ሓጺር ጸብጻብ ራብዓይ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ

2016-09-22 02:23:15 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4654 times

ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ራብዓይ ዓመታዊ ርክብ፡  ኣብ ነሓሰ 19-21 2016 ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ኣብ ኣዳራሽ  ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን  ኮሙኒቲ ተኻይዱ። ብመሰረት እቶም ዓበይቲ ዕላማታት ናይ`ዚ ዳግመ-ርክብ`ዚ፡ ንውህሉል ናይ ሓባር ተመክሮታት - ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍ፡ ንምስናድን ብመንጽር ዝተፋላለየ ኣረኣእያታትን ተመኩሮታትን ንምድህሳስን ትርጉም ንምሃብን፡  እዚ ዓመት እዚ`ውንዝልለ ኣሳልጦ ነይሩዎ።

 

 

ዓርቢ ነሓሰ 19/2016፡ ንውዕሎታት ተጋድሎና ነቲ ሓርበኛውን ማሕበራውን ሃብቱ ዘዛኻኽርን፡ ንኣድላይነት ናይ`ዚ ዳግመ - ርክብ`ዚ ዘጉልሕን ሓጎስ ዝመልኦ መኽፈቲ ምሸት ነይሩ። 

ቀዳም ንግሆ፡ ነሓሰ 20/2016። ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩምን መኽፈቲ ቃል ካብ ኤውሮጳን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ዝመጹ፡ ንኣበርክቶኦምን ውፉይነቶምን ብወ/ሮ ኤልሳ መስፍን ምስጋና ቀሪቡ። ስዒቡ፡ ብኣቶ ጸጋይ ነጋሽ  ድሕረ ባይታ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.ን ኣብ 2015ን 2016 ናይ ዝተሳላሰሉን ዝተተግበሩን ጸብጻብ፡ ብፍላይ ናይ ዳግመ-ርክብ ዌፕ ሳይትበጺሓቶ ዘሎ ደረጃ ድሕሪ ምብራህ፡ ስነዳ ተመክሮታትና፡ ኣብ ዕብየት ናይ`ዛ ዌፕ ሳይት ዝምርኮስ ስለዝኾነ፡ ንቕድሚት ከመይ ንሕዛን ንርእያን ድሕሪ ምዝርዛር ነዚ ዕዮ`ዚ ዝምልከት ኣድላዪ ርክባትን ስራሕን ተጀሚሩ ከምዘሎ ሓበሬታ ኣቕሪቡ። ንኹሎም ኣብ`ዚ መዳይ`ዚ ዝተሓባበሩን ዘበራትዑን ዘለዉ ሃብሮማት ሃገራውያን`ውን ዘርዙሩ ምስጋና ኣመሓላሊፉ።

 

ኣቦናን ሓውናን ኣቶ ፍቕሪማርያም መሓሪ፡ ንተሳተፍትን ንዕላማ ዳግመ ርክብን፡ ናይ እንቋዕ ዳሓን መጻእኩምን መተባብዒ ቃልን ድሕሪ ምቕራብ፡ መደብ ``ውልቀ ተመኩሮ ኣብ ተ.ሓ.ኤ.`` ብኣማኑኤል ምሕጹን፡ ኣብ ምልመላን ኣተሓሕዛን ሓይልታት መሪሕ ሰፊሕ ሓተታ ብምቕራብ ፈሊምዎ። ኣቶ ፍሳሃየ ሓጎስ ብዛዕባ ሓድሽ ተሓቲሙ ኣብ ምዝርጋሕ ዘሎ መጽሓፍ “``ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን`` መግለጺ ኣቕሪቡ። መጽሓፍ፡ ካብ 1961 ክሳብ 1982 ዓ.ም. ዝሓቖፈ፣ ካብ መዛግብቲ ታሪኽን በቶም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታትን መድረኻትን ናይቲ ቃልሲ ብኣካል ዝነበሩ እሞ ነናይ ዝነበርዎ ተሞክሮ ዘበርከቱዎ ትሕዝቶ፣ ታሪኻዊ ሓበሬታን መወከስን ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ ንዝቐረበሉ ሕቶታት`ውን ኣብሪሁ። ወይ/ሮ ኪኪ ጸጋይ፡ ብዛዕባ ምምስራት ``መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ``  ከምኡ`ውን ብዛዕባ ስውእ በዓል ቤታ ብርሃነን (ወዲ ባሊላ) ኣብ ሂወታን ብስርዓት ኢትዮጵያ (ዓፋኝ) ዝውረደ ግፍዒታትን መግለጺ ኣቕሪባ። ኣብ መደበር ከሰላ ንዝርከቡ ናይ ሓርነት ስንኩላን መደብ ምእካብ ወፈያ ኣዳልያ ኣገዳሲ ሓገዝ ከምዝእከብ ጌራ። መስፍን መንግስቱ ንካልኣይ ጊዜኡ ካብ ኤውሮጳ ዝተሳተፈ ሓው፡ ንመዛሙራትን ስእልታትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብብዝሒ ሰኒዱ ንዝዓቀቦምን ተመኩሮታቱን ኣስፊሑ ኣቕሪብዎ። 

ቀዳም (ነሓሰ 20)  ድሕሪ ቀትሪ ከም ቀንዲ ቃል ኣቕራቢ ናይ 4 ዳግመ-ርክብ ክኸውን ተዓዲሙ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ብሰንኪ ኩነታት ጥዕንኡ ክመጽእ ስለዘይከኣለ፣ ዘዳለዎ ቃል ብድምጺ ዝተቐርጸ መልእኽቱ ሰዲዱ ኣብ ኣኼባ ቀሪቡ። ዝተኻየደ ቃልሲ በብመድረኹ ተንቲኑ ብምቕራብ ተሞክሮኡ ኣካፊሉ። ዳግመ-ርክብ ተጋደልቲ ፈጢርኩም ታሪኽን ተሞክሮን ቃልስና ንምስናድ ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ዓወት እምነየልኩም ክብል ደገፉ ገሊጹ። ስርዓት ምልኪ ኣልጊስካ ብፍትሓውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ንምትክኡ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፣ ብተሳትፎ ህዝቢ ክረጋገጽ ምዃኑ ከምዝተኣማመን ኣስሚርሉ።

 

ኣባል ውሽጣዊ ስርሒታት ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ሕድራይ ፍስሃ፣ ነቲ ኣብቲ እዋን`ቲ ዝካየድ ዝነበረ ግፍዕታት መግዛእትን ብተቓለስቲ ዝውሰደሉ ዝነበረ ስጉምታት፡ ናይ ፈዳይን ተ.ሓ.ኤ. ቅያታትን ጅግንነት ናይ`ቲ እዋን`ቲ ተቓልስትን ብምዝካር ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ሰፊሕ ተሞክሮታት ኣቕሪቡ። 

ሰንበት ንግሆ ድሕሪ ቍርሲ፣ ካብ`ቶም ኣብ ውሽጣዊ ስርሒታት ሰውራና ንጡፍን ዓበይቲ ስርሒታት ዝፈጸመን ገዲም ተጋዳላይ ነጋሲ ገብረየሱስ (ብላክ)፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ተሞክሮን ተዘክሮን፡ ብቐጻሊ ክቐርብ ንዘለዎን ሃብታም ተመክሮታት ፈዳይን ተ.ሓ.ኤ.ን ገሊጹ። 

ብምቕጻል ኣካያዲት ሽማግለ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ዘዳለወቶ ናይ ሕሉፍ ጸብጻብን ንመጻኢ መደብ መካትዒ ዝኸውን ንድፊ “ተልእኾ ማለት ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ``ሚሽን ስተይትመንት`` ንኣኼበኛ ብምቕራብ ዕቱብ ምይይጥ ተኻይዱ። ዕላማታት ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.  ዝነቕለሉ ኣምር፣ ካብ`ቲ ልሙድ ባህላውን ማሕበራውን ገለጻ ዝፍለ ኣይኰነን። ንሱ ድማ፣ ተፈላልዮም ዝነበሩ ቤተ ሰብ፣ ኣዕሩኽ፣ ደቂ ቤት ትምህርቲ፣ መሳርሕቲ፣ ኣብ ክበብ ወይ ውድብ ኣባላት ዝነበሩ፣ እንደገና ተራኺቦም ንዝነበረ ዝምድናታቶም ኣሐዲሶም ተዘክሮታቶምን ናፍቖቶምን ዘውጽእሉ ክኸውን ከሎ፡ ሓቢሮም ክገብርዎ ዝኽእሉ ጉዳያት ንኽድህስሱ`ውን ዕድል ዝህብ`ዩ። ኣብቲ ምይይጥ ንዕላማታት ዳግመ-ርክብ ዘብርህ ሓሳባት ፈሲሱ። ዝዀነ ይኹን ምትእኽኻብ ብዓይኒ ጥርጠራ ክርአ ባህርያዊ እዩ፡ ኣብ ሰነዳቱ ዕላማታቱን ዝኽተሎ ሕግታትን ኣነጺሩ እንተ ኣቐሚጡ ግን፡ ሕቡእ ወይ ድጉል መደባት ብገለ ወገናት ናይቲ ምትእኽኻብ ከይህሉ ኢልካ ኣንጻር ምቛሙን ምዕብልንኡን ምዝራብ፣ ምህውታት ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘፍርዮ የብሉን። ስለዚ ነዚ ቅዱስ ተበግሶ`ዚ ክንሳተፎን ከነተባብዖን ይግባእ። እዚ ዳግመ-ርክብ`ዚ ንዝነበረና ሓድነትን ነብሰ-ምትእምማንን ናብ ቦታኡ ንምምላስ ልሉይ ተራ ክህልዎ ዝኽእል`ዩ። ኣብ መንእሰያትናን ኣብ ህዝብና ብሓፈሻን ብስርዓት ህግዲፍ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ድምጹ  ከስምዕን ተሞክሮኡ ንመጻኢ ወለዶ ናይ ምሕላፍን ተሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። 

ዳግመ ርክብ ከሳልጦ ተሊሙዎ ዘሎ ጉዳያት ከም`ዚ ዝስዕብ ይጠቓለል፡

1.     መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ማሕበር ምህናጽ፡ እዚ ድሮ ቆይሙ ኣብ ምምዕባል  ስለዘሎ ኣብቲ መርበብ ክርአ ይኽእል። http://www.elfveteransreunion.com

2.    ንሃገራዊ ቃልስና ዝምስክሩ ጽሑፍ ሰነዳትን ስእልታትን ምእካብ

3.    ናይ ስዉኣት መዝገብ ምድላው 

4.    ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ ስንኩላን ምሕጋዝ።

 

ሰንበት፡ ነሓሰ 21 2016፡ ንገለ ተወንዚፉ ዝሓደረ ዛዕባታት ድሕሪ ምድህሳስን፡ ኩነታት ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላን ካባና ዝጥለብ ተግባራዊ ስራሓትን ድሕሪ ምብራህ፡ ``ሕጂ`ኸ ናበይ``? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንመጻኢ ክትኮረሉን ክተኣታቶ ዝግባእ ኣሰራርሓን ኣብ ዝምልከት ድሕሪ ምዝታይ፡ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ብዘይ ምቁራጽ ክቕጽልን ክሰፍሕን ውሳኔታት ለበዋታትን ኣሕሊፉ ደምደሙ።

 

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዳግመ-ርክብ ብሰላም የራኽበና።  

ክብርን መጎስን ንኹሎም ስዉኣትናን ሓርበኛታትናን!

Last modified on Thursday, 22 September 2016 05:09