ግርጭት ብድሌት ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ

2017-01-30 07:53:01 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2781 times

ግርጭት ኣብ መዓልታዊ ስራሓትና ይኹን ምስ ደቂ ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክባት ዘጋጥም እዩ። እቲ ግርጭት ብንእሽቶ ይኹን ብዓቢ ጉዳይ ዝለዓል እኳ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዘይዕግበትን፡ ንናይ ካልኦት ጸገማት ዘይምርዳእን፥ ኣነ ጥራሕ እየ ነቲ ጉዳይ ዝርደኦ ዝብል ዝተሓላለኸ ድሌታት ምስ ዝውሰኾ ናብ ግርጭት የእትወካ። ምኽንያቱ ኣብ ክብርታት፡ ድሌታትን፡ ረብሓታትን ዝተመርኮሰ፥ ምስ ካልኦት ክመሳሰል ዘይክእል ዝፍጠር ፍልልያት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፡ ወይ እውን ካልእ ዘሎካ እምነታት ዝፈጥሮ ፍልልያት፥ ተጻዋርነት እንተዘየልዩ ኣብ ምስሕሓብ ክእቶ ናይ ግድን ኢዩ። ግርጭት ካብ ስግኣትን፡ ቁጠዐን ዝነቕለሉ ኣጋጣሚታት’ውን ኣሎ።

ግርጭት ብግቡእ ተዘይተታሒዙ ንጥዑይ ዝምድናታት ናብ ጽልእን ተጻባእነትን ክልውጥ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ዝጸንሐ ሰላም፡ ምትእምማንን ስምምዕን ይፈኮስ ወይ ይልሕልሕን እሞ ነቲ ዝነበረ ጥዑይ ዝምድና ይዘርጎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ግርጭት ዝኣተው ኣካል ከመይ ይዋስኡ ከኣ ነናቶም ዝተፈላለዩ ጠመተን ተረድኦን ይውንኑ’ሞ ኣብ ክረዳድእሉ ዘይክእሉ ደረጃ የብጽሖም። ስለዚ ግርጭት ንኹሉ ሸነኽ ዘዕግብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣብ ዘይከኣለሉ ወይ እውን ክልቲኡ ተሰሓሓቢ ወገናት ነቲ ግርጭት ኣብ ክንዲ ናይ ተዓዋቲ-ተዓዋቲ ናይ ተዓዋቲ-ተሰዓሪ ፍታሕ ምስ ዝጽበዩ ናብ ተሪር ጐነጽ የድህብ።

እቲ ዘጓንፍ ግርጭት ብሃናጺ ኣገባብ ፍታሕ ክርከብ እንተኾይኑ፥ ክልቲኡ ዝገራጮ ኣካላት ንሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ምስ ዝህብ ምትእምማን ይፈጥር፡ ምሕዝነት ይድልድል፡ ቀጻሊ ርክባትን ሓባራዊ ድሌታትን ይወሃሃድ። ምስ እዚ እውን ኩሉ ሸነኽ ተዓዋቲ -ተዓዋቲ ናብ ዝብል ሓሳብ ይዝንብልን፡ ሕድገታት ይቕበልን። ብኣንጻሩ ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባን፡ ናይ ውልቂ ረብሓን፡ ብምንቃል ዝግበር ናይ ግርጭት ኣፈታትሓ ኣሉታዊ ውጽኢት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝጻረሮ ሸነኽ ክሰዓር ወይ ክዓኑ ብዝብል፡ ኣብ ውልቀ መጥቃዕትን ጽልእን ገጹ የዘንብል። እቲ ፍታሕ ከኣ በቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራሕ እምበር ናይ ሓባር መልክዕ ከትሕዞ ኣይህቅንን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ግርጭት ወይ ኣብ ፍልልያት ዝኣተዉ ወገናት ነቲ ግድል ሓባራዊ ግድል ምዃኑን ኣብ ምፍትሑ ከኣ ሓባራዊ ረብሓ ምህላዉ እንተዘይኣሚኖም እቲ ግርጭት ብድሌት ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ።

በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያታት እምበኣር፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ግርጭት ዝኣተወ ወገን፡ ናይ ጠቕምን ሓሳብን ፍልልያት ስለ ዝህልዎ ግርጭት መወዳእታ የብሉን። ንፍልልያትን ግርጭታትን በቲ እወንታዊ ሸነኹን ኣገባቡን ከመይ ይምእከልን፡ ንኹሉ ብዘርብሕ እወንታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ተጸዋዊርካን ተኸኣኢልካን ፍታሕ ንምንዳይ ክገትኣና የብሉን። ናብዚ ንምብጻሕ ግን ብናትካ ወይ ብጉዳይካ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምሕሳብን፥ ኣብ ህልውን ግዚያውን ጥርይ ምጥማት፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክፍጠር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘጋጥም ግርጭት ንምእላይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለዝኾነ ክነቕሓሉን ክዋሳኣሉን ይግባእ። እዚ ከኣ ሰልፍታት፥ ስቪላዊ ማሕበራትን፥ መራኸቢ ብዙሃንን ናተይ ኢሉ ብጥብቂ ከጽንዖምን ክከታተሎምን ሓላፍነቱ ምዃኑ ክኣምን ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ፍልልያትን ክሳብ ኣብ ግርጭት ዘእቱ ምፍሕፋሓትን ካብዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ትካላት ዝንቅል ዘይምርድዳእ እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስ ስቪላዊ ማሕበራት ክወዳደራ እንተኾይነን እዚ እቲ ቀንዲ ግርጭት ዝለዓለሉ’ዩ። መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ጭቡጥ ዝኾነ ኩነታት ናብ ህዝቢ ከቃልሖ እንተዘይበቒዑ ፍሕፍሕ ኣብ መንጎ ሰለስቲኡ ክርከብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ወይ ፍልልያት ክፍታሕ እንተኾይኑ ህዝቢ እዩ ቅኑዕ ፍርዲ ክህብ ዝግበኦ። ነዚ ንክበቅዕ ከኣ ካብ ኣድልዎን ሻርነትን ድሑር ዝምባሌታትን ስምዒታትን ናጻ ክኸውን ይግባእ።

ልክዕ ኢዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ሃገርና ጠንጢንና ናብ ስደት ክነምርሕ ንግደድ ምህላውና ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እቲ ናብ ስደት ገጹ ዘምርሕ መንእሰይ ንድሕሪት ተመሊሱ በጃ ሃገሩን ህዝቡን ክስለፍ ይትረፍ፡ ነቲ መሰሉ ዝገፈፎ ስርዓት ኣብ ምግጣም እጃሙ ካብ ምብርካት ዛሕቲሉ ኣሎ። ነዚ ስንኩፍ ጎኑ ንምሽፋን ከኣ ኣብቶም ቅድሚኡ ተቓልሶም ሃገር ዘውሓሱ መዓት የውርድ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ፍታሕ ዘድልዮ ግርጭት’ዚ ኣብ መንጎ ገዲምን ሓዲሽን ዝፍጠር ዘይምርድዳእ፥ ስልጣን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ክናዋሕ ናይ ግድን እዩ። መንአሰይ መሰሉ ስለዝተገፈ ኣብ ሃገሩ ቅሳነት ረኺቡ ብሰላምን ናጻን ክነብር ኣይከኣለን። ንከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት ንመሰሉ ክብል ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝቃለሰሉ ዕድል ምስ ሰኣነ ናብ ደገ ገጹ ጠሚቱ፡ ኣብ ደገ ምስ ወጸ ከኣ፡ እዞም ዓበይቲ ኣይሰርሑን፥ ውድባት ኣይረብሓን እናበለ ተስፋ ዘቑርጽ ጭረሖታት ብምጭራሕ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ብኮራርምቱ ክስሕቕ ዕድል ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ዘጋጥም ዘሎ ግርጭትን ምስሕሓብን ናይ ሓደ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ውልቀሰብ ወይ እውን ናይ መንፈሳዊ ትካል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ናይታ ሃገር ብመላኣ ሽግር እዩ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ይኹን ውደባ ተዓፊኑ ህዝቢ ከምድላዩ ከይዛረብን ከይቃወምን መስሉ ተገፊፉ ስለ ዘሎ፡ እቲ ግርጭት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውሱናት ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ነዚ ግርጭታትን ፍልልያትን ናይ ሓባርና ሽግር ምዃኑ ምእማን ከም ቅድመ-ኩነት ክሰፍር ዝግበኦ እዩ። ነዚ ዘብቅዕ ነቲ ጸገም ካብ ሱር መሰረቱ ምሒዩ ቅኑዕ ፍታሕ ዘረክብ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ክህልወና ምእንቲ፥ ካብ ባሓትን ኣግላልን ኣተሓሳስባ ወጺኣና፥ ይምልከተኒ እዩ ንዝብል ኩሉ ወዲ ሃገር ዝሳተፈሉ፡ ካብ ናተይ ጥራሕ እዩ ቅኑዕ፥ ናብዚ እተዉ ወይ ተጽንበሩ ወይ ንዓይ ስምዑ ዝዓይነቱ መላኺ ቋንቋ ናጻ ኮይኑ ዋናታትን ሰብ ብርኪ ናይቲ ውጽኢትን ክንክወን ዝኽእል ዘተን እንካን ሃባን ምፍጣር መሰረታዊ መፍትሒ ናይ ሽግራትና እዩ።

Last modified on Monday, 30 January 2017 09:03