ብኣዋጅ ዝወጸ ናይ ከትሪ ሕጋውነት

2015-11-08 11:19:06 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2748 times

መንግስቲ ኣስመራ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ሎምስ ነቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ዘተስፍዎ ዝነበረ ገዲፉ ናብ ሕጋዊ ከትሪ ወይ ሽፍትነት ቀይርዎ ይርከብ። ኣብዚ ስዓት እዚ ወግሐ ጸብሐ ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ጅሆ ሒዙ ይኹን ኣታሊሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣእትዩ ይረግጾን ይድህኮን እምበር ንራህዋኡን ቅሳነቱንሲ ሓሲቡሉ’ኳ ኣይፈልጥን። ቅድሚ ሎሚ ምህርትና ንዝመጽእ ዓመት ብዝያዳ ክብ ክብል፡ ህዝቢ እውን ናብርኡ ከመሓየሽ’ዩ እናበለ፥ እታ ዓመት ግዚኣ ኣእኪላ ሓዳስ ዓመት ደበኽ ምስ በለት ከኣ ዘውጻእናዮ ውጥን ብግብሪ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣየምጸአን እናበለ ከታልልን ክቕሽሽን እነሆ ዓመታት ኣቚጺሩ። ሎሚ እውን ከም ኣመሉ ብሓዲሽ መልክዕ ናይ ገንዘብ ምቕያር ዝብል ኣዋጅ ኣውጽኡ ኣሎ።

ነቲ ባዕሉ ዝረመሶ ቊጠባ ሃገር፡ እነሆ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዝብ ብልሽውና ዝመልኦ ኮይኑ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ዘስዓቦ ከቢድ ሕጽረት ኣብ ሸርፊ እውን ክብን ለጠቅን ከምዝብል ገይርዎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ናቱ ቁጠባዊ ትካላት እውን ከምቲ ዝድለ ከፍሪ ኣይከኣለን። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ፈጢርዎ ዘሎ ቊጠባዊ ማዕቀብ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ወፍሪ ርእሰማል ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ብምእታው፥ ንብሕታውያን ሰብ ገንዘብ ከምመጠን ገንዘቦም ኣብ ወፍሪ ከይኣትዉ ዓጊቱ ዓዲ ስለዘውዓሎ እዩ። ወረ ሎምስ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ነቲ ንግዲ ይኹን ንኻልእ ኣገልግሎት ዝወሃብ ፍቓድ ክሳብ ምኽልካል በጺሑ ኣሎ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ እቲ ገንዘብ ኤርትራ ክዋፈር ይኹን ላዕልን ታሕትን እናበለ ኣብ ዕዳጋታት ይንቀሳቐ ስስለዘየሎ ኣብ ኢድ ውሑዳት ተገቢቱ ከምዝተርፍ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ኢየን ሃገራት ነቲ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዘሎ ገንዘብ ንምእካብ ናይ ባጤራ ምቕያር ኣዋጅ ዘውጽኣ፥ ሓንቲ ካብአን ድማ እናሃለ ኤርትራ ኮይና ኣላ።    

                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                 

እቲ ኣዋጅ ብሕጋዊ ሸፈጥ ኣሳቢቡ ‘’ሕጋዊ ምልክታ’’ ብዝብል ናይ ባጤራ ምቕያር ናይ ነፍሲ ወከፍ ጁባ ክጉሕጉሕን ንዘሎ ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ከእቱን ናይ ከትሪ ወይ ሽፍትነት ተግባር ተተሓሒዝዎ ከም ዘሎ እዩ ዝእምት። ልክዕ እዩ ባጤራ ንምቕያር ዝነበረ፡ ዘሎን ንመጻኢ’ውን ዝህሉን እዩ። እቲ ዓብይ ሕቶ እምበኣር ስለምንታይ እዩ ባጤራ ንምቅያር ተደልዩ? ዝብል እዩ። ደሓር ከኣ ባጤራ ብሓዲሽ ይተካእ ኣይተካእ ኣብ ቁጠባዊ ትንሳአ እታ ሃገር እንታይ ዓይነት ኣስተዋጽኦ ክህልዎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ እውን ኣድላዪ እዩ። እቲ ዘሎ ጉድለት ኣተሓሕዛ ገንዘብ ቅኑዕ ምሕደራ ብፍጣር እምበር ብምቕያር ባጤራ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ገንዘብ ኤርትራስ ናበይ ምስወጸ እዩ ናይ ዋሕዲ ገንዘብ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል? ዝብል እውን ንገዛእ ርእሱ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ካልእ እውን ምኽንያት ናይ ገንዘብ ምቕያር ክኸውን ዝኽእል እቲ ቁጽሪ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ብሓደጋ ሓዊ፥ ማይ፥ ከሚካላዊ ቀመማት ተጠቒዑ ምስ ዝጐድልን፡ ከምኡ እውን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ መሬት ደፊኑ ዝሓዞ ዝተበላሸወ ገንዘብ ምስ ዝህሉ እዩ። እዚ ኩሉ ግና ኣብ ኤርትራ ኣይተራእየን እሞ እቲ ናይ ምቕያር ገንዘብ ንኻልእ ጉዳይ ዝውዕል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ኣዛራቢ ዝኸውን፥ እቲ ኣተገባብራ መስርሕ ምቕያር ባጠራ ዝወስዶ ግዜን ዝኽተሎ ኣገባብን ክምዘን ከሎ ንምምንዛዕ እምበር ንረብሓ ህዝቢ ክውዕል ዝብል ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከም ድላዩ ከይነግድ ቁጠባዊ ማሕንቖ ገይሩ ኣጊድዎ ዘሎ ከይኣኽሎ እንደገና ድማ ነተን ዘለዋኦ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ክጭብጠን ይደናደን ኣሎ።

እቲ ናይ ምቕያር ባጠራ ናይ ግዜ ገደብ ከኣ ኣብ ሽዱሽተ ሳምንታት ጥራሕ ክውዳእ እዩ ተሓንጺጹ ዘሎ። እቲ ኣውራ ብጉርሕን ሽርሕን ዘቕቢቡ ዘሎ መደብ ከኣ ነዘን ሽድሽተ ሳምንታት ኣብ ክልተ ከፊልወን ምህላዉ እዩ። ቀዳማይ ክፋል ክልተ ሰሙን ካልኣይ ክፋል ድማ ኣርባዕተ ሰሙን ተባሂለን ኣለዋ። በታ ቀዳመይቲ ክንጅምር ማለት ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙን ዝኾነ ይኹን መጠን ገንዘብ ኣብ ባንክ ሕሳብ ከእቱ ይኽእል ይብል። ኣብተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ሳምንታት ከኣ ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ዘይበዝሕ ናብ ባንክ ሕሳብ ከእትዉ ወይ ክቕይር ይፍቀድ ይብል። ኣብዚ እነሀልካ ናይ ከትሪ ወፍሪ ብሕጋዊ ምልክታ ኣመሳሚስካስ ገንዘብ ሰብ ኣብ ጁባኻ ምምላእ።

መጀመርያ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ሽድሽተ ሳምንታት ስለምንታይ ሓጺሩ ዝብል ኣተሓታቲ እዩ። ነዚ ዘራጉድ ከኣ እቲ ነተን ሽድሽተ ሳምንታት ኣብ ክልተ ምኽፋለን ንገዛእ ርእሱ መግለጺ መደብ ናይ ዝምታ ምዃኑ ዝእምት እዩ። ምኽንያቱ ኣብተን ክልተ ሳምንታት ከይውደኣ ተባሂሉ ሰብ ብሃታሃታ ዘለዎ ገንዘብ ናብ ባንክ ንኸእቱ ክቀዳደም ዝተወሰነ እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ዝኸፍአ ከኣ ኣብ ውሽጢ እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ሳምንታት ካብ ኣብ ባንክ ዘሎ ቅሙጥ ገንዘቡ 20,000 ጥራሕ ክቕይር ወይ ከእቱ ዝብል እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ብዙሕ ሰብ ክኸስርዶ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ እዚ ንቁልቁል ዝኣፉ “ኩሉ ሰብ ገንዘቡ ኣብ ባንክ ከእቱ ይግባእ” ዝብል ኢልካ ምእዋጅዶ ኣይምሓሸን።

እቲ ዘገርም ኣብ ኤርትራ ተረኺቡ ዘሎ ዝቕበባ ካበይ ዝነቐለ ኮን’ዩ? ዝቕበባ መለትከ እንታይ ማለት እዩ? ዝቕበባ ማለት ናይ ዋጋታት ምንሃርን ናይ ገንዘብ ቀረብ ኣዝዩ ምብዛሕን እዩ። እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ በቲ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ‘’ ዝቕበባ ኩሉ ግዜ እምነት ዝጐደሎን ኮነ ኢልካ ዝግበር መሳርሒን ናይቶም ወጻኢታቶም ከጕድሉ ዘይደልዩ ፖለቲከኛታት እዩ።’’ እቲ ዋጋታት ናይ ምንሃር ባዕሉ እቲ ስርዓት ዝመሃዞ እዩ። መንግስትን ብሕታውያን ኣቕረብትን ደረቶም ብሕጊ ዝግለጽ ንጹር ነይሩ እንተዝኾኑ እዚ ኩሉ ሽግር ኣይምመጸን።

ስለዚ እቲ ስርዓት “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ናጻ ቊጠባዊ ፖሊሲ ንኸይህሉ ንኹሉ ዓትዒቱ እንድሕሪ ሒዝዎ ደኣ ንህዝቢ ዝኸውን እንታይ ክርከብ። ‘’ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ’’ዶ ኣይኮነን። ሕጋዊ ኣገባብ ዘይብሉ ኣሰራርሓ ኣተኣታትዩ ነቲ ምንሃር ዋጋታት ብቐጻሊ ከም ዝዓርግ ገይርዎ እዩ። ንኣብነት ሓዋላ ይኹን ናይ ነገራት ቀረብ ብኮንትራባንዳ ክኸይድ ካብ ኣፍቀደ፥ እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ስለዚ እቲ መንግስቲ ብህዝቢ ስለዘይተመርጸን ዝቆጻጸሮ ቅዋም ሰለዘይብሉን እሞ ድማ ህዝቢ ነቲ ናይቲ መንግስቲ ብሃውሪ ቀረብ ገንዘብ ናይ ምጉዳል ይኹን ምውሳኽ ስልጣን ክዓግቶ ዘይምኻኣሉ ዘምጽኦ መዘዝ’ዩ። ከምኡ እውን እቲ ቊጠባ ኣብ ኢድ እቲ ስርዓት ተገቢቱ ስለ ዘሎ ንመናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ክብል ኣብ ክሊ ትሕዝትኡ ክነብር ኣይከኣለን። እዚ ከኣ እቲ ናይ ስለያ መሓውራቱ ንምድልዳልን ንናይ ስልጣኑ መከላኽልን ዝጥቀመሉ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ድማ ነቲ መንግስቲ ኣብ ኣዝዩ ናይ ሸርፊ ይኹን ሕጽረት ናይ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ወይ ክሳራ ከጋጥሞ ናይ ግድን ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ድራር ማንታይ

Last modified on Sunday, 08 November 2015 12:40