ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ስርሓቱ ጀሚሩ

2016-01-12 12:22:21 Written by  ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2207 times

ጋዜጣዊ መግለጺ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.  

12 January 2016

ኣብ ናይሮቢ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዚቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ቀዳማይ ኣኼባኡ 22 ታሓሳስ 2015 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባዚ: ከምኡውን ስዒቦም ዝተየዱ ኣኼባታት፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንዘሰከምዎ ዕማም ምርኩስ ብምግባር፡ ዝርዝር መደባት ዕዮኡ ንምሕንጻጽ  ዝዓለሙ እዮም ኔሮም።

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ካብ'ዚ ዋዕላዝተቐበሎ ዕማም ኣብ'ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል፤

1. ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር፡ ንድፍታት ሓባራዊ ራእይን ሓባራዊ መደባት ዕዮን ምቕራብ፤

2. ብዛዕባ ከመይነትን ኣገባባትን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምይያጥ ዘኽእል፡ ንመላእ ሓይልታት ተቓውሞ ዚሓቖፈ ዋዕላ፡ኣብ መጻኢ ንኽካየድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር፣

ነዚ ዕማማትኣብ ጸብጻብ ብምእታው ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ንስርሓቱ ዝሰርዕ መደባት ንምውጻእ ሰፊሕ ምይይጣት ኣካይዱ። ክፍጸም ንዘለዎ ዕማማት እውን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዘርጊሑ። ብተወሳኺ ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ንምዕዋት ምስ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ጽዑቕ ርክባት ንኽካየድ ወሲኑ።እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውጽኢታት ዋዕላ ናይሮቢ ንምግላጽን፡ ኣብ መጻኢ ክጋባእ ተወጢኑ ንዘሎ፡ ኩሉ- ሓቆፍ ዋዕላ ኣወንታዊ ደገፍን ምትሕብባርን ንምርግጋጽን፡ ምስ ህዝቢ ጽዑቕ ርኽክባት ክካየድ ወሲኑ።  

በዚ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስ'ቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ክሳተፉ ዘይከኣሉ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ፡ ፍረታት ዋዕላ ናይሮቢ ክገልጽን፡ ምሉእ ኣካል ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ፡ ኩሉ -ሓቆፍ ዋዕላ ክዀኑ ክጽዕርን እዩ።

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ኣባላት ግዜያዊ ኣካል

1. መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር

2. በሽር ኢስሓቕ

3. ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)

4. ነጋሽ ዑስማን

5. ሰመረ ሃብተማርያም

6. ሱሌማን ሑሴን

-መይል ንርክብ፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

Last modified on Tuesday, 12 January 2016 13:36