ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዝነጥፉ ዝነበሩ ኣባላት ሓለዋ ጽርየትን ተኻላኸልቲ ሕማም ዓሶን።

2016-01-01 23:06:16 Written by  ብመሓመድ ብርሃን ብላታ፡ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2274 times

ብመሓመድ ብርሃን ብላታ፡                                                             

ብመሰረት ፖሎቲካውን ወተሃደርታውን ማሕበራውን ውሳኔታት ቀዳማይን ካላኣይን ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ንዕኡ ዝትግብራ ብደረጃ ውድብ ዝተፋላለያ ኣብያተ ጽሕፈታት ቆይመን ኣብ ዝተፋላለዩ መዳያት ዝነጥፋ ዝነበራ ገለ ካብኣተን ኣልዒለ ክገለጽ ከሎኹ፡ ኣነ ሓላፊ ምምሕዳር ሕ፡ጉ፡ቤት ጽሕፈት ኮይነ ኣካል ናይቲ ንጥፌታት ስለ ዝነርኩ መዛግብተይ ሃሰስ ኢለ ነዚ ክጽሕፍ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ገሌና ኣቦታት ገሊአን ኣዴታት ገሌና ኣብ ደረጃ ኣቦሓጎታት በጺሕና ስለ ዘሎና ኣዚ ምስ መዓልታዊ ሂወት ሰፊሕ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ ዕውት ታርኻዊ ቃልስና ስለዝኾነ ብሽም ኩሉኹም መቓልስተይ ናብ ህልዊ ውለዶና ከመሓላልፍ ዕድል ብምርካበይ ኩርዓት ይስመዓኒ።SocialAffairsOffice 1

 

ኣብ ሕብረተሰብስዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዝነጥፋ ዝነበራ ክፍልታት ንምዝካር እምበኣር፡

  1. ክፍሊ ትምህርቲ
  2. ህዝባዊ ሕክምና
  3. ናብራ ዕብየት
  4. ኣብ ትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ሕክምና ኮይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ፡ ምክልኻል ሕማም ዓሶን ሓለዋ ጽርየትን ( sanitation )
  5. ክንክን ስድራቤት ተጋደልትን ስውኣትን
  6. ቀይሕ መስቀልን ወርሕን

SocialAffairsOffice 2

ክኾና ከለዋ ንነፍሲ ወከፈን ናተን ንኡስ ምምሕዳር ሃልዩወን ከም ኣድላይነቱ መደባተን ብቐዳምነታት ሰሪዕን ብቕጥታ ንህዝቢ ዝምልከት ኮይኑ ተግባራዊ ስረሐን ምስ መዓልታዊ ሂወት ናይቲ ህዝቢ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ብኣድማዕነ ይሰርሓ ከም ዝነበራ ይፍለጥ። ናይ ሎሚ ኣልዒለ ክጠቕሶ ዝደሊ ብሓፈሽኡ ንክፍሊ ሓለዋ ጽርየት ብፍላይ ከኣ ንምክልኻል ሕማም ዓሶ ዝምልከት ክኾውን ከሎ እዚ ክፍሊ’ዚ ኣቋውምኡ እንተ ርኢና፡ ካብቶም ኣብ ሰብዓን ኣርባዕተን ሰብዓን ሓሙሽተን ብብዝሒ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ እሞ ቅድሚ ምስላፎም ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርቲ ሃልዩዎም በዚ ሞያ’ዚ ተመሪቖም ኣብ ኤርትራን ክፍልታት ኢትዮጵያን ብተግባር ክሰርሑ ዝጽንሑ ሃብታም ተመኩሮን ዝጽንሖም እዩ ቆይሙ።

SocialAffairsOffice 3

እቶም ሰብሞያ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኮይኖም ንቡዙሓት ተጋደልቲ ብጉቡእ መልሚሎም መደባቶም ሰሪዖም ኣብ ኩለን ክፍልታት ምምሕዳር ክነጥፉ ክሎዉ ብፍላይ ኣብ መላእ ባርካ ኣብተን ብዝሒ ጣንጡ ሃልየን ዓድታት ዘጥቀዓሉ ዝነበራ ብሰንኩ ብዙሕ ህዝቢ ብሕማም ዓሶ ኣዝዩ ይሳቐ ከም ዝነበረ ክጥቀስ ከሎ፡ ንሱ ዘስዕቦ ናይ ሕማምን ክሳብ ናይ ሞት ግዳያን ዝኾና ዝነበራ ዓድታት ውሑዳት ኣይኮናን እዞም ዝተጠቕሱ ውፍያት ተጋደልቲ ብጻዕሮም ነዚ ሓደገኛ ሕማም’ዚ ወላእኳ ፈጺሙ ጠፊኡ ክንብል እንተዘይደፈርና ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምቅላሉ ኣወንታውን ኣድማዕን ግደ ከም ዝነበሮም ክጥቀስ ይከኣል።

SocialAffairsOffice 4

በዚ መዳይ’ዚ ተመልሚሎም ብተግባር እንዳሰርሑ ከሎዉ ዝተላዕለ ስእልታት ሓቀኛ መግለጺኡ ከም ዝኾነ ውን ይሕብረና።

ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ክፍልታት ሓለፍቲ ምምሕዳር ኮይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ብዙሓት ብሞት ወላ እንተ ተፈልዩና ንታሪኾምን ተወፋይነቶምን ኣልዒሎም ብስፍሕ ዝበለ ክገልጹ ዝኽእሉ ብሂወቶም ዘሎዉ ነዚ ከም ጉቡእን ሃገራዊ ሓላፍነት ወሲዶም ብሰፊሑ ክገልጹ ጸዋዒተይ እንዳቕረብኩ ኣብዚ መዳይ’ዚ ብወገነይ ክተሓባበር ድልዊ ከም ዝኾንኩ በዚ ጽሑፈይ ያረጋግጽ ምስ ብዙሕ ኣክብሮትን ሰናይ ትምኒትን።

                                             ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ክብርን መጎስን ንሰማእታትና።

Last modified on Saturday, 02 January 2016 00:15