ቅኑዕ ምሕደራ ኣብ ተሳትፎ ህዝቢ’ዩ ዝስረት።

2016-04-27 12:30:51 Written by  ድራር ማንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2368 times

ህዝቢ እና ተጨቈነ፡ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብተመልከተለይ ብጥይት እናተቘልቡን መከራን ግፍዕን እናወረዶን፡ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዝርዕመሉ ምኽንያት ፈጺሙ የለን። ይደንጒ ይቐልጥፍ ናይ ግዜ ሕቶ ኮይኑ ንምልኪ ርዒሙ ኣየጽቅጥን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም እውን እንተኾነ፡ ንምልኪ ዝረዓመ ህዝቢ ኣይተራእየን። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ፍሉይ ዝገብሮ ተረኽቦ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ብርግጽ’ውን ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ንሓያሎይ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝተቘርነን፡ ኣብ ስቅያትን ኣደዳ ሞትን ተቓሊዑ ጸኒሑ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ተጋድሎ’ውን ኣብ ሃገሩ ናጻ ኣየር ከስተንፍስ ይጽገም ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ደኣ እዩ ናጻ ኮይኑ እምበር፥ ክመሓደረሉ ዝግበኦ ግዝኣተ ሕጊ ይኹን ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቅዋም ካብ ድሌቱ ወጻኢ ብምዃኑ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራስ ጌና ኣይተላቐቐን ዘሎ። እዚ ማለት፡ ኩልና ከም እንፈልጦ ባህሪ መለኽትን ገዛእትን ሓደ እዩ። ገሊኡ ብምልኪ ኣርዒዱ ክሕዝን ክጭፍልቕን ዝደሊ ክኸውን ከሎ፥ ገሊኡ ከኣ ገለ ኣንፈት ናይ ዲሞክራሲ ዝሓዘለ ኣምሲሉ ብንይምሰል ዝተሓንጸጸ ሕጊ ገይሩ ህዝቢ ይጭቁን።

ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ግፍዕን መከራን፥ ስቓይ ማእሰርትን መቕተልትን፥ ድኽነትን ጥሜትን፥ ሕማምን ድንቁርናን፥ ሓዘንን ብኽያትን ዳርጋ ንሚእቲ ዓመት ኣቢሉ  ላድይሉ እዩ፥ እንተኾነ በዚ ተዳሂሉ ፈጺሙ ኢዱ ኣይሃበን። ሎሚ ኣብ ዓለምና ሳዕሪሩ ዘሎ ናይ ንብረትን ገንዘብን ግዙእ ኰንካ ርህራሄ ዝጠፍኣሉን፥ ንዝሓዘነ ክተጸናንዓሉ ተሪፉ፡ ኣብ ነንሓድሕድ ክጨኻኸን እንተዘይኮይኑ ክተሓጋገዝ ዝብል ልምዲ ሃሲሱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ኣደራዕ እናወረዶ ስለ ዝለመዶን ዝመጸ ይምጻእ ጸገም ይኹን ወጽዓ ክኢሉ ክጻወሮ ዘገድዶ ጉዳይ ኣሎ። ንሓያሎ ዓመታት ሓዚኑ፥ ደንጊጹን፥ ነቢዑን እዩ። ደቁን ንብረቱን ኣጥፊኡ እምበር ብራህዋ፡ ቅሳነትን ሰላምን ኣይተኻሕሰን። ስለዚ ሎሚ ኣብቲ ደቁን ንብረቱን ዝሰኣነሉን ዝኸሰረሉን ኩነታት ተመሊሱ ዳግማይ ክሓዝን ይኹን ክነብዕ ፈጺሙ ኣይድግፎን እዩ። ብውጽኢት እቲ ቅድም ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ስለዘይቀሰነ ከኣ ነዚ ተመኩሮ’ዚ ክደግሞ ኣይደልን እዩ።

ልክዕ’ዩ፥ ህዝቢ በዚ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን መከራን ንምንታይ ክለዓል ዘይከኣለ እናተባህለ ለይቲ ምስ መዓልቲ ይዝረብን ይጸሓፍን ኣሎ። እወ! ህዝቢ ንክለዓል እኮ እቲ ንሱ ዘለዎ ሃለዋትን ጠንቁን ምፍላጥን ምርዳእን የድልዮ። መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ ንዳርጋ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን ተሳቕዩን ተጨቊኑን ዝሕለፎ ግዜ ናብ ድኽነት ሸሚምዎ እዩ። ምስ እዚ ከኣ ነቲ ስልጣን ዋንኡ ንሱ ምዃኑ ብተመኩሮ ይኹን ብኣፍልጦ ኣይበሰለሉን። ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ምዕብልና ንህዝቢ ዘግልል እምበር ንህዝቢ ዘሳትፍ ስርዓት ኣይተመስረተን። ምስ እዚ ተደማሚሩ ድማ እቲ ደንበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ብቱንን ዝሩግን ኣተሃላልዋ፡ ካብቲ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ዝሓሸ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓባራዊ ተረድኦ ከጥሪ ኣይከኣለን።

ደንበ ተቓውሞና እንተርኢናዮ፡ ብፋላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መንእስይ እባ ዓበይቲ፥ ብሔር እባ ሃይማኖት፥ ሰውራ ሸፋቱዶ ስውራ ሃገራውነት እናተበሃሃለ ኣብ ዘየድሊ ህውተታ ኣትዩ ይርከብ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን “ካብዚኦምሲ ኣብ ዘለናዮ ንጽናዕ” ዝብል ግጉይ መርገጽ ከም ዝወስዱ ንገብሮም ዘሎና ንሕና እቶም ደንበ ተቓውሞ እምበር ህዝቢ ኣይኮነን ክለዓል ዘይደለየ። ስለዚ ህዝቢ ንከለዓል፡ ንኹሉ ዝጥርንፍን ኣሳታፍን ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ናይ ግድን የድልየና ኣሎ። እዚ ንክዕወት ከኣ ፖለቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ነናተን ስራሓት ኣነጺረን፡ ዝራኸባሉን ዝፈላለያሉን ነጥባታት ተረዲአን፡ ኣብትን ኣብትን ምትእትታው ዘይብሉ ህዝብን ሃገርን ዝድሕነሉ ሓባራዊ ስራሓት ከካይዳ ምስ ዝበቕዓ ህዝቢ ክለዓል እዩ።

Last modified on Wednesday, 27 April 2016 14:34