እቲ ብ1991 ሰማዒ ዝሰኣኒ ድምጺ

2017-04-18 08:32:43 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2071 times


“ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ምስላ ኣበው ናይ ብሓቂ ኣብ ቦትኡ እዩ። ልክዕ እዩ ሓቂ ንግዚኡ ብሓሶትን፥ ምድንጋርን፥ ንሓያሎይ ግዜ ተደፊና ክትጸንሕ ትኽእል እያ። ይኹን እምበር መዓልቱ ምስ ኣኸለ ግና ከሉ እቲ ሓቂ ዝድውንን ዝድምስስን ዝነበረ እናፈኾሰን ከምትኪ እናበነን እዩ ዝኸይድ። እነሆ ድማ እቲ ኣብቲ ፈለማ ኣየር ናይ ናጽነት ዝነፈሰሉ እዋን እዚ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን፥ ነታ ሃገር ከኣ ጽጥታን ምርግጋእን ዘስፍን ስርዓት ኣይኮነን ዝበሃለሉ ዝነበረ 26 ዓመት ኣሕሊፉ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ፈለማ ናጽነቱ ዝረኸበሉ እዋን፥ ነቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል እንተስ ሕማቕ እንተስ ጽቡቕ ክመዝን ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እቲ ሽዑ ዝረኣዮ ዝነበረ ካብቲ መሪርን ሕሱምን ባዕዳዊ መግዛእቲ ምልቓቑ እምበር ተመሊሱ ኣብ ገሃነም እሳት ክኣቱ እየ ኢሉ ፈጺሙ ክሓስቦ ኣይክኣለን። እኳ ደኣ እቲ ሃገራዊ ሓይሊ ከም ሓሙሻይ መስርዕ ተወሲዱ ዘይናቱ ስም እውን ክሳብ ኣብ ምዕጋብ በጺሑ ነይሩ። ለካ ቁስልስ ንበዓል ቁስሊ ይሕሞ ከም ዝበሃል። ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ቁስሉ ምስ ተጐድአ ከኣ ንስርዓት መላኺ ኢሰያስ ከለሊዮ ክኢሉ።

እቲ ከሎ ጌና እንታይነት እዚ ስርዓት ዘለለየ ሓይሊ ብቑጽሩ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበራ ውድባት ከምዚ ሎሚ ከይተጫጭሓ ውሑዳት እየን። ደሓር ግን ብምኽንያት ናይቲ እኩይ ስርዓት ዝወስዶ ዝነበረ ግጉይ ፖለቲካ ወስታታት፡ ሓዊ ዘሳውር ብምንባሩ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማይ-ቤቱ ንኽምለስ ገይርዎ። እዚ ማለት ብሃይማኖት ይኹን ብዓሌት ወይ ብእንዳ ከይተረፈ ከምዝሓስብን በይናዊ ውደባ ኣብ ምምስራትን ምስ በጽሐ እነሆ ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ውድባት ናብ ኣስማተን ንምዝካር ዘጸግም ብዝሒ ውድባት ተበጺሑ። እቲ ኣብ ምፍንጫላት ዝውለድ ውድባት ገዲፍካ ሓደስቲ ቡቋል ጥራሕ ብዙሓት እየን። ምስ’ዚ እቲ ብዘይብሱል ኣገባብ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ በርገሳዊ ማሕበራት እውን ሓደ ዓብይ ጸገም ምዃኑ እውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስ ፖለቲካውያን ውድባት ዲዩ ክቑጸር ወይ ምስ ናይ ሓቀኛ ትርጉም በረገሳዊ ማሕበር ዘይንጹር ብምዃኑ እንተደልየን ፖለቲካዊ ውድብ እንተደልየን ከኣ በረገሳዊ ማሕበር ከም ድላየን ገይሩ ዘገማጥለን ባህርያት ሒዘን ዝንቀሳቐሳ ብዙሓት ስለ ዝኾና።

እቲ ቀደም ዝነበረ ኒሕን ሃገራውነትን ከኣ ኣብ ክንዲ ዝጥጥዕ እናቀምሰለ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ድሒሩ እውን እተን ኣቐዲመን ብጉዳይ ስርዓት ኣስመራ ብጽቡቕ ዘይተራእያ ውድባት ሎሚ ሓንቲ ከም ዘይገበራን ዘይስርሓን ኣምስልካ ብምቕራብ ነቲ ኣውዲቕካየን ምስጋር ዝበሃል መንገዲ ተተሓሒዘንኦ እቲ ቃልሲ ኣብ ክንዲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ዝኸውን ኣንጻርቶም ነቲ ተቓውሞ ዘጽንሑ ኮይኑ። እዚ ከኣ ነቲ ሓቢርካ ምስራሕ የድምዕ ተፈላሊኻ ግና የገዳድዕ ዝብል ግርም ገይሩ ኣብሪህዎ ይርከብ። ሎሚ እዚ ኩሉ ዳርጋ ዘፍ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ እኳ ይብጻሕ እምበር ገና ሓድሓደ ተበልጽትን፥ መንደልሓቕትን ነቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣምር ዲሞክራሲ ክፈናጥሕዎን ሕቚኡ ክሰብርዎን ዝጽዕሩ ኣይተሳእኑን ይኾኑ። እዚ ከኣ እቲ መንአሰይ ኣብ ዝነቕሓሉ እዋን ክብዳህ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ከምቲ እንግሊዛውያን ክምስሉ ”ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮነን” ዝብልዎ ብኣፍን ግብርን ሓደ ክሳብ ዘይኮነ ብዙሕ ዘየሳኒ ጉዳያት ክፍጸም ይከኣል እዩ። እዚ ኩሉ እናተሰግረ ይኸይድ እኳ እንተሎ ናብቲ ፍጹም ምልኣት ዘለዎ ምትሕብባር ንኽበጽሕ ግና ግዜ ክወስድ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ እቶም እቲ ረብሓ ንኹሉ ዝብሉን ረብሓኦም ዘቐድሙን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣየብቀዐን። እቲ ዓወት ግን ውዒሉ ሓዲሩ ናይቶም መን ሰሪሕዎ ብዘየገድስ ንረብሓ ኩሉ ኢሎም ናይ ዝተላዕሉ ወገናት ምዃኑ ርዱእ እዩ። እነሆ እኳ እዚ ናይ ትማሊ ዕለት 13-04-2017 ንዋዕላ መንእሰያት ተኸተልቲ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሆላንድ ከምዘይካየድ ዝገበረ ሰላማዊ ሰልፊ ደምበ ተቓውሞ እዩ። እዚ ንደምበ ተቓውሞ ዓብይ ዓወት ክኸውን እንከሎ ንስርዓት ህግዲፍ ከኣ እቲ ክፈርስ ዘይክእል ዝመስል ዝነበረ እምባ ሃዶሽዶሽ ምባሉ ዓብይ ኪሳራ እዩ። ልክዕ እዩ እቲ ቅድሚ 26 ዓመት ዝነበረ ሃለዋት ደመበ ተቓውሞ ፈኸም እናበለ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብጽሑ ፍረውጽኢት ናይቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይቲ ካብ ቅድሚ 26 ዓመታት ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

ነዚ እኩብ ድምር ቃልሲ ውጹዓት ጥሒሱ ወይ ክሒዱ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ ከኣ ኣብ ዝሃምም መሬት ደው ኢሉ ከምዘሎ ክፈልጥ ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ቃልሲ ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት፡ ሎሚ ወይ ትማሊ ዝጀመረ ስለዘይኮነ። ሕጂ እውን ደምበ ተቓውሞ ኩሉ ብሓባር ተላዒሉ ምስ ኩሉ ፍልልያቱ ንሓደ ሃገራዊ ረብሓ ኩሉ ዝብል ራእን ኣምርን ሒዝና ሓባራዊ ስራሓት ኣዕዚዝና ክንቃለስ ከምዘድሊ ግዜን መድረኽን ኩሉ ግዜ ምስ ጠለበና እዩ ሕጂ’ውን ይጠልበና ኣሎ። ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኣምርእቲ ዘድምዕ፡ ኣሳታፊ እምበር ኣግላልነት፥ ሓቢርካ እምበር ተነጻጺልካ፡ ተወሃሂድካ እምበር ተነጻጺግካ ኣይኮነን ኢልና ካብ ምልኪ ናብ ድሞክራሲ ንሰጉም።

Last modified on Tuesday, 18 April 2017 10:41