፍ ዝደሊ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እዘን ውድባት ከም ዝኮነ ካልእ ዜጋ ንሃገሩ ተመሊሱ ክሳተፍ ይኽእል እዩ'' ክብል ብውዱእ ኣፍሊጡ እዩ። ስምምዕን ልዝብን ዝብሉ ኣምራት እሞ፤ ንሜላ እንተዘይ ኮይኑ፤ በዓል ለይተን ስለዘይኮነ፡ ነዚ ካብ ርእይትኡን መደባቱን ዝተፈልየ መግለጺ ካብዘውጽኤ ውድብ ተጋደልቲ ብጻይ ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ግዳያት ክገብሮም መን ዘይጽበዮ። መግለጺ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ኣዕሚቐን ይቕበራ ምህላወን ንውድባት ኤርትራ ዳግማይ መርድእ ድማ'ዩ ነይሩ።

3. ኢሳያስ ኣብ እዋን ናጽነት ምስ ውድባት ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ዝራጸም ነይሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ውዓል ሕደር ዘይብሉ ናጽነት ኤርትራ ስለዝኣወጀትን ስለዝተቐበለትን፡ ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ብዕለት 30.05.1991 ''ሓው ዝኮነ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብዚ ምዕብልናታት'ዚ ኣብ ዝወሰዶ ኣወንታዊ መርገጽ ነሞጉስን ነተባብዕን ምዃና ነረጋግጽ'' ዝብል መግለጺ ምውጽኦም፡ ንመደባት መራሒ ምልካዊ ስርዓት ዝጻረር ኣብርእሲ ምዃኑ ፡ መንግስቲ ሱዳን ንዘውጽኦ ኣዋጅ ናይ ናጽነት ስሒቡ፡ ክሳብ ናይ 1993 ህዝበ-ውከሳ ኣቐሚጥዎ ጸኒሑ። ዕንጽ-ዕንጾ ንማዕጾ ከምዝባሃል ግን ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ንናይ ናጽነት ኣዋጅ ዝድግፍ ፍሉይ ርእይትኦምን ሓሳቦምን ዝውህለል ካብ ዝነበረ መሰወሪኦም ምኽንያት እዩ።

4. ብዘይካ'ዚ፡ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝኣባላቱ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ፡ ነቲ ቀንዲ ሰረት ሓድነትን ልምዓትን ህንጸትን ዝኾነ ራእይ ውድብ፡ ብዕለት 07.06.1991 ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ ''ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት፡ ዕማም ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ ንምዕዋት መታን ክካኣል ፍልልያቱ ንጎኒ ብምግዳፍ፤ ሓቢሩ ክዓዪ ይጥለብ ኣሎ። ንሕና ምእንቲ ዝላዓለ ሃገራዊ ጠቕሚ ኤርትራ፤ ኤርትራዊ ፍልልያት ነዚ መድረኽ'ዚ ክንውንዝፍ እናጠለብና ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ኩሎም ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገር ንዝደጋገፉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምብጻሕ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ናጻነቱን ኣረኣእያኡን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብኣረኣኣያኤን ዝፈላለያ ሃገራውያን ውድባት ምህላወን ምኽሓድን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ክትቀብር ምፍታንን ፈጺሙ ዘይግባእን እዩ። እዘን ውድባት ኣበርክቶአን ክሳብ ክንደይ ዓብዪ ወይ ንእሽቶይ ነይሩ እቲ ተሳትፎ ብዘየገድስ፡ ብዝገበርኦ ኣበርክቶ ንዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ምክልኻል ንኸይሳተፋ ክኽልክለን መሰል ዘለዎ'ውን ዋላ ሓደ የለን'' ዝብል ነይሩ።

ኢሳያስ ንግሩህ ስምዒታት ህዝብና ከም ጽብቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ድማ'ዩ፤ ብ20 ሰነ 1991 ትኽ ብትኽ ንዝወጸ ኣዋጅ ሰውራዊ ባይቶ ዝጻረር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሎሚ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ናይ ህልቂት ጎደና '' ህግሓኤ ብዘይካ'ቶም ኣዝዮም ውሑዳት ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን ሃብቲ ህዝቢ ዚሰረቑን ዘጠፋፍኡን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቐርቡ፡ ኩሎም'ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብስም ውድባት ተጋግዮምን ተደናጊሮምን ዝጸንሑ ዜጋታት ብዘይ ገለ ስክፍታ ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገሮም ክሳተፉ ክጽውዕ ሓላፍነቱ እዩ። ዳግም ናይ ውድባት ሓሸውየ ከምዘየለን ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልቡብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ምጥቃስ ከቢድ ገበን ከምዝቁጸር ግን ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ'' ዝብል መግለጺ ዝሃበ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብቲ 30 ሕቶታል ካብ ህዝቢ ተመምዩ ዝቐረበ ርክብ ምስ ህዝቢ ዝተባህለ ናይ 1996 ሕቶን መልስን እሞ ኸኣ ''ንቐላዓለም እንተዘይኮይኑ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነዛ ሃገር ነጻ ኣውጺእዋ'' ክብል እዩ፡ ንመላእ ህዝቢ ዝደርጐሓሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ወታሃደራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብምውጽኦም ጥራሕ ምሉእ ራህዋ ዝረኸበ መሲልዎ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ጓይላን ታሕጓስን ተሸሚሙ ካልእ ዝሓሸን ጠቓምን ሓሳባት ምህላዉ ብዘይምስትብሃል፡ ነቲ ጎደና ውሕስነት ሃገርን ዜጋታታን ዝኾነ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ንነዊሕ መዋእል ዝጠመተ ጥዑይ ሓሳብ ይዝርጋሕ እዃ እንተነበረ፡ ዝሰምዖን ዝቕበሎን ኣካል ክረክብ ኣይካኣለን። ኣብ'ቲ እዋንቲ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ካብ ሽዑ ጀሚርና ካብ ኩሉ ጎድናዊ ስምዒታት ነጻ ኮና፤ ነዚ ሓሳብዚ ውራየይ ኢልና ንምዕዋቱ እንተንሓስብን እንተንቃለስን ድማ፡ ሎሚ ሃገርና ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ብርሰት ኣይምሃለወትን ነይራ። ህዝብናውን ካብ ንርእዮ ዘለና ህልቂትን ስደትን ምዳሓነ። ድሕሪ'ቲ ባሓቲ መግለጺም ውልቀ መላኺ ምውጽኡ ኸ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ፖለቲኸኛታቱን ኮንደኾን ይማሓየሽ ይኸውን ዘብል፤ ናይ ምጥርጣር ምናልባሽ ክህልዎም እውን ኣይምተገባኤን፡ ሽዑ ዘምለጠና ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ፖለቲካዊ መድረኽ ናይ ቃልሲ እዩ ድማ ክሳብ ሎሚ ክንመልሶስ ይትረፍ፤ እንዳጸንሐ ክበታትነናን ክፈላልየናን ዝርከብ። ንይምስል እተዘይኮይኑ ድማ፡ ኣቐዲሙ ዝተጠልመ ህዝባዊ ግንባርን መብጻዓታቱን እዩ።

መጸዋዕታ ግብረ-እከይ ኢሳያስ ግን፡ ንምድህላል ዜጋታትን ንሓባራዊ ተሳትፎን ህንጸትን ዝዕድም መግለጺ ሰውራዊ ባይቶ ከምዘይምልከቶ ንምርግጋጽን እንተዘይ ኮይኑ፡ መን እዩ መሓሪ መን’ከ እዩ ተመሓሪ? በየናይ ሕጊ እዩ ገበን ዝፈጸመን ዘይፈጸመን ተባሂሉ ኢሳያስ ዝመምዮ? አረ መን እዩ ዝመምን ዝምመን ከ? ዝብሉ ሕቶታት ገዲፈ፡ እቶም ሃገርና ነጻ ወጺኣ እያ፡ ዕላማ ቃልስና ተረጋጊጹ እዩ ኢሎም፡ ብፍቓዶም ዓዲ ካብ ዝኣተዉ ገለ ገዳይም ተቃለስቲ ንምጥቃስ፤ ዑስማን ዳየርን፡ ዓሊ ዲናይን፡ እምባየ ሕድሩን ዝኣመሰሉኸ ዳኣ በየናይ ዓቃቢ-ሕጊ ተኸሲሶምን ኣየናይ ቤት ፍርዲ ብዝወሰኖ ብይንን እዮም ኣብዚ ነጠቡ ከይተባህሉ ጠፊኦም ዘለዉ? ኣብ ስልጣን ኢሳያስ ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ፡ መተካእታ ሕግን ርትዕን፡ ቂምን ቅርሕንትን ምዃነን ምዝንጋዕ ዘድሊ ኣይነበረን። ኢሳያስ ግደፍዶ ኻልኦት ''ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ነጻነቱን ኣረኣእዩን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ'' ዝብል ሓሳባት ዝነበረን ሓይልታት ክቕበልስ ይትረፍ፡ ህልውንኤን እውን ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዘይኣምን፡ ብተግባር እንተኾነ'ውን ነቶም ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ዝነበሩን ጋዜጠኛታትን ቅድሚ ምቕጻዩ፡ ክጅምር ከሎ ካብ ዘውጽኦ መግለጺትት ህዝቢ ክማሃረሉ ዝግባኦ ዝነበረ እዩ።

5. እዚ ጥራሕ መኣስ ነይሩ፡ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ'ዚ ናይ ብሓትነት መግለጺ ውልቀ ምልኪ'ዚ፡ ብዕለት 27.06.1991 ንኣባላቱ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ '' ሕጂ'ውን ከም ቀደም ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት መድረኽ እነሆ። ካብ'ዚ ዝፍጠር ዘሎ ሓናቒ ኩነታት ንምውጻእ ኩሉ'ቲ ዝካኣል ጻዕርታት ከካይድ እዩ። መላእ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምዃኑ ንተኣማመን'' ዝብል፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዳግማይ ደልሃመት ይኣትዉ ምህላዎም ተገንዚቦም፡ ንመሓውራት ቃልሲ ዘትረረን ዘደልድልን ጸዋዒት ካብ ዘቅረቡ ኣባላት መሪሕነት እዞም ሃለዋቶም ተሸሪቡኒ ዘሎ ብጻይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን እዮም ነይሮም። ኣንጊሆም እምቢ ንምልኪ! ስለዝበሉ ድማ እዮም እዞም ክልተ ብጾት ግዳይ መጭወይትን ሃለዋት ምጥፋእ ኮይኖም ዘለዉ። ሎሚ 26 ሚያዝያ 1992 ክዝክር ከለኹ፡ ተጋዳላይ ወልደስላሰ ቻንቹ ካድር ማሕበር ሓረስቶት ተሓኤ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ሓደ ካብ ቀንዲ ፈለምቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፤ ድሕሪ ናጽነት ካብ መደበር ወዲ ሸሪፎይ ተጨውዩ ኤርትራ ምስ ኣተወ ዳሃይ ዘይብሉ ዝጠፍኤ፡ ተጋዳላይ ገብሪሂወት ቀለታ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ፤ ካብ ሱዳን ተጨውዩ ምስኣተወ ኣብ 2000 ዓ.ም ተፈቲሑ ምስ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ክዓዪ ጀሚሩ፡ ኣብ 2001 ዳግማይ ዝተሰወረ፡ ተጋዳላይ ገብረብራሃን ዘርኤ ኣቦ-መንበር ደማሓኤ ዝነበር፡ ካብ ሑመራ ኢትዮጵያ ዝተጨውየን ዝተሰወረን ገላ ውሑዳት ክጠቕስ ከለኹ፡ ግደፍዶ ንነዊሕ ዓመታት ዝፈልጦምን መጋድልቶም ዝነበረስ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራኦም ወሪዱ ንዘሎ ማሕበራውን ስነ-ኣኣምራውን ሕሰም ንዝግንዘብ ምረቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝኮነ ሕልና ዘለዎስ ይርድኦ እዩ። ጸኒሑ ዝተጋህደ ቅትለትን ማእሰርትን ግፍዕን፤ መቐጸልታ እምበር፡ ሓድሽ ዝተፈጥረ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን። ሓደን፡ ክልተን፡ ሰለስተን ክጭወዩን ክስወሩን እንከለዉ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ድምጽኻ ምሕባእ እዩ ድማ፤ ንኢሳያስ ኣሻዲኑ መላእ ሃገር ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ህዝባ ቀይርዋ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ እዞም ክልተ ብጾት ን25 ዓመታት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕን ግፍዕን ምዃኖምን ምስዋሮምን ከኣ፤ እቲ ንሳቶምን ብጾቶምን ዘልዓልዎ ቅኑዕን ሰፊሕን፡ ነዊሕ ጠመተ ዝነበሮ ራእይን መግለጺታት ኣብ እዋኑ ሰማዒ እዃ እንተዘይረኸበ፡ ሎሚ ግን፡ ናይ ኣፈጻጽምኡ ብልሓት እዩ ጠፊእዎ ዘሎ እምበር፡ ንመላኺ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ኣለልዩ፡ ብመንገዲ ሕድገታት፡ ምጽውዋር፡ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝሰረቱ፡ ዲሞክራስያዊትን መሰል ዜጋትት እተኽብርን ፍትሓዊት ኤርትራ፤ ኣብ ዑናታት ምልኪ ክትከል ምቅላስ ዝብል ኣምር ኣብ ሰፊሕ ኤርትራዊ ዜጋ ምስፋኑን ኤርትራውያን ጉዳዮም ኣብ ኢዶ ክጭብጡ ምቅላሶምን ክትርእን ክትሰምዕን እንከለኻ፡ ማእሰርትኹም ከንቱ ኣይተረፈን፡ ሰፊሑን ዓንቢቡን እምበር ኣይተቆጽየን፡ ኣብ መደምደምታ ዘብጽሖ መንእሰይ ወለዶን ብጾትን በዚሖም ኣለዉ፡ መላኺ ስርዓት ሰባት ክኣስርን ክስውርን ይኽእል እምበር፤ ንኣታሓሳስብኦምን ርእይትኦምን ግን ከቶ ክኣስር ስለዘይክእል ድማ፡ ምረት ሕሰሞም ጽንዓትን ተወፋይነትን ናይ ቃልሲ እዩ ዝፈጥር። ነቲ ''ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምዃኑ ንተኣማመን'' ዝብል ካብ መግለጺታት ውድቦም ድማ ክዉን ገይርዎ ይርከብ።

መንእሰያት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ሎሚ ስምካ ቀይርካ ኣብ መስትያት ናይ ኮምፒተር ተኸዊልካ ንኣበርክቶን ቃልስን ተጋደልቲ ካብ ምስትንዓቕን፡ ''ሓንቲ ኣይገበሩን እዞም ኣረገውቲ'' ኣብክንዲ ምባልን፡ ሰባት ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ደረቶም ገቲሮም ንስለ'ቲ ቅኑዕ ዕላማታት ህዝብን ሃገርን ኣንጊሆም ኩሉቲ ክኸፍልዎ ዝኻኣሉ፡ መጭወይትን፡ መቅተልትን ካብ ሃገሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ተባሪሮምን ዋጋ ይኸፍሉ ምህላዎምን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉን ምግንዛብ ከምዘድሊ ከውካኣልኩም ኣፍቅዱለይ። እርጋን ናይ ዕድመ ጸጋ እዩ። እቲ ዝኸፍኤ ግን ናይ ዕድመ ዘይኮነስ ናይ ኣእምሮ እርጋን እዩ። ቅድሚ እርጋን ንሃገር እንታይ ተበርክት ዝብል ዘታዓዛዝብ እዩ እሞ ሃይ ዳኣ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁን ደቂ ደቑን ብሰላም ሓቂፉ ዝነብረላ፡ ክብራን ልኡላውነታን ዝዓቀበት፡ ሓንትን ብልጽግትን፡ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምርግጋጽ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ኩሉ ናይ ድሕረትን ምክፍፋልን ምትእኽኻባትን ስምዒታትን ሓራ ኮይኑ፡ ኣብ እንግድዕኡ ንዝተጻዕነ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ክፍጽም ከዘኻክርንን ፡ እቶም ነባራት ተጋደልቲ እውን፡ ካብ ነይሩኒስ እነሀኒ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ እንታይ ተራን ኣበርክቶን ነይርዎ ንታሪኽ ገዲፉ፡ ሕጂ'ውን ህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሕሰምን ስቓይን ንምድሓን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዑ፡ እንታይ ክፍጽም ኣሎኒ ክብልን ደጊሙ ክሓስብን፡ መሓውራት ናይ ቃልሲ ኣዋሃሂዱ ብሓባር ካብ ምብጋስን እወንታዊ ግደ ካብ ምብርካትን ከምልጥ ከምዘይክእል ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይመርጽን። ወዲ ሰብ ሓላፋይ እዩ፡ ነባሪ ታሪኽ ሓዲግካ ምሕላፍ ግን፡ ዘይሃስስ መዘከርታ እዩ'ሞ ሓቢርና ንታዓጠቐሉ።

ምልኪ ፈራሲ፡ ሕሰም ሓላፊ እዩ!
ዓወት ንውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና!
ስዕረት ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ!

 

Last modified on Tuesday, 25 April 2017 23:19