መኸተ -ኣንጻር ስቓይን መከራን ዘናውሑ ዜጋታት ኤርትራ!!
2016-01-26 21:44:10 Written by ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2152 timesዝኸበርኩም አሕዋት ዜጋታት ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብግዕዙይ ምሕደራ፡ ብድኽነትን ስእነትን፡ ብጭንቅን ሕሰምን ይሳቐ ከምዘሎ ካባኻትኩም እውን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ዜጋታትና ከም ኣቕሓ ብይጽንሓለይ ይእሰሩን፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩን ኣለው። ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ዕዮን፡ መንእሰያትና፡ ወርሓዊ ብኣሻሓት ንስደት ይፈልሱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሸፋቱ ይጭወዩን ይሽየጡን፡ ብጸረ መስቀል ይስየፉን ይቕዘፉን ኣለው። ህዝቢ ጨቐቕ ኢሉ መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ፡ ተለቂሑን ተመርቂሑን ዝሰርሖ ኣባይቲ ብዶዞራት ዓንዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቃይን መከራን የብቅዕ፣ ማእሰርትን ሽርበትን፡ ሞትን ስደትን ከኸትም ኣለዎ። ስለዝኾነ ኣብዚ ህዝባውን ሃገራዊ ጻውዒት እጃምኩም ክትገብሩ ትሕተቱ ኣለኹም።
መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ይከበር፣ ሕግን ስርዓትን ይተኸል፣ ብልዕልና ሕጊ ንገዛእ ምባል ስለምንታይ እዩ ዝጽላእ። ስለምንታይ እዩ ከም ነውሪ ዝቑጸር!! ኣቱም ብፍላጥን ብግርህናን ነዚ ህዝቢ ዝውጽዕ ዘሎ መንግስቲ እትድግፉ ዘለኹም ዜጋታት ደጊምኩም ሕሰቡን ኣስተውዕሉን። ህዝብኹም እናነብዐን እናተወጸዐን እዝንኹም ኣይትዕበሱ። ክሳብ ምኣስ ኢኹም ህዝብኹም እናነብዔ ልብኹም ተትርሩ፧ ሓደራ ምስ ሕልናኹም ተዛረቡ ሕልናኹም ኣይተዕርቡ፧
እቲ ህዝብና ቀያሕቲ ደቁ ዝኸፈለሉ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ መስሪቱ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክነብር ዝተተምነየሉ ናጽነት ተኻሒዱ፡ ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ኣርካናት ጀጋኑ ብ18 መስከረም 2001 ብዓመጽ ተቐይዶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒላዒሮ ተሸሪቦም ኣለው። እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ኤርትራ ከም ጸላም መዓልቲ ጥፍኣት እንርእያ ዕለት እያ።
እታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ትስፍው ሃዋሁው ዲሞክራሲ ዘምከነት፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፍናን ህዝቢ ዝቐተለት ዕለት እያ። እዛ ነተን ክዕምብባ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳለውተንን ዘጥፈአት ዕለት፣ ነቲ በብዓቕሙ ቁጠባ ሃገር ከሰስን ዝሓለነ በዓል ንዋይን ጻዕራም ህዝብን ዝረመሰት: ነቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ዝነበረ ኪኢላ ኤርትራዊ ዝዓንቀፈትን ዝዀለፈትን ጸልማት ዕለት ኢያ።
እዚ እተምልኽዎ ዘለኹም ስርዓት ነቶም ንለውጢ ዝዓጠቑ ብጉጅለ-15 ዝስመዩ ሰበ ስልጣን ንግሆ ሰብ ከይተሰንአ ኣዳህሊሉ ብናቱ ፍሉያት ልኡኻት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ የእትትዪዎም። ኣብኡ ጥራሕ እውን ደው ኣይበለን። ንኩሎም ኣሰናዳእቲ ብሕታዊ ጋዜጣታት እውን ሓይርዎም ኢዩ።
ናይ ምጽሓፍን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን መሰል ኣኽቲሙ። እቲ ናይ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ፡ ብሕልፊ ከኣ፥ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንዝነበረን ንቑሕ ዋርሳይ መንእሰይን እናተሃድነ ክእሰር ስለዝጀመረ ብዙሕ ቁጽሪ ዶብ ሰጊሩ ክስደድ ጀሚሩ፡ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ብዘይፍቓድ መንግስቲ እንኮ ክቃወሙ ዝኽእሉ ተመሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ እዮም። እዚ ብምግንዛብ ህግደፍ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዓጽይዎ። ካብ 12 ክፍሊ ንላዕሊ ዝውሃብ ክብ ዝበለ ትምህርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሰራዊት የእትይዎ። እዚ ዝተበሃልካዮ ተኣዘዝ፡ እሺ ጎይታይ ኣብ ዝብል ወተሃደራዊ ስነምግባር ሃዋህው ተሓጺሩ ተሪፉ። ኣካዳምያዊ ሃዋህው ዘይብሉ (critical thinking) ዘይመራመር ወለዶ ነብሲ ተኣማንነት የጥፍእ። ንጭቆና ኣብ ክንዲ ዝምክቶ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕራይ ኢሉ ይቕበሎ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ እዩ። ኣብ ኮንጎ እታ በልማዝን ካልእ ኩቡር ማዕድናትን ኣብ ዓለም ዝሃብተመት ወጻእተኛታት ጉሕጉሕ እናበልዎ ህዝባ ግን ተዓዛባይ ኮይኑ ኣብ ድኽነት ይነብር ኣሎ። ኣብ ሃገር ህንዲ (the untouchable) ዝብሃሉ ዓልየት፡ ከም ትሑት ፍሉያት ዓሌት ንነብሶም ወሲዶማ፡ ኣብ ሓዘን ጎረባብቶም ክኸዱ ከለዉ ካልእ ሰብ ኣብ ኩርሲ ኮፍ ክብል ንሳቶም ኣብ መሬት እዮም ኮፍ ዝብሉ። ተቐቢሎሞ ከኣ ይርከቡ። ተማሃራይ ኤርትራ ነቲ ብጊዜ ሃይለስላሰን ብጊዜ ደርግን ዘርእዮ ዝነበረ ፍናንን ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ ኣንጻር መግዛእቲ ቃልሲ፡ ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ። ህግደፍ ኣግሂዱ ሓድሽ ወለዶ ክንፈጥር ኢና ዝበሎ ተግበሮ ደኣ። በዚ ጥራሕ ኣይዓገበን፡ ብዝሒ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ስለዘስጎኦ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰይ ንዘይተወሰነ ጊዜ ኣብ መዓስከራት ጅሆ ሒዝዎ። ሳዕቤኑ ከኣ፡ ሕሱም ስደት ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ክሳብ 5,000 ህዝቢ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከይተረፉ ይስደዱ ኣለዉ።
ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝፈልጦ ኣውያት ህዝቢ ንሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ኢሳያስ ግን ከም ፈርኦን ልቡ ደኣ ኣትረረ። ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ንጉስ ሄሮዶስ ዘውዱ ከይምንጥሎ መታን ኣልማማ ህጻናት ክቕተሉ ዝኣዘዘ፡ ኢሳያስ ከኣ፡ መንእሰያት ኤርትራ ከይቃወምዎ ብምስምስ ዋርሳይ-ይከኣሎ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ቀይዱ መጻኢ ዕድሎም ይሰብረሎም ኣሎ። ከም ባሮት ብነጻ ይዓዩ፡ ንእስነቶም ይጽንቅቑ፡ ስድርኦም ኣይሕግዙ፥ ሓዳር ኣይገብሩ) ኢሳያስ ሃገር ከም ንበይኑ ንዕኡን ንተሓባበርቱን ጥራሕ ከምእትብጽሖም ሓዲጎሙሉ፡ ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ብነጻ ሰሪሖምን ተማሂሮምን ዝነብሩሉ ቦታ ምኻድ ወሲኖም። ኣብ መንገዲ ሞትን ማእሰርትን ዘይተኣደነ ማህረምትን ኣብ ኢድ በደዊን መቕተልቲ፡ ኩሊቶም ተሸይጡ ብዙሕ መኽሰብ ክርከበሉ። ኣብዚ ግዜ ከኣ፡ ብዳዒሽ ይሕረዱ ኣለዉ። ሳዕቤናቱ እምበኣር፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ንህዝቢ ጅሆ ዝሓዘ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ከፍርስ ስኽፍ ኣይብሎን እዩ። (ኣብ ምድረበዳ ስሃራ ዝሞቱን ብኢድ በደዊን ዝተቐትሉን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ካብ 6,000 ክሳብ 10,000 ይግምገም።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣሰቃቒ ዝኾነ መድረኽ ኣትዩ ኣሎ። ነዚ ዝምልከቶም እቶም ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ዝያዳ ነቶም ደገፍቲ እዩ። ምኽንያቱ ንሶም ከስምዑ ስለዝኽእሉ፡ ሓገዞም ከይንፈገኒ ከሰምዖም ክብል ስለዝኽእል።
ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ መሰል ደቂ ሰብ ናይ 2015 ጸብጻቡ 400,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ይርከቡ። ካብኦም እዞም ዝስዕቡ ኣብ ሰንፈላል ይርከብዎም፡ ኣብቲ ዘለውዎ መዓስከራት ሓገዝ የድልዮም እዩ።
1. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ 130,000
2. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፥ 126,000
3. ኣብ እስራኤል፡ 37,000
ነዚኣቶም እቲ ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ማሕበር ረዲኤት እናቖመ ዝተፈላለየ ሓገዝ ክገብረሎም ምተገብአ፡ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ። ንኣብነት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓ ነቶም ልዕሊ 2,000 ዝኾኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ቆልዑ ናይ መግቢ ሓገዝ ፕሮግራም ኣለዋ።
ኣብ ክንዲ ወገንኩም፡ ደቕኹም፡ ኣዝማድኩም፡ ደቂ ሃገርኩም ዝኾኑ ግዳያት ህግደፍ ትሓሙ ነቲ ኣብዚ ስቓይ ዘብጽሖም ስርዓት ህግደፍ ናይ ሓሶት ሕብሪ ከም ኣኽባሪ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክትለኽይዎ ምጽዓር ሃየንታ እዩ። ለውጢ ናይ ግድን ስለዝመጽእ ታሪኽ ክሓተኩም እዩ። 4 ካቶልክ ጳጳሳት ኤርትራ ናይ ኣቤቱታ ታሪኻዊ ጽሕፍቲ "ኣበይ ኣሎ ሓውኻ" ኢሎም ንዝተወጽዔ ህዝቢ ቆላሕታ ክግበረሉ ኣባታዊ ምኽሪ ንህዝቢ ኤርትራ ሂቦም፡ ዝበልዎ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቃሊሑ። ንስኻትኩም እውን ህዝብና ኣበይ ኣሎም ኢልኩም ሕለይሉ፡ ኣብ ሓቂ ጠጠው በሉ። መንፈሳዊ ዕግበት ይሃሉኹም። ካብ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ህዝብኹም ይሕሸኩም።
ምስጋና ንኹሎም ነዚ መልእኽቲ ከብጽሑ ኣብ ኣፍደገ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ኣብየት ንዝብሉ ደለይቲ ሰናይ ህዝቦም ዜጋታት። ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ናይ ግድን ፍትሒ ክነግስ እዩ።
ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ
ሎንደን 26/01/2016