ሃገራዊ መንነት ኢዩ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዘብል
2016-03-03 15:43:10 Written by ድራር ማንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3460 timesኣብ ሓደ ውሱን ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝነብር ህዝቢ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ ምሉእ እንታይነቱን መንነቱን በቲ ዝነብሮ መሬትን ዘለዎ ዶብን ኣረጋጊጹ ማለት ኢዩ። እዚ መንነት እዚ ዘይፈሓቚን ዘይልውጥን ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገር ንዝውንን ህዝቢ መለለይኡ ማለት ኢዩ።
እዚ መንነት እዚ ንኹሉ ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ፡ እቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ልምዲ፡ ባህልን እምነትን ዓቂቡ ተሓቛቚፉ፥ በታ፡ ናይ ሓባር ረቛሒት ሃገር ኣቢሉ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ምዃኑ እዩ ዝእምት። ከመይሲ ሃገር ዘይትከፋፈልን ዘይትቆራረስን ስለዝኾነት። እቲ መንነት ከኣ ክምኡ ዘይጎዛዘ ብምዃኑ ኢዩ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዘብል። እዚ ብመልክዕ ፍልልያት እምነት፥ ኣውራጃ፥ ዓሌትን፥ ብሄርነትን ተመርኲስካ ዝግለጽ ኣይኮነን። ህላወ እዚ ፍልልያት ግና ዝከሓድ ይኮነን።
ሓንቲ ፖለቲካዊት ሃገር ብዝኾነ መልክዕ ትመሓደር፡ እቲ ምምሕዳር ንሃገራዊ መንነት ዘይምልከትን ሓደ ህዝብን ሓደ ልብን ዘየብል ምኽንያት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገራዊ መንነት ናይቲ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ ቀንዲ መለለዪ፡ መራኸብን መተኣሳሰርን ስለ ዝኾነ። እቲ መንነት ዝሕይለሉ ብማዕረ’ቲ ኣብ ሃገራውነት ዘሎ እምነት ከኽውን ከሎ፡ እቲ መንነት ዝዳኸመሉ ከኣ፡ ሃገራውነት ተረሲዑ፡ ኣብ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ እምነት ክመቓቐል እንከሎ እዩ። ስለዚ ኣብ ሃገራዊ መንነት፡ ናይ ሃይማኖት ይኹን ቤሄርነት ወይ ኣውራጃውነት መምዘኒ ከም ቀዳማይ መለክዒ ናይ ሃገራውነት መለለዪ ክውሰድ ኣይግባእን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝፍትን፡ እቲ ኣብ ጽላል ሃገራውነት ዘሎ ፍልልይ ክከሓድ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።
መንነት ብደረጃ ብሄራውን ኣውራጃውን እምነት ጥራይ እንተ ተወሲዱ ግና፡ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዝብል ኣምር ስለ ዝሽርመም እቲ ሃገራዊ ስምዒትን ሃገራዊ ውህደትን’ውን ብኣኡ መጠን ፈርከሽከሽ ይብልን ይደክምን’ሞ እታ ሃገር ከም ሃገር ክትቀውም የጸግም። ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ወገናት እምበኣር እዚ ሃገራዊ ውህደት ከም ዝዳኸም እዮም ዝሰርሑ። ሓደ ካብኡ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ብምግባር ይግለጽ። እዞም ሎሚ ነቲ ሰውራ ከም ናይ ሸፋቱ ተግባር እናበልካ ኣብ ምግላጽ ዓንገረር ዝብሉ ዘለዉ ሸነኻት’ውን ነዚ እዮም ዘራጉዱ።
ሃገራዊ መንነት እምበኣር ምስ ሓደ ፍሉይ ምምሕዳር ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ፡ ወጻኢ ካብቲ ምምሕዳር ዝረአ ኢዩ። እዚ ማለት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር እንተኾነ መንነት ኣሎ፥ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር እንተዘይኮነ ከኣ ሃገራዊ መንነት የልቦን ኣብ ዝብል ኣምር ክእቶ ኣይግባእን። ንኣብነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን፥ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ፥ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትይጵያ ኣብ ዝነበረትሉ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ መንነቱ ስለ ዘየጥፈአ ኢዩ ንሃገራዊ ነጻነቱ ተቓሊሱ ዝተዓወተ። በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ስርዓት ትመሓደር ኣላ ብዝየገድስ እቲ ሃገራዊ መንነት ክዕቀብ ዘለዎ ኢዩ። ወጻዒ ስርዓት ስለ ዘሎ ሃገራዊ መንነት ይሕከኽ ወይ ይድምሰስ ማለት ኣይኮነን።
ልክዕ ኢዩ እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንመንነት ብመልክዕ ብሄራዊ ይኹን ኣውራጃ ወይ ብእምነት ጥራይ እንተ ተመዚኑ ኣብ መንጎ ነንሓድሕዱ ጐንጺ ከም ዘሎ ዘመልክት ወይ እውን ንምዕብላል ዝዕድም ኢዩ ። እዚ ከኣ ነቲ ሃገራዊ ውህደት ወይ ስጥመት ኢዩ ዘህስስ። ሃገራዊ መንነት በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ እንተ ተመዚኑ ነቲ ሃገራዊ ውህደት የላሕሊሖ እሞ ንሃገራዊ ሕቶ ኣብ ምምላስ የጸግም።
ስለዚ እቲ ሃገራዊ መንነት ውሕስነት ንሃገራዊ ውህደት ኮይኑ፡ ሃገራዊ ሕቶ ንምምላስ ከብቀዓና ይኽእል። ምኽንያቱ ሃገራዊ ሕቶ ንዘሎ ጸገማት ቅኑዕ ፍታሕን፥ ምዝመዛ ይኹን ወጽዓ ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄር፥ ኣውራጃ ወይ እምነት ዘውግድን ኢዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ሃገራዊ መንነት ደኣ ኢዩ ዝተኣሳሰር እምበር ምስ ትሕተ-ሃገራውነት ዝኾነ ኣይኮነን ዝተኣሳሰር።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት በሓትን መላኽን ስርዓት ምዃኑ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ንዝኾነይኹን ብሄር፡ ሃማኖት ወይ ኣውራጃ ዝውክል ከም ዘይኮነ ከኣ ብባህሪ ምልኩ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ምልኪ’ዚ ንምልጋስ ክህልወና ዝኽእል ኣተሓሳስባ ብመልክዕ ሃገር ደኣ እምበር ብመልክዕ ብሄር፡ እምነት ወይ ኣውራጃ መዚንና ሃገራዊ መንነትና፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ካብ ምዃን ክዓግተና እይግባእን። ከመይሲ ፖሊቲካዊ፡ ሃይማኖታውን ብሄራውን ቅልውላው ዘይብላ ሃገር ክንምስርት እንተኾይኑ፥ ኣብ ሃገራዊ መንነትና ተመርኰስና ንሃገራዊ ወህደትና ብዘደልድል ኣገባብ ሃገራዊ ሕቶ ክንምልስ ክንበቅዕ ይግባእ።
ድራር ማንታይ